2013-02-19 15:19:42

ሱባኤ ዓቢይ ጾም ኣብ ቅድስቲ መንበር
ካልኣይ ኣስተንትኖ


RealAudioMP3 እቲ ዕለት 23 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ዝዛዘም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.ን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ዓበይቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላት ዘሳተፈ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ኣብ ዝካየድ ሱባኤ ዝሓለፈ ሰንበት ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት ሽዱሽተ ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ኣብ ዝርከብ እመ መድሃኔ ዓለም ቤተ ጸሎት ከምእተጀመረ እንክምልከት፣ ነዚ ናይ 2013 ዓ.ም. ሱባኤ ጾመ ኣርብዓ ሰባኬ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝተመዙ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ከምዝኾኑን ክፍለጥ እንከሎ፣ እዚ “Ars orandi, ars credendi. Il volto di Dio e il volto dell’uomo nella preghiera salmica-ስነ ጥበብ ጸሎትን ስነ ጥበብ እምነትን፣ ምስሊ እግዚኣብሔርን ሰብን ኣብ መዝሙረ ዳዊት” ብዝብል ጠቕላሊ ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ ሱባኤ ትማሊ ንጎሆ ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ፣ ኣብ መዝሙረ ዳዊት ትርጉም ናይ ጸሎት፦ እስትንፋስን ኣየርን እማረን-ዕላማን ናብ እግዚኣብሔር ዝዓርግ ኣውያትን ፍቕሪ ንእግዚኣብሔርን” ዝብል ምዃኑን፣ ህላዌ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ መጻኢ ቤተ ክርስቲያን፦” ጸላይን ብተመስጦ ዘስተንትንን ከም ሙሴ ናብ ጎቦ ደይቡ ምእንቲ እቲ ኣብ ትሕቲ ጎቦ ምስ ኣማሌቃውያን ዝዋጋእ ዝነበረ ሕዝበ እግዚኣብሔር ንእግዚኣብሔር ዝጽልይ ህላዌ ቅዱስ ኣቦና ተምሳል ሙሴ ከምዝኾነን፦ ዝምህለልን ዝምሕጸንን፣ ኣንሕና ኣብ ትሕቲ እቲ ጎቦ ኣብቲ ኣማሌቃውያን ደሮናን ፍርሕን ራዕድን ከምኡ እውን ተስፋ ኣብ ዘለሉ ክንህሉ ምሳናን ከማኡ ኣውን ኣብ ልዕሊ ጫፍ እቲ ጎቦ ኰይኖም ክመርሑና ጸኒሖም እዮም ካብ ሕጂ ንደሓር ግን ኣብቲ ጫፍ ጎቦ ኮይኖም ምእንታና ናብ እግዚኣብሔር ዝጽልዩን ምእንታና ዝምሕጸኑን እዮም” ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፣ ናብቲ ቀንዲ ናይቲ ሱባኤ ኣርእስቲ ብምእታው፣ “ሱባኤ ነፍስና ካብ ምድራዊ ነገራትን ጭቃን ሓጢኣትን ካብ ሕስረትን ተራን ኣእዛንና ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብቲ ትርጉም ኣልቦ፣ ሃጠውቀጠው ዘረባ ካብ ምስማዕ ኣነርሕቐሉ እዋን እዩ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቃል ኣምላኽ ገላጽን ፈጣርን እዩ። ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ትማሊ ካልኣይ ስብከት ዓቢይ ጾም ብምቕጻል፣ “ኣምላኽ ብቓሉ ይግለጽ ይፈጥር፣ እምነትናን ጸሎትናን ካብቲ ቃል ኣምላኽ ዝምንጭ ናይ መለኮታዊ ጸጋ ቀዳምነት ዘረጋግጽ ኣብ መጀመሪያ ግልጸተ እግዚኣብሔር ማለት ቃል ማለት እዩ። ቀዳማይ ግልጸት እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ህላዌ ምስሉ ዝገለጸሉ ብቓሉን ኣብ ቃሉን እዩ። ጸጋኡ ንቓሉ ሓደራ ዝሃበን ፍጹም ኣተኵሮ ናይ ኦሪትን ሓድሽ ኪዳንን ኣብ ቃሉ እዩ። እግዚኣብሔር ብርሃን ይዅን በለ ብርሃን ድማ ኰነ፣ ቃል ኣምላኽ ክዛረብ እንከሎ ዝብልን ስሉጥን ዘይቅየርን እዩ። ናይ ወዲ ሰብ ቃል ግን ተነቃፍን ክበሃልን ክጠፍእን ብሓንሳብ እዩ። ኮይኑ ግን ብዘይ ቃል ርክብ ኣይምሃለወን” ኢሎም፣ ኣብ መዝሙረ ዳዊት 119. 105፦ “ቃልካ ንስጒምተይ መራሒ ንመገደይ ብርሃን እዩ” ዝብል ጠቒሶም እቲ ቓል ጸልማት ዝቕንጥጥ ብፍልይ ነቲ ናይ ሞትን ዘርይጉጽነትን ሸለልተይናን መቐረትን ምረትን ዝሓዋውስ ባህሊ ዝቕንጥጥ፣ ነቲ ናይ ሞትን ምድንጋርን ዘብዕል ባህሊ በቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ቓል መሰረት ኣይፋል ዘብልን ናብቲ ክቡራት ዋጋታት ናይ ሕይወት ዝመርሕ ከምዝኾነ ምስ ገለጹ ቀጺሎም፣ መዝሙረ ዳዊት 23፦ እግዚኣብሔር ሕያዋይ ጓሳ ነባጊዑ ዝመርሕ ከምዝኾነን፣ ዝመርሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ዘሰንይዕ እሙን ዓርኪ እውን እዩ። እግዚብሔር ናብቲ ልሙዕ ሻኻ ናብቲ ዘይጽንቐቕ ማይ ዝመርሕ እዩ። እቲ ልሙዕ ሻኻን መዕረፍን ፈልፋሊ ማይ ድማ እቲ ሸቶ እዩ። ስጋሁ ወደሙ ዝስረዓሉ ሊጡርጊያ ማለት ምዃኑ እንክገልጹ፦ “ቃል ልክዕ ከምታ ቀዳመይቲ ግልጸት፣ ከምቲ ኣብ መዝሙረ ዳዊት እቲ ቃል ክደግም እቲ ቃል ኣብ ውሽጠይ ዘቃልሕ ቃል ኣምላኽ እዩ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ቀጺሎም ኣብ ናይ ትማሊ ኣስተንትኖ “ቀዳማይ ግልጸት እግዚኣብሔር ቃሉ እዩ። ቃል ኣምላኽ ጽንታ ቲዮሎጊያዊ ውህድ ጥዑም ቅንይት (ሙዚቃ) እዩ። እቲ ቅንይት ህርመት ዘይኮነስ ኵላዊ ህርመት ንኹሉ ዝጥቕልል ፍጥረት ኩሉ ዘዚሞ ዘዘንትዎን እዩ፣ (መዝ. 19)” ምስ በሉ ቀጺሎም፦ “ኣብ እዋናዊ ሰብ ዝርአይ ናይ ዘይምድናቕ መንፈስ (ኣልቦ ኣድናቕነት) ዝተመልአን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ማለት ኣብ ናይ ኣእዳው ስራሕ ዝተዓጽፈን የዕይንቱ ናብ ሰማይ ክጥምታን ብጥልቂ ከድንቓን ተፈጥሮ ከስተማቕራን ዘይፈቅድ ኮይኑ ናብ ምድሪ ተዓጺፉ መሬት ዝምዝምዝን ዘመዛብልን ኮይኑ ከም መጋበርያ ጥራሕ ክጥቀመላ ይርከብ፣ ስለዚህ ናይ መሬት ቀንዲ ትርጉሙ ሓፍት ንዝብል ዘንጊዑ ዝነበር ኰይኑ ኣሎ” ኢሎም።
ኣብቲ ዘቕረብዎ ናይ ኣስተንትኖ ስብከት ኣብ መንጎ እምነትን ስነ ምርምርን ዘሎ ርክብ ኣውን ጠቒሶም፣ እዚ ኣርእስ’ቲ ብናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣዚዩ ዝተፈትወን ብዙሕ ዝጸሓፍሉን ዝስተምሃሩሉን ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ዝሃብሉ ከምዝኾነ እንክዝከር “እምነትን ስነ ምርምርን ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት እውን እንተኾኑ ዝነጻጸጉ ኣይኮኑን፣ እምነት ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ዝምልሽ ክኸውን እንከሎ ስነ ምርምር ድማ ብኸመይ ኣግባብ ንዝብል ሕቶ ዝምልሽ እዩ። ፈላስፋ ፓስካል ‘ስነ ምርምር ምንጻግ፣ ንስነ ምርምር ቦታ ዘይምሃብ ወይ ድማ ኣፍልጦ ዘይምሃብ ማለት እዩ’ ይብል፣ ሰብ ንኸፍቅርን ነቶም ዘፍቅሮም ክፈልጦም ግድን ኣዩ። መለኮታዊ ነገር ግን ንኽትፈልጦም ቅድም ቀዳድም ከተፍቅሮም እዩ ዝግብኣካ (ፓስካል)፣ ምእማንን ምርዳእን ዝተኣሳሰሩ ተግባራት እያቶም፣ ስለዚህ ዝገራጨዉን ተጻይ ዘይኮኑስ ነናይ ገዝእ ርእሶም ተራኻቢ ኣረኣእያ ዘቕርቡ እያቶም” ቢሎም መዝሙረ ዳዊት 19፦ “…ኵሉ ፍጥረት ክብሪ እግዚኣብሔር ይገልጽ….” ብርሃን ጸሓይ ካብ ሰማየ ናይ ቆስሞስ ግልጸት ይዛረበና፣ ቃል ኣምላኽ እቲ ካልኣይ ጸሓይ ብምልኣት የብርሃልና እዚ ድማ እቲ ዝገልጽን ዝፈጥርን ቃል” እንክብሉ ናይ ትማሊ ካላእይ ስበከት ሱባኤ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.