2013-02-16 13:22:12

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ


RealAudioMP3 ብዛዕባ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃይማኖት ተግባር ሓልዮ ተቛም ሓድሽ ኣቦ መንበር ኣመልኪቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ትማሊ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝተኣካቡ ልኡኻት ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃይማኖት ተግባር ሓልዮ ተቛም ተቖጻጻሪ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ድርገት ውሳኔ እዚ ድማ ናይቲ ተቛም ሓድሽ ኣቦ መንበር ንኽኾኑ ናይ ሕጊ ሊቅ ኤርነስስት ቮን ፍረይበርግ ከምዝሓረየን ኣረጋጊጾም፣ እቲ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ድርገት ብምሉእ ድምጺ ዝወሰዶ ውሳኔ ከምዝኾነን፣ ነቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ንቕዱስ ኣቦና ድሕሪ ምርካቦም ቅዱስነቶም ጥልቂ መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያድ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ውሳኔ ክኸውን ወግዓዊ ውሳኔ ገርዮም ከምዘጽደቕዎ ገሊጾም።
እቲ ናይ ሃይማኖት ተግባር ሓልዮ ተቛም ዝቆጻጻር ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ድርገት ናብዚ ውሳኔ ንብምጻሕ ነዊሕ ጊዜ ዝወሰደሉ ምዃኑን እዚ ድማ ነዊሕ መጽናዕትን ኣስተንትኖን ዝሓትት ብምዃኑ እዩ። ስለዚህ ብቑዕን ተኣማንን ሰብ ንምሕራይ ዝዓመተ ከምዝነበረን፣ እነሆ ድማ ብፁዓን ካርዲናላት ብሓባር ናብቲ ውሳኔ ከምዝበጽሑን ቅዱስ ኣቦና ብወገኖም ነቲ ውሳኔ ከምዘጽደቕዎ ኣባ ሎምባርዲ ገሊጾም፣ ኣብ ከይዲ ኤኮኖምን ቁጠባ ሃብቲ ገንዘብን እቲ ናይ ሃይማኖት ተግባር ሓልዮ ተቛም ዝኽተሎ ናይ ግልጽነት አሰራርሓ ዘተባብዕን ዝድግፍን ብምልኣት ንምንቅስቓስ ዘይሕጋዊ ሃብቲ ገንዘብ ንምቁጽጻር ዘብቅዕ ዓለም ሓቆፋዊ መምርሕን ሕግታትን ዝተባብዕ እውን እዩ ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.