2013-02-16 13:19:39

ተቛም ሓልዮ ግብረ ሃይማኖት


RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር ተቛም ሓልዮ ግብረ ሃይማኖት ዝከታተል ናይ ብፁዓን ካርዲናላ ድርገት ትማሊ ናይዚ ተቛም ሊቀ መንበር ንኽኾኑ ናይ ሕጊ ሊቅ ጀርመናዊ ኤርነስት ቮን ፍረይበርግ ከምዝሓረዩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ሓድሽ ናይቲ ዮር እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ተቛም ሓልዮ ግብረ ሃይማኖት ሊቀ መንበር ምስቶም ናይዚ ተቛም ኣርባዕተ ነበር ኣባላት ቤት ምኽሪ ብሓባር ክመርሑ ዝተመዙ ምዃኖም ዝገለጸ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ድርገት ብፁዓን ካርዲናላት ድሕሪ ነዊሕ ኣዋርሕ ዝወሰደ ምምኽኻርን ጥልቂ ግምገማታትን መጽናዕቲ ብምክያድ ብሓደ ድምጺ ዝወሰድዎ ውሳኔ ምዃኑ ኣመልኪቱ፣ ነቲ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ድሕሪ ዓሚዩቕ መጽናዕትን ግምግማን ከምዘጽደቕዎ ኣመልኪቱ።
ኤርንስት ቮን ፍረይበርግ ጀርመናዊ ወዲ 55 ዓመት በዓል ሓዳርን ናይ ማልታ ፈረሰይናታት ማሕበር ኣባል ናይ በርሊን ሰበኻ መንፈሳዊ ነጋዶ ናብ ሉርድ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዝከታተልን ዘሰናድውን ማሕበር ተሓባባሪ መራሒ ክኾኑ እንከለዉ፣ እዚ ማሕበር ኣብ ፈረንሳን ጀርመንን ኦስትሪያን ከምኡ እውን ኣብ ፍራንክፈርት ዝርከብ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ፍረኢሊግራዝ ደጋፍን ናጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝልግስ እውን ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ከመልክት እንከሎ፣ ቮን ፍረይበርግ ኣብ ጀርመን ዋና መንበሩ ኣብ ከተማ ኮለን ናይ ዝኾነ ናይ ውህለላ ወላዲ ሕሳብ ባንኪ ቤት ፍሎስባኽ ቮን ስትሮኽ ናይ ዝቆጻጻር ቤት ምኽሪ ኣባል ከምዝኾኑን፣ ኣብ ጀርመን 22 ሺሕ ሰራሕተይናታት ዝሓቁፍ ናይ ጊዚያዊ ስራሕ ኣገልግሎት ሓልዮ ተቛም ቤት ምኽሪ ኣባልን ብዛዕባ ናይ ስነ ሃብቲ ገንዘብን ቁጠባን ልዑል ተመክሮ ዘለዎም ከምዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.