2013-02-16 13:25:42

ብፁዕ ካርዲናል ራዪ፦ እወታዊ ነውጺ ንቤተ ክርስቲያንን ዓለምን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝኣወጅዎ ናይ እምነት ዓመት ዕለት 11 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ንወግዒ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ዘጀመርሉ ኣብዚ ናይ እምነት ዓመት ካብ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣኖም ብፍቓዶም ክለቁ ምዃኖም ዝወሰድዎን ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘስምዕዎ ውሳኔ ንመላእ ቤተ ክርስትያንን ዓለምን እወታዊ ነውጺ እዩ እንክብሉ ኣብ ሊባኖስ ናይ ማሮናዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል በቻራ ራዪ ከምዝገለጹ ኤሺያን ነውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ካብ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን ብገዛእ ፍቓዶም እቲ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን ዝሓቶ ውዕዉዕ ሓይሊ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ዝጎድሎም ብምዃኑ ብፍቓዶምን ብነጻነት ብዓሚዩቕ ጸሎትን ኣስተንትኖን ዕለት 28 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ጴጥሮሳዊ ስልጣኖም ከብቕዕ እሞ ብፁዓን ካርዲናላት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክሓርዩ ምዃኖም ዝብል ናይ እግዚኣብሔር ፍቓድ ንዘረጋግጽ ናጻ ውሳኔኦም ብፁዕ ካርዲናል ራዪ “ናይ እምነት ግብሪ ትብዓትን ቅንዕንና ዝተመልኤ ኣብነታዊ ውሳኔ እዩ” እንክብሉ ብምትንታን፥ “ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ንዘለዎምን ከምኡ እውን ብዓይኒ ዓለም ኣብ ናይ ሃገርን መንግስትን ዓቢይ ስልጣን ንዘለዎም ዓበይቲ ኣካላት ኣብነትን ትምህርትን እዩ። እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ውሳኔ ዓቢይ ናይ እምነት ምልክት ፍቕሪ ንኽርስቶን ንቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ዘነጽር እዩ። ኣብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ምንባርን ገዛእ ርእስኻ ናይ ምኽሓድን ናይ ትሕትናን ልዑል ምልክት እዩ። ቅዱስነቶም ኣብ ሊባኖስ ካብ ዕለት 14 ክሳዕ ዕለት 16 መስከረም 2012 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶምን ንመላእ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ‘ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራኽ ሱታፌን ምስክርነትን’ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ብምልጋስ ዝፈጸመዎ ናይ መወዳእታ ሓዋርያዊ ዑደቶም ከምዝኾነን፣ እዚ ድማ ንሊባኖስን ንማክእከላይ ምስራቕ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ምልክታ ፍቕሪ እዩ” ምስ በሉ፦ ንፓትሪያርካዊ ኣገልግሎት ኵላዊ ቤተ ክርስቲያናዊ መልክዕ ክለብስ ዝገብር ማዕርገ ካርዲናል ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ወርሒ ሕዳር 2012 ዓ.ም. ዝተቐበሉ ምዃኖም እውን ዘኪሮም፦ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኮለሰዩም ኣደባባይ ብምኽያት ዓቢይ ጾም ዕለት 29 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ንዝቐርብ ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ ንኽደርሱ ቅዱስ ኣቦና ከምዝሓረይዎም እውን ከምዝገለጹ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።
ኣብ አንጽዮኪያ ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ብወግዒ ናይ ምጅማር ስነ ስርዓት ከምኣተሳተፉን ኣብቲ በዓል ንኽሳተፉ ዶብ ሶሪያን ሊባኖስን ዝሰገሩ ከምዝኾኑን ናይ ብዙሓት ኣብ ሶሪያ ናይ ካቶሊካውያን ምእመናን ናይ ሓጎስ ንብዓት ከምዝተሳተፉ እውን ከምዝገለጹ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ኣብ ሶሪያ ካብ ዝርከብ ብዝሒ ክርስትያን ምእመን 60 ሚእታዊ ብናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ምእመን ዝሽፈን ከምዝኾነን፣ በቲ ኣብ ሶሪያ ተኸሲቱ ዘሎ ሁከትን ግርጭትን ይስደድ ብምህላዉ ድማ ናይቶም ኣብ ሶሪያ ዝርከቡ ካልኦት ውሁዳን ማኅበረ ክርስትያን መጻኢ ንስጋኣት ዝድርኽ እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.