2013-02-16 13:16:36

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ምስሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፈጺሙ ኣይዓርብን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ዕለት 15 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ብናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበርን ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳሳትን ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ዝተመርሑ ናይ ክፍለ ሃገር ሊጉሪያ ብፁዓን ጳጳሳት ን vista ad Limina-ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ንምስላምን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣዝዝኦምን ውህደቶም ንምርግጋጽን ዛዕባ ሰበኻታቶም ንምዝታይን መርሕ ቃል ንኽቕበሉ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣብ ቅዱስቲ መንበር ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምኽንያት ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ እንክምልከት፣ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ቨንቲሚሊያን ሳን ረሞን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣልበርቶ ማሪያ ካረጆ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ብሓቂ መሳጢ ከምዝነበርን ፍቕርን ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓልዮትን መርሕነትን ዝዓሰሎ ኣቀባብላ ከምዝገበርሎም ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ብፁዓን ጳጳሳት ምእንታኦም ክጽልዩ ሓደራ ቢሎም ምስሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጠሪሹ ዘይዓርብ ምዃኑ ከምዘረጋገጽሎም እውን ገሊጾም፣ ኣባታዊ ፍቕርን ጴጥሮሳዊ ሓልዮትን ቅርበትን ዝተቓልሓሉ ሓዋርያዊ ርክብ እዩ ኔሩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.