2013-02-16 13:29:10

ሰበኻ ሮማ


RealAudioMP3 ጽባሕ ሰንበት ዕለት 17 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ኣብ መላእ ቁምስናታት ሰበኻ ናይ ሮማ ሰበኻ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጎስቲኖ ቫሊኒን ናይ ሰበኻኦም ብፅዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ምእመና ንቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ውሉዳዊ ቅርበቶምን ሱታፌኦም ንምግላጽ ምእንታኦም ክጽለ ዘቕረብዎ ጻውዒት መሠረት፣ ምእንቲ ናይ ሮማ ጳጳስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ክጽለ ውሳኔ ከምዘመሓላለፉ ናይ ሮማ ሰበኻ ናይ ሊጡርጊያ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኣባ ጁዜፐ ሚዲሊ ከምዝገለጹ ተሓቢሩ።
ሰበኻ ሮማ እግዚኣብሔር ነቲ ንሰበኻ ሮማ ዝዓደላ ብፁዕ ጳጳስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ምኽኝያት ንጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምምስጋንን፣ ንሶም ንዝለገስዎ ኣስተምህሮታትን ስልጣናዊ ምዕዳንን መርሕነትን ጥልቂ ናይ እምነት ኣብነቶምን ንእግዚኣብሔር ንምውዳስን ንምምስጋንን ምእንታይ ጸልዩ እንክብሉ ኣብ ቀረባ እዋን ዝገለጽዎ ሓሳብ ብምስዓብ ኣብ መልእ ቁምስናታት ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ እዋን’ዚ ሓይሊ ጸጋ እግዚኣብሔርን እዚዩ ኣብ ዘድልየሎም እዋን ናይ ደቃቶም ውሉዳዊ ፍቕሪ ከስተማቕሩ መታን እዚ ሓሳብ ናይ ጸሎትን ስርዓት ቅዳሴን ሓሳብ ኮይኑ ከምዝበዓል ቤት ጽሕፈት ሰበኻ ሮማ ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.