2013-02-12 14:47:04

ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር


RealAudioMP3 ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ብዛዕባ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓዋርይዊ ሓላፍነቶም ከረክቡ ዝሃብዎ ውሳኔ ኣመልኪቶም ካብቲ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት እንክወጹ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅድም ቀዳድም ናይ ኦቶሮንቶ ናይ እምነት ሰማዕታት ናይ ብፁዓን ሰማእታት ኣዋጅ ከስምዑ ዝጸውዕዎ ጉባኤ ካርዲናላት ከምዝነበረን ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ነቲ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓላፍነት ብቑዕ ሓይሊ ከምዘይብሎም ገሊጾም፣ ዕለት 28 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ከረክቡን ቀጺሎም ብፁዓን ካርዲናላት ንሕርየት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክእከቡ ምዃኖም ገሊጾም፣ እቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ጎይታ ሓዋርያተ ሓዋርያት ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን መራሒ እዩ ምስ በሉ ናይ መላእ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናትን ምእመናን ገዳማውያንን ቅርበት ንቕዱስነቶም ኣረጋጊጾም፣ ብትሕትናን ብጽንዓትን ብትዕግስትን ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ጀልባ ዝመርሑ ብምዃኖም ኣመስጊኖም ኩላትና ንቕዱስ ኣቦና ቀረባ ኢና ምእንታኦም ንጸልይ ከዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.