2013-02-12 14:56:24

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ኃሴት ር.ሊ.ጳ.


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በመዲክቶስ መበል 16 ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ዕለት 28 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ከምዘረክቡን ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምሕራይ ክእከቡ ምዃኖ ዝብል ውሳኔ ኣደግፊም ናይ ቫቲካን ረዲዮ ጋዜጠይና ኣለሳድሮ ጂሶቲ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ፦ ዕለት 18 ለካቲት 2005 ዓ.ም. ድሕሪ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓስን ጳውሎስ ዳግማዊ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምሕራይ Missa pro eligendo Pontifice-ስርዓተ ቅዳሴ ንምርጫ ር.ሊ.ጳ.” ንዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝመርሑ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ራትዚንገር ደሓር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝተሓርዩ ር.ሊ.ጳ. በንዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ድሕሪ እቶም ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ን 27 ዓመታት ዝመረሑ ዓቢይ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እግዚኣብሔር ንልቡ ባህ ዘብሎ ናይ ልቡ ዝኾነ መበል 264 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክጽግወና ንጎይታ ንጸልይ ከምዝበሉ ጂሶቲ ዘኪሮም፣ ድሕሪ እቲ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምሕራይ ዝተኻየደ ጉባኤ ካብቶም መረጽቲ ብፁዓን ካርዲናላት ማዕርገ ካርዲናል ካብ ዝተቀበሉ ቀዳሜዲያቆን ብፁዕ ካርዲናል ኾርጀ ኣርቱሮ መዲና ኤስተቨዝ በቲ ናብ ፊት ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝምልከት መስኮት ወጺኦም ነቲ ኣብቲ ኣደባባይ ተኣኪቡ ዝነበረ ሕዝቢ Habemus Papam-ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ረኺብና ዝብል ኣዋጅ ልክዕ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ንሰዓት ሸውዓተ ርብዒ ጎደል ምስ ኣስምዑ ቀጺሎም ብፁዕ ካርዲናል ዮሴፍ ራትዚንገር ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቢሎም ምስ ሓበሩ፣ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም በታ መስኮት ኮይኖም ዝተፈተኹም ኣሓተይን ኣሕዋተይን ድሕሪ እቶም ዓቢይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብፁዓን ካርዲናላት ንዓይ ተራን ትሑትን ዓያዪ ኣብ ግራት ጎይታ ሓረዮምኒ (ዕለት 19 ለካቲት 2005 ዓ.ም.) እንክብሉ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ተልእኾኦም ከምዝጀመሩ ዝዝከር ኮይኑ ዕለት 24 ለካቲት 2005 ዓ.ም. ልዕሊ 300 ሺሕ ምእመናንን ዓበይቲ ናይ ዝተፈላላለያ ናይ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕትን መራሔ መንግሥታትን ናይ መንግስቲ ዓበይቲ ሰበ ስልጣናት ኣብ ዝተረኽብሉ ብዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ጴጥሮሳዊ ስልጣኖሞ ብወግዒ እንክጅምሩ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፦ “ድላዮም ዘይኮነስ ድላይ እግዚኣብሔር ክፍጽሙን ሓሳቦም ዘይኮነስ ናይ እግዚኣብሔር ሓሳብ ክስዕቡን፣ ምስ መላእ ቅዱስቲ ቤተ ክርስቲያን ቃልን ድላይ ጎይታን ጽን ክብሉን ብኣኡ ንኽምራሕ ገዛእ ርእሰይ ንኣኡ ብምሕዳግ ኣነ ዘይኮንኩስ ንሱ ንመላእ ቤተ ክርቲያኑ ኣብ ታሪክ ክመርሕ ዝብል ናይቲ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ተልእኾ መርሃ ግብረይ” ከምዝበሉ ጋዜጠይና ጂሶቶ የዘኻኽሩ።
ኣብ ማድሪድ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ተረኺቦም መሪሕ ቃል ንምልጋስ ኣብ ዝፈጸመዎ ጉዕዞ ዕለት 18 ነሓሰ 2011 ዓ.ም.፦ “እቲ መዓልቲ መንእሰይ ኣብ ቅድሚ ዓለም ምስክር ህላዌ እግዚኣብሔር ጭቡጥ ናይ እምነት ዋሕዚ ብርሃን ምልክት እዩ” ከምዝበሉን፣ መንእሰይ ናይ እምነት ዋሕዚ ብርሃን ኮይኑ ክርኤ ተመሳሲልካ ካብ ምንባር ፈተና ክላቐቕን ብውልቅን ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት እምነቱ ክንበር ከምዘተሓሳሰቡን ኣብቲ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ብወግዒ ንምጅማር ኣብ ዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዓለም ዝርኤ ዘሎ ምልካዊ ተዛማድን ሕሉፍን ቀይዲ በተኽ ዝኾነ ዓለማውነትን ከየሰንፈና ክንጥንቐቕን ነዚ ዘይባህሊ በቲ ሓቀይና ባህሊ ከነሰንፎ ከምዘተሓሳሰቡ እንክዝከር፣ ነዚ ዓይነት ፈተና ክንብድሆ መታን ነዚ ዝድግፈና ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ከምዘቖሙን ምሁራት ኣማንያንን ኢኣማንያንን ብሓባር ዝዝትይሉ Cortile dei Gentili-ደንበ ኣሕዛብ” እተሰምየ ብናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝዳለው ዓውደ መጽናዕቲ ብቐጻሊ ክካየድ ከምዝገበሩ ጂሶቲ ጠቒሶም፣ ምስ ካልኦት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ብምቕጻል ዕለት 21 ታሕሳስ 2009 ዓ.ም.፦ “ኣቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ነቶም ሃይማኖት ዘይግደሱን ሃይማኖት ወጻእተይና ገይሮም ዝሓስቡን ሸለል ምስ ዝብሉ ኢሃይማኖታውያን ዘተ ክገብር ኣለዎ። ስለዚህ እቶም ንእግዚኣብሔር ዘይፈለጥዎ ብዘይ እግዚኣብሔር ክተርፉ ዘይደልዮ እያቶም እሞ ነቲ ከይፈለጥዎ ዘገልግልዎ እግዚኣብሔር መንነቱ ከነፍልጥ ዝበቕዕ ናይ ሓባር ዘተ ክኸውን ኣለዎ” እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ የዘኻኽሩ።
ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዓቢይ ኣድናቒ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ከምዝኾኑን ናይ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ሊቅ እምነትን ኣእምሮን ምርምርን ተተሓሒዙ ዝኸዱ ከምዝኾኑን ኣብ 2006 ዓ.ም. ወርሒ መጋቢት ኣብ ናይ ኤውሮጳ ሕዝባዊ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ኣብ ናይ ሕበረት ኤውሮጳ ሕዝባዊ ባይቶ ወከልቲ ፊት ተረኺቦም፣ ናይ ሕይወት ባህሊ ምክልኻልን ምስፋሕን ሓለዋን ክንክንን ኣባይት ስድራን ናይ ሃይማኖትን ናይ ሕንጸት ነጻነትን ኣማእኪሎም ዝሃብዎ ምዕዳንን ከምኡ እውን ኣብ 2006 ዓ.ም. “Deus Caritas est-እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ” ኣብ 2007 ዓ.ም. “Spe Salvi-ብተስፋ ኢና ድሒንና” ከምኡ እውን ኣብ 2009 ዓ.ም. “Caritas in Veritate-ፍቕሪ ብሓቂ” እተሰምያ ዝደረስወን ዓዋዲ መልእኽትታትን ኣብ 2008 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ዝተኣታተወ ዓለም ለኻዊ ቅልውላው ኤኮኖሚ ብሓቂ ንምብዳሁ እታ ፍቕሪ ብሓቂ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ መሰረት ምዃና ኣብ መላእ ዓለም ብመላእ ናይ ስነ ኤኮኖሚ ሊቃውንቲ ክበሃል ይከኣል ተኣማንነት ዝረኸበትን ርእሰ ጉዳይ ናይ ዝተፈላለዩ ዓውደ መጽናዕትታት ከምዝኾነትን ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ምዕባለ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ብወንጌልን እምነትን ብባህልን ክስበኽ ከምዘለዎ ዕለት 28 ለካቲት 2011 ዓ.ም. ከምዘተሓሳሰቡ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ የመልክቱ።
ዕለት 29 ግንቦት 2006 ዓ.ም. ኣብ ጀርመን ብኢድ ናዚ ኣብ ኣውሽዊዝን ቢከናውን ሰፈር ሕልቂት ዝተቐትሉ ንምዝካር ዝገበርዎ ምብጻሕን ምስ ማህበርሰብ ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ንውህደት መላእ ቤተ ክርስቲያን ኣሚቶም ዘበገስዎ ናይ ሓባር ዘተን ምስ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማይን ምስ ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶስካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ጀርመን ኤርፉርት ኣብ ዝርከብ ናይ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ገዳም ምስ ሉተራን ዘካየድዎ ዘተን፣ ካብ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንዝምለሱ ዝመርሕ “Anglicanorum Coetibus-ንጉጅለ ኣንግሊካውያን” ዝብል ዝሓንጸጽዎ ናይ መምርሒ ሰነድን ኣብ ወርሒ መስከረም 2006 ዓ.ም. ኣብ ራቲስቦና ቢዛንታዊ ንጉስ ማኑኤል ካልኣይ ሰነድ ጠቒሶም ብዛዕባ ሃይማኖት ምስልምና ዝምልከት ዝበልዎ ሓሳብ ድሓር ካብ ዘይምርዳኡ ንዝፈጠሮ ጸገም ጌጋ ምዃኑኑ “ማኒኤል ካልኣይ ዝብሎ ኣመክንዮ ክመርሕ ከምዘለዎን ሃይማኖት ንምትሕልላፍ ኣምሮን ዓመጽን ዘይኮነስ ሃይማኖትን ኣመክንዮን መሰረት ምዃኑ ዝሃብዎ መረድኢ ንምትንታን እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ መብርሂ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ጠቒሶም፣ ብዛዕባ ሚስጢረ ክህነትን ካብ ማልታን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣውስትራሊያን ዓባይ ብሪጣንያን ዝተዋጽኦ ብገለ ገለ ውሉደ ክህነት ኣባላት ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝወረዶም ተቐቢሎም ከምኡ እውን ንናይ ኣየርላንድ ምእመናን ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽትን ብሓቂ ኣብ ንውሉደ ክህነትን ተማሃሮ ዘርኣ ክህነትን ዘድሊ መሰረታዊ ሕንጸት ፈልዮም ብምርዳእ፣ ንጸዋዕታ ክህነት ክወሃቦ ዝግብኦ ግዳሴን ኣተኵሮን ሕንጸት ፈልዮም ከምዘረድኡን፣ ናይ እምነት ዓመት ዝኣወጁን ኣብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ሚላኖ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ተረኺቦም ዝሃብዎ ምዕዳንን ቤተ ክርስቲያን ነቶም ዝተፋትሑ ሰብ ሓዳር እውን ከምእትሓስብን ብፍላይ እቶም ዝተፋትሑ ኣብ ቁምስናታቶም ሰበኻታቶምን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክረኽቡን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ምዃኖምን ኣባላታ እውን ከምዝኾኑ ከረጋግጹ ዘብቅዖም መንፈሳውን ሰብኣዊ ሕንጸትን ክንክን ክረኽቡ ዝሃብዎ መሪሕ ቃልን ጋዜጠይና ጂሶቲ ጥቒሶም ዘቕረብዎ ሓትታ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.