2013-02-12 15:10:04

ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብፍቃዶም ካብ መዝነት መንበረ ጴጥሮስ ከምዝወርዱ ገሊጾም፣


RealAudioMP3 ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ረፍዲ ዕለት 11 ለካቲት 2013 ዓምፈ፤ ብዛዕባ ቅዱሳን ንምዝርራብ አብ ዝጸውዕዎ ብኮንቺስቶርዮ ዝፍለጥ ጉባኤ ካርዲናላት አብ ዝተኻየደሉ ግዜ ብ28 ለካቲት ብናይ ሮማ ሰዓት አቆጻጽራ ሰዓት ሾሞንተ ናይ ምሸት ካብ ናይ መንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ሥልጣኖም ብፍቃዶም ከም ዝወርዱ ብቋኑቋ ላቲን ውግዓዊ መግለጺ ሂቦም። እዚ ሃንደበታዊ ውሳኔ ናይ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስንኦም ምውራዶም ንሰበ ሥልጣናት ቅድስቲ መንበርን ንመላእ ዓለምን አሰምቢዱን አገሪሙን። ቅዱስነቶም ሥልጣን ጵጵስንኦም ብወለንቶኦም ንኸገድፍዎ ምኽንያት ዝኸኖም ብዕደመ ስለዝደፍኡ ሐይሎም እናደኸመ ስለ ዝመጸ ብዝግባእ መንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ክመርሑ ስለዝይክእሉ ከምዝኾነ ገሊጾምን አረዲኦምን አብሪሆምን። ዕድመ ቅዱስነቶም ዝምጽእ ዘሎ ወርሒ ሚያዝያ ዕለት 16 86 ዓመት ከምኸውን ይፍለጥ፣
ቅድሚ ነዚ ውሳኔ”ዚ ምውሳዶም አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሕልንኦም ከም ዝመርመሩ ብጸሎትን አስተንትኖን ዝተሰነየ ውሳኔ ከም ዝኾነ ክአ ነጊሮም። ካብ ሥልጣን ርእሰ ሊቃነ ጵጵሳና ክወርድ ዝደለኹ ንጽቡቅ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢዩ ብማለት ክአ አመልኪቶም። ቅዱስነቶም ናይቲ ዝወሰድዎ ውሳኔ ምኽንያት ከብርሁ ከለዉ አብዚ ሕጂ ሎሚ ንነብረሉ ፍጥነት ዝመልኦ ዓለም ዓባይ መርከብ ቅዱስ ጰጥሮስ ክትመርሕን አብ መላእ ዓለም ብሥራት ቅዱስ ወንጌል ክትሰብኽን ሙሉእ አካላዊ ሐያሊ የድልየካ ኢሎም፣
ዝሐለፉ አዋርሕ ብዙሕ ድኻም ስለ ዝተሰመዓኒ ንመንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ክመርሕ ዘሎኒ ዓቅሚ ብዝምልከት ጥልቂ ዝኾነ ናይ ኅልና መርመራ ከም ዝገበሩን ነቲ ዝተሰከምዎ ሐላፍነት ብዝግብእ ክመርሕ ዝክእል ዓቅሚ ከም ዘይብሎም ከም ዝተገንዘቡን ሐላፍነቶም ከውርዱ ከም ዝግባእ ከም ዝተረድኡን ክአ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነጊሮም፣
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መብል 16 ብዕለት 19 ሚያዝያ 2005 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝተሰየሙ ክዝከር ከሎ ንሸውዓተ ዓመትን ዓሰርተ ወርሕን ትሽዓተ መዓልትን ንቅድስት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መሪሖም ነቶም አብዚ ግዜ”ዚ ዝተሐባበርዎም ውሉደ ክህነት ከአ ንዝኾነ ጉድለት ምሕረት ክገብሩሎም ሓቲቶም ልባዊ ምስጋናኦም ከአ ገሊጾም፣
ሕጂ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንመሥራቲአ ኢየሱስ ክርስቶስን ነዲኡ ንቅድስቲ ድንግልማርያም ወላዲተ አምላኽን ሕድሪ ብምሃብ ሐዲሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ንክመርጹ ንዝእከቡ ብጹዓን ካርዲናላት ክአ መለኮታዊ ብርሃን ንክህብዎም ንጸሊ ኢሎም፣
ዝትክእዎም ሐዲሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስተመርጹ ከአ ንሶም ምሉእ ሕይወቶም አብ ሕቅፊ ቅስድቲ ቤተ እግዚአብሔር ተዓቂቦም አብ ጸሎት ከም ዝጽመዱ አፍሊጦም፣ በነዲክቶስ መበል 16 ብምሉእ ነፃነትን ብምሉእ ፍቃዶምን ብናይ ዕድመ ምድፋእን ነዚ ተኸቲሉ ዝመጸ ሕጽረት አካላዊ ሐይልን መንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ከረክብዎ ምድላዮም አብ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን አብ መሥራቲአ ኢየሱስ ክርስቶስን ዘለዎም ፍቅሪ ከም ዘብርህ ናይ ቀረባ መሳርሕቶም አመልኪቶም፣ካብ ዚመጽእ ወርሒ የካቲት ዕለት 28 ሰዓት 8 ናይ ምሸት መንበረ ጴጥሮስ ብዘይ በዓል ሥልጣን ከምዝተርፍን ማለት ብላቲን ሰደ ቫካንተ ዝብልዎ፤ ብፁ ዓን ካርዲናላት ከአ ብኮንክላቨ ዝፍለጥ ሓዲስ ር.ሊ.ጳ ንምምራጽ ዝገብርዎ ጉባኤ ብምክያድ አብ መረጻ ከምዝ አትው ተመልኪቱ፣ ምናልባት እውን አብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት አቢሉ ቅድስት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሓዲስ ር.ሊ.ጳ ክህልዋ ኢዩ፣አብ 2013 ዓመታት ታሪኽ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቸለስቲኖ ሐሙሻይ ብ29 ነሐሰ 1294 ንመንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ከም ዝተመርጹን ድሕሪ አርባዕተ ወርሒ ብ13 ታሕሳስ 1294 ብገዛእ ፍቃዶም ካብ መንበረ ሐዋርያ ከም ዝወረዱ ከማኡ’ውን ቅድሚ 600 ዓመታት ብ1406 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝነበሩ ጎርጎርዮስ መበል 12 ክአ ብገዛእ ፍቃዶም ካብ መንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ከም ዝተአልዩ ክፍለጥ እንከሎ እዚ አብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ለካቲት ዕለት ዕስራን ሾሞንተን ዝኽሰት ዘሎ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 አብ ታሪኽ ቅድስት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ድሕሪ 600 ዓመት ዝኽሰት ዘሎ ፍፃሜ ከምዝኾነ ይፍለጥ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ አብ ዙርያ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን ነዚ ትማሊ ረፍዲ ብቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝተውስደ ውሳኔ ዝተፈላለየ ርእይቶ ከም ዘለዎም ክምልከት ከሎ ዝበዝሑ ድሕሪ 600 ዓመታት ዝኽሰት ዘሎ ስለዝኾነ ከይሰምበዱን ከይተገረሙን አይተረፉን፣
አብዚ አብ ጣልያን ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ከም ዝገድፍዎ ምስተሰምዔ ርእይቶ ክህቡ ተሐቲቶም ክምልሱ ከለዉ፡ አብ ዝሐለፈ ቀረባ ግዜ አብ ቅድስቲ መንበር ኤምባሲ ጣልያን ምስ በነዲክቶስ መበል 16 ተራኺቦም ከም ዝነበሩ ዘኪሮም፣ ድኻም ከም ዝነበሮም ይርኤ ኔሩ ፡ እዚ ዝወስድዎ ውሳኔ ፍጹም ክኽበር ዘለዎ ተብባዕን ሐላፍነታውን ውሳኔ እዩ ብማለት ገሊጾም፣
ርእሰ ሊቃነ ጵጵስና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓቢ ሐላፍነት ዘሰክም ብዙሕ ስራሕ ዘለዎ ስለ ዝኾነ አካላዊ ሙሉእ ሐይሊ ዝሐትት ከም ዝኾነ ፍሉጥን ዝርኤን ጉዳይን ከም ዝኾነ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ አመልኪቶም፣ ብሐፈሻ ግብረ መልሲ ናይ ምዕራብ ዓለም አብያተ ክርስትያናትን መንግስታትን መራሕቲ ንውሳኔ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 አድኒቆም፣
አብ ዝሐለፈ ሸውዓተ ዓመትን ዓሰርተ ወርሕን ትሽዓተን መዓልትን ብዝክአሎም ሐይሊ ንመንበረ ቅዱስ ጰጥሮስ ከም ዝመርሑ ክአ አዘኻኺሮም፣
አብ ጣልያን ናይ ኪየቲ ቫስቶ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ብሩኖ ፎርተ ንጉዳይ ቫቲካን ዝከታተሉ ናይ ፖሊቲካ ሰባትን ጋዜጠኛታትን ድሕሪ 600 ዓመታት በነዲክቶስ መበል 16 ዝወሰድዎ ስጉምቲ ኩሎም ሐላፍነታውን ተባዕን ውሳኔ ክብሉ አድናቆቶም ገሊጾም አለዉ፣
ናይ እስራኤል ላዕላዋይ ራቢን ዮና መትጽገር አብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ዓለም ሰለምን ምርድዳእን ምትሕብባርን ክህሉ ዘካየድዎ ጻዕሪ ዝንአድን ስምስገንን ከም ዝኾነ ጠቂሶም ፍጹም ታሪካዊ ክኸበር ዘለዎ ውሳኔ ከም ዝኾነ መግለጺ ከም ዝሀቡ ተፈሊጡ አሎ፣
አብ ሞንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ዕርቀ ሰላም ክወርድ ዘካየድዎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ እስራኤል ምስ ቫቲካን ዝነበራ ርክብ ናብ ንቡር ክምለስ ክርሳዕ ዘይክእል ጻዕሪ አካይዶም ምስጋና ዝግብኦም መራሕ ሃይማኖት ከም ዝኾኑ ራቢን ዮና መትጽገር ገሊጾም፣
አብ ምስሪ ናይ አልዛሀር ላዕላዋይ ኢማም አሕመድ ኤል ጣየብ ነቲ ዜና ምስ ሰምዑ ከም ዝሰምበዱ ግን ክአ ተባኣዕን ሐላፍነታውን ውሳኔ ምኻኑ ጠቂሶም ምእንቲ ሰላም ዘካየድዎ ጻዕሪ አብ ታሪክ ዝሰፍር ከም ዝኾነ ገሊጾም አለዉ፣







All the contents on this site are copyrighted ©.