2013-02-12 14:44:17

መግለጺ ቅድስቲ መንበር


RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዝጸውዕዎ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ካብ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣኖን ድሌታዊ ስንብታ ማለት ካብ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን ክሰናበቱ ከምዝወሰኑ ዝሃብዎ መግለጺ ኣመልኪቶም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝተኣከቡ ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፦ “ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝተመደበ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣናዊ ኣገልግሎቶም ክቕጽሉ ምዃኖምን እዚ ድማ መደብ ረቡዓዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔርን ስብከትን ከቕርቡ እዮም” ምስ በሉ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በንዲክቶስ መበል 16 ብሓቂ ኣብቲ ጉባኤ ንዝነበሩ ብፁዓን ካርዲናላትን ንኹሉ ክሳብ እስትንፋስ ዝኾልፍ ማንም ዝተጸበዮ ዘይነበረ ምዃኑ ጠቒሶም፣ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣኖም ከረክቡ ምዃኖን ዘነጽር ቅዱስነቶም ዘንበብዎ ናይ ውሳኔ መግለጺ ተወኪሶም ይብሉ ኣባ ሎምባርዲ፣ ምንም ዓይነት ምጉዳል ጥዕና ኮነ ወይ ድማ ኣጸጋሚ ኩነት ምኽንያት ዘይኮነስ ብዕድመ ምድፋእ ሓይሎም እናደኸመ ይመጽእ ከምዘሎን ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን ዝሓቶ ሓይሊ ብሓቂ ምስቲ ዘለዎም ዕድመ ምድፋእ ዘይመዓራረይ ብምዃኑ በዚ ምኽንያት ክሳብ ዕለት 28 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ልክዕ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጻራ ሰዓት ሸሞንተ ጴጥሮሳዊ ስልጣኖም ክቕጽሉ ምዃኖም ቅዱስነቶም ብመሰረት ሕገ ቀኖና ናይ ላቲን ስርዓት ቤተ ክርስትያን ዓንቀጽ 332 መሰረት ኣረዲኦም በታ ሰዓትን ዕለትን ናብ ከባቢ ሮማ ናብ ዝርከብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ጴጥሮሳዊ ሕንጻ ክዛወሩ ምዃኖምን ቀጺሎም ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ቀደም ናይ ባሕታውያን ደናግል ገዳም ናብ ዝነበረ ሕንጻ ክኣትዉ ከምዝኾኑን ጉባኤ ካርዲናላት ኣብ ዘካይድዎ ኮንክላቨ ማለት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝመርጽ ጉባኤ ከምዘይሳተፉ ኣብ ሎምባርዲ ኣረዲኦም፣ ክሳብ እቲ ብላቲን ስርዓት ዝበዓለ በዓለ ትንሳኤ እዋን ሓድሽ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክህልወና ከምዝከኣል እዩ ኢሎም።
ኣባ ሎምባርዲ ቀጺሎም፦ “ኣብ ጉባኤ ካርዲናላት ድሕሪ ምስማዕ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ሶዳኖ ብኹሎም ብፁዓን ካርዲናላት ስም ካብ ዝገለጽዎ ሓሳብ ንላዕሊ ካልእ መግለጺ የሎን፣ ብሓቂ ዘደንቕ ልዑል ኣኽብሮት ዝግብኦ ብርቱዕ ጽንዓት ዝሓትት ውሳኔን ዓቢይ ነጻነትን ምስትውዓል ናይቲ ዓቢ ሓላፍነት ዘድምዕ እቲ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓላፍነት ኣብ ቅድሚ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝበለጸ ሓይሊ ምምሕዳር ዘድልዮ ምዃኑ ዘተሓሳስብን ምስክርነት ናይቲ ዓቢይ መንፈሳዊ ነጻነት እዩ። ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ዝወሰድዎ ስጉምቲ ዝነኣድን ሓደ ር.ሊ.ጳ. እዚ ዓይነት ስጉምቲ ክወስዲ ድሓሪ ብዙሓት ኣማኢት ዓመታት ዝተራእየ ጽንዓትን ብርታዔን ዝሓትት ውሳኔ እዩ። ስለዚህ ናይ ሃንደበታዊ ውሳኔ ኣይኮነን” ኢሎም።
ኣባ ሎምባርዲ ኣብ መጠቓለሊ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ይብሉ፦ “ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣኖን ንኸረክቡ ዝሃብዎ መሰረታዊ ምኽንያት ጥሙር እዩ። ከምቲ ኣብታ ‘መብራህቲ ዓለመ’ ዘርእስታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምስ ጋዜጠይና ፐተር ሲዋልድ ዝግበርዎ ቃለ ምልልስ መሰረት ዝተደርሰን ንንባብ ዝበቕዔን መጽሓፎም ‘ሓደ ር.ሊ.ጳ. ኣካላዊን ኣእምሮኣውን ብቕዓት እናደኸመ ከምዝኸደ ዓሚይቕ ምስትውዓል ምስ ዝገብር እቲ ዓቢይ ሓላፍንቱ ምርካብ ዝሓሸ ውሳኔ እዩ’ እንክብሉ ዝሃብዎ መልሲ ነንብብ ስለዚህ ብሓቂ ጽንዓት ዝሓትት ዝነኣድ ውሳኔ እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.