2013-02-09 15:04:20

ናይጀሪያ፣ ናይ ኣኽረርቲ ግብረ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ወለንተይናታት


RealAudioMP3 ኣብ ናይጀሪያ ሰሜናዊ ከባቢ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ካኖ ከባቢ ንሕጻናት ጸረ ዘልምስ ሕማም ክትባት ኣብ ምሃብ ዝርከባ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ በቶም እዚ ዓይነት ክትባት ተቐባልነቱ ዝነጽጉ ሓይሊ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ብዝፈነውዎ ናይ ሞት መጥቃዕቲ 9 ወለንተይናታት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጓነፈን እንክንገር፣ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪተን ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቶሪኖ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ናይ ኣፍሪቃ ታሪኽን መንግስታዊ መዋቕራት ኣፍሪቃን ጉዳይ መምህር ናይ ስነ ኣፍሪቃ ሊቅ ፕሮፈሰር ኣና ቦኖ ምስ ራድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገብርኦ ቃለ ምልልስ፦ እቶም ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝፈጸመዎ መጥቃዕቲ ኣብ ናይጀሪያ ጸረ ዘልምስ ክትባት ክቋረጽ ዝገብርን እቲ ሕማም ኣብታ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መላእ ዓለም እውን ክተእታተው ዝድርኽ እዩ።
ኣብ 2003 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ዝካይድ ዝነበረ ጎስጓስ ጸረ ዘልምስ ሕማም ክትባት ኣብ ስሜን ናይጀሪያ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ካኖ እቶም ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ከይካይድ ከምዝገበሩን፣ ነቲ ጸረ ዘልምስ ሕማም ክትባት፣ ሕጻናት ንምምራዝን ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ደቀ ንስትዮን ሕጻናትን ናይ ሕማም ኤይድስ ተህዋስ ንምትሕልላፍን በዚ ኣቢሉ ንመላእ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ናብ ሞት ንምድራኽ ዝኣለመ ናይ ክርስትና ሃይማኖት ውዲትን ድላይ መንግሥቲ ሕቡራት አመሪካ እዩ እንክብል ከምዝኸልከለን ዘኪረን፣ እዚ ድማ ኣብ ናይጀሪያ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብተን እዚ ዘልስም ሕማም ካብ ዘይረኣየለን ነዊሕ ዓመታት ኣብ ዘቑጸራ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ። በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ድሮ ኣብ ካልኦት ሃገራት ከምተራእየ ገሊጸን ንኻልኦት ሃገራት ሓደጋ እዩ። ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ እውን ኣብ ፓኪስታን ተኸሲቱ ከምዝነበረ ዘኪረን፣ ስለዚህ ብዓለም ደረጃ ውሳኔ ክወሃቦ ዝግብኦ ሕጹጽ ጉዳይ እዩ እንክብላ ዝሃብኦ ቃለ ምልልስ አጠቓሊለን።







All the contents on this site are copyrighted ©.