2013-02-08 11:10:34

ወዲ ሰብ አብ ቅድሚ ፈጣሪኡ ትሕት እንተበለ ዓቢይ ኢዩ፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ነቲ ቅድሚ ሳምንታት ብዛዕባ ጸሎተ ሃይማኖት ዝጀምርዎ ዓሚቍ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቅጻል አብ ናይ ትማሊ ትምህርቶም “ወዲ ሰብ ሽሕ’ኳአብ ቅድሚ እግዚብሔር ከም ኢምንት ንእሽቶ እንተኾነ ምስ ወሃቢ ኩሉ ዝኾነ ፈጣሪ ሕይወቱን ናይ ኩሉ ፍጥረትን ምስ ዝኾነ እግዚአብሔር ከም አብ ልዕሊ ኩሉ ብዘለዎ ሥልጣን ኢዩ፣” እንክብሉ እቲ ብምኽንያት ናይ አቦና አዳም ኃጢአት ንወዲ ሰብ ዘሳቂ ትዕቢት ንእግዚአብሔር ከም ናይ ነጻነቱ ጸላኢ ዘሕስቦ ፈተና ክነውግድ በዚ ከአ “ወዲ ሰብ አብ ቅድሚ ፈጣሪኡ ትሕት እንተበለ ዓቢይ ኢዩ፣” ቢሎም፣
ከምቲ ጽሑፍ መሬት አንተ ወትገብእ ውስተ መሬት ዝበሎ ቅዱስነቶም ወዲሰብ ሓደ አብ ቅድሚ ዕብየት ኩሉ ፍጥረት እንክነቀምጦ ዕማኾ ጭቃ ኢዩ፤ ኮይኑ ግን እዚ ዕማኾ ጭቃ እዚ ውህበት ሕይወት እስትንፋስ አምላኽ አለዎ ስለዚ ሽሕ’ኳ ብፈተና ትዕቢት ልዕሊ ፈጣሪኡ ክኸውን እንተተመጣጠረ ፍሉይን እንኮን ፍጡር ኢዩ፣ ድሕሪ ቢሎም አብተን ንእግዚአብሔር “ፈጣሪ ሰማይን ምድርን” ቢለን ዝገልጻ ቃላት ጸሎተ ሃይማኖት ምልስ ብምባል፤ መሠረተን አብ መኽፈቲ ቅዱስ መጽሓፍ አብ ኦሪት ዘፍጥረት “ብመጀመርያ እግዚአብሔር ሰማይን ምድርን ፈጠረ” ዝብል ምዃኑ ሓቢሮም፣ ነዚ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ምስቲ ናይ ዘመንና ሥልጣኔን ሳይንስን አተሓሳስባ ብምንፃጻር ከአ ቅዱስ መጽሓፍ መወዳድርቱ ከምዝይኮነ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
“ኦሪት ዘፍጥረት ናይ ዘዘንትዎ መሠረታዊ ሓቂ ዘብርሃልና ዓለምና ናይ ተገራጨውቲ ኃይልታት ውጽኢት ዘይኮነስ ምንጩን ጽንዓቱን አብ ቃል አምላኽ አብቲ ዘለዓለማዊ ፍልጠት አምላኽ ምዃኑ ኢዩ፣ እዚ ኃይሊ እዚ ከአ ንወትሩ ይድግፎ፣ አብ መሠረት ኩሉ ፍጡር እዚ ከምዘሎ ምእማንከስ ንናይ ኩሉ ነገራት አመለኻኽታ የብርሆ ንአጋጣሚታት ሕይወት ከአ ብእምነትን ብተስፋን ንክትገጥሞ ትብዓት ይህብ፣ ስለዚ ኦሪት ዘፍጥረት እግዚአብሔር አብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ንዘለዎ ዕላማ ንክንርዳእ የኽእለና፣ ብሕልፊ ከአ ፍሉይነት እንታይነቱ የብርሃልና፣
“ወዲ ሰብ ብአርአያን አምሳልን እግዚአብሔር ኢዩ ተፈጢሩ፣ ስለዚ ኩልና እስትፋስ ሕይወት ናይ እግዚአብሔር ሒዝና ንጐዓዝ፤ ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝሕብረና ከአ ነፍሲ ወከፍ ሕይወት ወዲ ሰብ አብ ትሕቲ ፍሉይ ሓለዋ እግዚአብሔር ኢያ እትርከብ፣ ነቲ ንወዲሰብ ብጥቅምን ሥልጣንን ዝግምግም ፈተና ብምቅዋም ናይ እንሕልዎ ዘይገሓስ ክብሪ ወዲሰብከስ መሠረቱ እዚ ኢዩ፣ ብካልእ ወገን ከአ እዚ ብአምሳልን መልክዕን ምፍጥር ዘመልክቶ ከአ እቲ እግዚአብሔር ንወዲሰብ አብ ልዕሊ ኩሉ ፍጡር ዝሃቦ ሥልጣን ማለት ንምድሪ ክሕልዋ ንዘረከቦ ከመልክት ምዃኑ ቅዱስነቶም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
“ወዲሰብ ንዓለም ከም ድላዩ ዝምዝምዛን ዝዘምታን ናይ ግሉ ንብረት ገሩ ክርእያ ዘይኮነስ ከም ውህበት አምላኽን ናይቲ ንከድኅኖ ዝደሊ እግዚአብሔር ምልክትን ወሲዱ ንክሕልዋን ንከፍርየላን ዝተዋህበቶ ከም መደብ አምላኽ ንትኽተሎ ጕዕዞን ምኽንያትን እናተኸተለ ብውህደትን ክብረትን ከዕብያን ከሰልጥናን ኢያ ተዋሂባቶ፣
እዚ ኩሉ ኮይኑ ከብቅዕ ግን ንወዲ ሰብ ምስ እግዚአብሔር ክገብሮ ንዝነብሮ ውሉዳውን ፍቅራውን ርክብ ካብ ጽባሕ ፍጥረቱ ጀሚራ እተሸግሮ ቍስሊ አላ፤ እዚአ ቍስሊ እዚአ ከአ እታ ናይ አቦና አዳም ኃጢአት እንብላ ኢያ፣ እዚአ ቍስሊ እዚአ ካብቲ አቦና አዳም ተጻይ እግዚአብሔር ተላዒሉ ንር እሱ ጥራይ ክሓሊ አብ ዝጀመረሉ ጊዜ ኢዩ፣ ክርስቶስ ነዚ ቍስሊ እዚ አሕውዪልና ንወዲ ሰብ ከአ አብ ጥንታዊ ኩነተ ርክብ ምስ ፈጣሪኡ አንበሮ፣ እዚ ግን ወትሩ ከነሐድሶን ከነማዕብሎን ዘሎና ኢዩ፣
“እቲ ቀንዲ ፈተና ንእንነብሮ ዓለም ባዕልና ክንሓንጾ ምድላይ ውስንነትና ምዝንጋዕ ንጽቡቅ ንሕማቅ ንሞራልዊ ኩነት ውሱናት ምዃና ምዝንጋዕ፣ ተጻይ እግዚአብሔርን ሓቅን ብምጕዓዝ መሠረቱ ይኽሕድ ነቲ ሓቂ ይኽሕድ በዚ ከአ ክፍአት ምስናይ ሥቃይን ሞትን ሰንሰለቱ አብ ዐለም ይአቱ፣ ስለዚኸስ አኅዋተን አኃተይን ብእምነት ምንባር ማለት ዕብየት እግዚአብሔር ምቅባልን ፍጡራት ምዃና ተቀቢልና ጐይታ ብፍቅሩ ክድግፈናን እቲ ሓቀኛ ዕብየትና ክድንፍዕ ብምፍቃድ ክሳብ ክንደይ ናአሽቱ ምዃና ምስትውዓልን የድሊ፣ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.