2013-02-07 14:52:13

ደቡብ ሱዳን፦ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስትያን፣ ናይ ኩሉ ድጋፍ ንናይ ኵሉ ዕርቂ


RealAudioMP3 ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስትያን መንፈሳውያን ማሕበራት ቤት ምኽሪ “ናይ ዕርቂ ጎዕዞ ነዊሕ እውን እንተኾነ ኣገዳሲ እዩ። ኣብታ ሃገር ምሉእ ዕርቂ መታን ክረጋገጽ ናይ ኩሉ ዜጋ ተሳትፎ ወሳኒ እዩ” እንክብል ከምዝሓበረ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።
ናይታ ሃገር መንግስቲ ዕርቂ ዝብል ቃልን ተግባርን ቀዳማይ መርሃ ግብሪ ገይሩ ክስዕቦን ኣብ ምርግጋጹ እውን ክተግህ እቲ ናይ መንፈሳውያን ማሕበራት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ሓባር መግለጺ ከምዘመልከተ ዝሓበረ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፦ እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ መግለጺ ዝዘርገሖ ምስ ናይታ ሃገር ወከልቲ መንግስቲ ድሕሪ ዘካየዶ ናይ ሓበር ዘተ ከምዝኾነን፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ደቡብ ሱዳን ምኽትል ርእሰ ብሔር ራይክ ማቻር ኣብ መንጎ መንግስትን ናይ ሃይማኖት ማሕበራትን ዘሎ ምትሕብባር ቀጻሊ ከምዝኾነን፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዕርቂ ንምርግጋጽ ናይ ዕርቂ ጎስጓሳትን መደብ ሕንጸት ክሕንጸጽ ምዃኑ እውን ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣመልኪቶም ካብ ዕለት 18 ክሳብ ዕለት 21 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም. ዓቢይ ጎስጓስ ክካየድ ምዃኑ እውን ከምዝገለጹ የመልክት።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓበር ዘተ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣማኻሪ ኣባ ጆን እሽዎርዝ “ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን እተበርክቶ ኣስተዋጽኦ ዝጸንሔ እዩ። ኣብ ሕንጸት ሃገርን ሕዝብን እውን ግደኣ ከተበርክት ስንድውቲ ኣያ፣ ስለዚህ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ነዚ ጉዳይ ኣድላይነቱ ክምስክርሉ ይግባእ” ከምዝበሉ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.