2013-02-07 14:48:23

እምነት ኣብ ጉዕዞ ስነ ጥበብ፦ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉዕዞ


RealAudioMP3 ትማሊ ሮማ ኣብ ዝርከብ ካስተል ሳንት ኣንጀሎ ሕንፃ፣ “እምነት ኣብ ጉዕዞ ስነ ጥበብ፦ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉዕዞ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ብምኽንያት ናይ እምነት ዓመት ናይ ስነ ጥበብን ቅብእን ምርኢት ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ተመሪቑ ከምእተኸፍተ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፈደሪኮ ኪያፖሊ ሓቢሮም።
ናይቲ ናይ ስነ ጥበብን ቅብእን ምርኢት ዋና ኣሰናዳኢ ኣባ ኣለሲዮ ጀረቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ “ኣብዚ ናይ እምነት ዓመት እምነት እንታይ ማለት እዩ ንዝብል ሕቶ ብስነ ሓሳብን ብዘይ ጭበጥ ረቒቕ መገዲ ዘይኮነስ ብጭቡጥ ኩነት ግቡእ መልሲ ንምቕራብ ተሃቂኑ ዝተዳለወን ናይ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ኣሰር እምነት ዘነጽር እዩ። እዚ ክሳብ ዕለት 1 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ክፉት ዝኸውን ምርኢት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከብ ኣባይቲ መዘክር ዝተዋጽኤ ዓበይትን ጥንታውያንን ተደነቕቲ ናይ እምነት ጉዕዞ ብናይ ጴጥሮስ ጉዕዞ እምነት እምነት ዘዘንትዎ ናይ ስነ ጥበብን ቅብኢ ኣሳእልን ንድፍታትን ምርኢት እዩ። ስለዚህ ሰብኣዊ ጉዕዞ እምነት ዘንጸባርቕን ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞ ታሪኽ እምነት ዘጉልሕ ኮይኑ፣ ኣብ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ሕይወት ታሪኽ ዝተደገፈ ታሪኽ እምነት እዩ” ምስ በሉ፦ “ካብ ካስተል ሳንት ኣንጀሎ ናብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ዘሰንይ መንፈስ ዝዓሰሎ ምርኢት እዩ” ኢሎም።
“እቲ ንምርኢት ዝቐርብ ኣሳእንልን ንድፍን ቅብእታትን ብጥንቃቔ ብናይ ስነ ጥበብን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ዝተሓርየን፣ ናይ እምነት ኣመክንዮኣዊ ከይዲ ዝተኸተለን፣ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተመስረተ ታሪኽ ሕይወት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዘንትዉ ናይ ስነ ጥበብን ቅብእን ስራሕ እዩ። እምነት ክርስትና ግኡዝ መንፈሳውነት እዩ። ማለት ብፍልስፍና ዝቐውም ዘይኮነስ ካብቲ ጭቡጥ ተመርኮ ሓዋርያት ምርኻብ ምስ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነቐለ እዩ። እቲ ምርኢት ነዚ ሓሳብ እዚ ዘነጽር እውን እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.