2013-02-07 14:42:11

ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያ፦ ሓድነትን ደገፍን ንናይ እንግልጣር ብፁዓን ጳጳሳት


RealAudioMP3 ናይ ሓባር ቤት ምኽሪ ዓባይ ብሪጣንያ ቅድሚ ትማሊ ግብረ ሶዶማዊ ጾታዊ ስምዒት ንዘለዎም ናይታ ሃገር ዜጋታት መርዓ ዝፈቅድ ሕጊ መራሔ መንግስቲ ካመሮን ሽሕ’ኳ ኣባላት ናይ ገዛእ ርእሶም ናይቲ ዓቃባዊ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ተቓውሞኦም ዘስምዑ እውን እንተኾነ ብዝተኻየደ ናይ ድምጺ ምሃብ ስነ ስርዓት መሰረት ከምዘጽደቖ ክምልከት እንከሎ፣ ናይ ኢንግልጣር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ነቲ ሕጊ ብምቕዋም ድምጹ ከምዘስምዔን ብዛዕባ እዚ ናይታ ሃገር ሓድሽ ግብረ ሶዶማዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ዜጋታት ክመራዓዉ ዝፈቅድ ሕጊ ኣመልኪቶም ጳጳሳዊ ናይ ስድራ ቤት ጉዳይ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቪቸንሶ ፓሊያ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብዝገበርዎ ቃለ መሕትት፣ ከምቲ ድሕሪ ውሳኔ ናይ ፈረንሳ መንግስቲ ተቓውሞኦም ንዘስምዐ ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝገለጽዎ ደገፍን ሓድነትን ብተመሳሳሊ መልክዕ ንናይ እንግልጣር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ደገፍን ሓድነትን ኣቕሪቦም፣ “ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መሰረታዊ ትምህርቲ ብዛዕባ ግብረ ሶዶማዊ ጾታዊ ስምዒት ዝምልከት ንጹር አመለኻኽታ እዩ ዘለዎ፣ ሓቂ ክንዛረብ እንተድኣ ኴይና ድማ እቲ ናይ ኣሽሓት ዓመታት ታሪኽ ዘለዎ ብዛዕባ ግብረ ሶዶማዊ ጾታዊ ስምዒት ዝምልከቱ ሕግታት ሃገራት ዓለምን ባህልታት ንጹር ኣመለኻኽታ እዩ ዘለዎ፣ ኮይኑ ግን ኣብዚ እዋን’ዚ ብዝተፈላለዩ መንግስታት ሃገር ዝውሰድ ዘሎ ውሳኔ ብሓቂ ነቲ ዝጸንሔ ማሕበራዊ ምርግጋእ ናብ ዘይምርግጋእ ዝመርሕ እዩ” ኢሎም።
ትማሊ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ መደብ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ እንክሳተፉ “ምስቲ ሰናይ ፈጣሪ ኵሉ ክንሓብር መታን ካብቲ ሰናይ መሬት ኢና ብኣምሳል ቅድስቲ ስላሴ ዝተፈጠርና፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ እስትንፋስ ሕይወት እግዚኣብሔር ኣብ ውሽጡ ዝተዓደለን ነዚ ሒዙ እዩ ዝጓዓዝ፣ ነፍሲ ወከፍ ሕይወት ሰብ ትሕቲ ጽላል እግዚኣብሔር ኢያ” ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ ቃል ጠቒሶም፣ “እዚ ሓቅን ቃል ፍቕርን ብዝተፈላለዩ ቅድመ ፍርድታትን ምዝባዕን ከይመራሳሕ ምጥንቓቕ የድሊ። ኣብ 1986 ዓ.ም. ብፁዕ ካርዲናል ራትዚንገር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝተሸሙ ግብረ ሶዶማዊ ጾታዊ ስምዒት ኣመልኪቶም፦ እዚ ዓይነት ጾታዊ ስምዒት ዝነበረን ዝነብርን እዩ እናተብሃለ ዝግለጽ ኣመለኻኽታ ጌጋ ምዃኑን ናይ መካትዒ ነጥቢ ጌርካ ካም ምቕራቡ ምጥንቃቕ የድሊ” ዝበልዎ ቃል ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያ ዘኪሮም፣ “እዚ ግልጺ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ እዩ፣ ስለዚህ እቲ ዓቢያ ናይ ሰብኣዊ ባህሊ ሃብቲ ዝኾነ ስድራ ቤት ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ከይቃላዕ ምክልኻሉን ምድጋፉን ናይ ግድን እዩ። ከይዛባዕ ምጥንቃቕ የድሊ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠናቒቖም።







All the contents on this site are copyrighted ©.