2013-02-02 15:03:38

መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ


RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተንም ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ቅድሚ ትማሊ ናይቲ ቅድሚ 32 ዓመት ኣብ ልዕሊ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ፈተነ ቅትለት ዝፈጸመ ተወላዲ ቱርኪ መህመት ዓሊ ኣግካ ታሪኽ ሕይወት ሓባሪ ዝተደርሰን ንንባብ ዝበቕዓት መጽሓፍ፣ ብዛዕባ እቲ ፈተነ ቕትለት ዝምልከት ዝብሎ፦ “ሓድሽ ሓቂ ዝበለጸ ሓድሽ ሓሶት ምባሉ ይሓሽ” እንክብሉ ብዛዕባ እቲ ናይ ቕትለት ፈተነ ዝንበብ ጽሑፍ ሓድሽ ሓሶት” እንክብሉ ትማሊ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ዝብሎ ኩሉ ኣመልኪቶም ርእይቶ ቅድስቲ መንበር ንምሕባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ የመልክቱ።
ኣብታ መጽሓፍ ኣሊ ኣግካ፦ “ገነት ኣተስፍዮምኒ፣ ሕይወተይን ሓቂ ብዛዕባ ፈተነ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደረሰት ዕለት 31 ጥሪ 2013 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቕዔት መጽሓፍ ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ፈተነ ቕትለት ድላይ ናይ ኣያቶላሕ ክሆመኒ እዩ ኔሩ ከምዝነበረ ኣግካ ይሕብር፣ ከምኡ እውን ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 27 ታሕሳስ 1983 ዓ.ም. ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ናይ ቅትለት ፈተና ዝፈጸመ ኣሊ ኣግካ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ረቢቢያ ሮማ ብምኻድ ዝፈጸመዎ ምብጻሕን እቲ ኣብ መንጐኦም ዝተኻየደ ዝርርብ ኣብታ መጽሓፍ ተዘርዚሩ ይርከብ፣ ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ንኽቕተሉ ዝደለየን ነቲ ውዲት ዝኣለሞ መን እዩ እንክብሉ ምስ ሓተቱኒ ንሱ ድማ ክንገሮም ምዃኑን ኮይኑ ግን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝተርፍ ሓቂ ንማን ከይግለጽ ሓደራ እንክብል ተማሕጺኑ ናይቲ ፈተነ ቅትለት ጠንሰስቲ ኮመኒን መንግስቲ ኢራንን እያቶም፣ እዚኣቶም እዮም ዝለኣኹኒ ዝብል ምዃኑንን ከም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒለ እንከለኹ ዝሓለምክዎ ሕልሚ ድማ ምስ ገለጽኩሎም፣ ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እምነት ክርስትና ክቕበል ተላብዮምኒ ዝብል መግለጺ ኣብቲ መጽሓፍ ይንበብ። ስለምንታይ እዩ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ጥራሕ ክተርፍ ዝተበሃሃልዎ ኩሉ ኣሊ ኣግካ ሕጂ ዝገልጾ? ካብ ቤት ማሕቡስ ዕለት 18 ጥሪ 2010 ዓ.ም. ናጻ ምስተለቀ ካብቲ እሳላማዊ ናዚፋሺስታዊ ስርዓትን ኣመለኻኽታን ባርያ ምንባሩን ካብኡ እውን ናጻ ከምዝወጸን እቲ ኣብ ልዕሊ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተፈጸመ ናይ ቅትለት ፈተና ዝምልከት ሓቂ ምስጢር ኰይኑ ዝተርፍ ምዃኑ ዝብል ሓሳብ ድማ ኣብቲ መጽሓፍ ሰፊሩ ይርከብ፣ እዚ ዅሉ ዝገራጨው ሓሳባ ካብ ዝገለጸ ኣሊ ኣግካ ሕጂ ኣብታ መጽሓፍ ዝብሎ ዅሉ ከመይ ጌርካ እዩ ዝእመን? ብርግጽ ይብሉ ኣባ ሎምባርዲ ኣብ መንጎ ኣሊ ኣግካን ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ግሊ ዋና ጸሓፊኦም ሕጂ ናይ ክራኮቪያ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ስታኒስላው ድዝዊች እውን ከምእተሳተፉን ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ኣሊ ኣግካን ብዛዕባ ናይ ማርያም ዘ ፋጢማ ምስጢር ዘማእከለ ዝርርብን ካብ ሞት ምትራፍ ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን እምበር ብዛዕባ ኮመኒ ኮነ ናይቲ ፈተነ ቅትለት ተሓተቲ ኣያቶላህ ክሆመኒ ዝብል ስም ኮነ ሓሳብ ከምዘይተልዓለን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣሊ ኣግካ እምነት ክርስትና ክቕበል እውን ከምዘይዓደመዎ ብቐረባ ዝፈልጥዎ ሓቂ ከምዝሓበርዎም ኣባ ሎምባርዲ ጠቒሶም፣ ስለዚህ ኣብታ መጽሓፍ ሰፊሩ ዘሎ ኣሊ ኣግካ ሓድሽ ሓቂ ዝብሎ ሓድሽ ሓሶት እዩ ኢሎም።
ኣብታ መጽሓፍ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብቲ እዋን ብፁዕ ካርዲናል ጆሰፍ ራትዚንገር ይብል ኣሊ ኣግካ ብዝለእኹለይ ናይ ግሊ ሰታሪት ንሶም ኮነ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ኣብ ጸሎቶም ከምዝዝክሩንን እምነት ክርስትና ክቕበል ዝጽልዩለይ ምዃኖን ኣረጋኣጊጾምለይ ይብል። ብርግጽ ኣብቲ እዋን ብፁዕ ካርዲናል ራትዚንገር ካብ ኣሊ ኣግካ ዝተልኣኸ መልእኽቲ ከምእተቐበሉን ኮይኑ ግን መልሲ ከምዘይሰደዱ ዝተረጋገጸ እዩ። ኣሊ ኣግካ እብታ መጽሓፍ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ካብ ዝተፈላለዩ ብፁዓን ጳጳሳትን ካብ ር.ሊ.ጳ. ዝለኣኾ ዝነበረ መልእኽትታት ኩሉ ኣብቲ እዋን ገና ናይቲ እስላማዊ ናዚፋሺስታዊ ሰዓቢ ብምንባሩ ይቐዶን ይጥፍኦን ከምዝነበረ ይዛረብ። ዝገርም ሓድሽ ሓሶት።
ብዛዕባ እታ ኣብ 1983 ዓ.ም. ዝተጨውየት ኤማኒኤላ ኦርላዲ እቲ ናይ ጨወያ ተግባር ፈጻሚ እስላማዊ ሓይሊ ምእንቲ ናጻ ምልቓቕ ኣሊ ኣግካ ዝወሰዶ ዝጉምቲ ምዃኑን ናይቲ ናይ ቅትለት ፈተነ ተሓታቲ እስላማዊ ሓይሊ እዩ እንክብል ዝገለጾ ሓሳብ ቤተ ክርስቲያን ከምእተረድኣቶን ኣብቲ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ማሕተም ሓላፊ ዝነበሩ ዦኣኪን ናቫሮ ቫልስ ዘረጋገጽዎ ምዃኑ እውን ኣሊ ኣግካ ይዛረብ፣ ስለዚህ ቅድም ቀዳድም ናቫሮ ቫልስ ኣቲ ሓላፍነት ዕለት 4 ታሕሳስ 1984 እዮም ተቐቢሎምዎ፣ ብዛዕባ እታ ኣብ 1983 ዓ.ም. ዝተጨውየት ኦርላዲ ዝምልከት ሓላፍነት ምጽራይ ዝምልከቶም ከምዘይነበረን፣ ናይቲ ናይ ቅትለት ፈተነ ኮነ ናይ ኦርላንዲ ምጭዋይ ተሓታቲ እስላማዊ ሓይሊ ዝብል መርገጺ ከምዘይሓበሩ ዝተፈልጥ ኮይኑ ናይ ናቫሮ ቫልስ ሓሳብ ብፁዕ ካርዲናል ድዚውች እውን ዝብልዎ እዩ ምስ በሉ እታ ናይ ኣሊ ኣግካ ሕይወት ታሪኽ እተዘትው መጽሓፍ ልበ ወለድ መጽሓፍ እያ እንክብሉ ኣባ ሎምባርዲ ገሊጾም፣ ኩሉ ኣብታ መጽሓፍ ሰፊሩ ዘሎ መሠረት ዘይብሉ ናይ ኣሊ ኣግካ ልበ ወለድ መጽሓፍ እያ። ዘይእመን መጽሓፍ እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.