2013-02-02 14:56:21

መልእኽቲ ጾመ ኣርብዓ
ብፁዕ ካርዲናል ሳራህ፦ ህርኩት ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ተልእኾ ግብረ ሰናይ


RealAudioMP3 ናይ “Cor Unum-ውሁድ ልቢ” እተሰምየ ዝተፈላለዩ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ከምኡ እውን ናይ ተራድኦ ማሕበራት ዝጥርንፍ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሮበርት ሳራሕ ትማሊ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንናይ 2013 ዓ.ም. ጾመርብዓ ዘመሓላልፍዎ ኵላዊ መልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን መሰረት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፦ “እቲ መልእኽቲ ዓቢይ ጾም ኣብ መንጎ እምነትን ግብረ ሰናይን ዘሎ ምትእስሳር ዘማእከለ” ምዃኑ ኣነጺሮም፣ “እዚ ድማ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ህርኩት ኣገልግሎት ኣብ ተልእኾ ናይ ፍቅሪ ስራሕ” ዘዘኻኽር ከምዝኾነን፣ በዚ ኣጋጣሚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ብፁዕነቶም ኣብ ዮርዳኖስን ብፍላይ ድማ ኣብ ሶሪያ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ተልእኾ ንምውህሃድ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ከምዝሓበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ገሊጸን።
ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ምእንቲ ድኻታትን ናይ ዝተፈላለዩ ዓመጽን ውግእን ግዳያትን ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራን ህሙማንን ዘተኮረ ከምዝኾነን፣ እምነትን ናይ ፍቕሪ ስራሕን ናይ ክርስቶስ ምዃን ዘረጋግጹ ምዃኖምን ኣብ ዝሓለፉ መወዳእታ ዓመታት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዓለም ምእንቲ እቶም ዝሳቐዩ ደገፍ ዝውዕል ልዕሊ ሰለስተ ሚሊዮንን ፈረቓን በውሁድ ልበ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቢሎም ከምዝለገሱ እንከምልክቱ፦ “ውሁድ ልበ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዓለም 165 ብካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ፈደራላዊ ጥርናፌ ብዘለዎም ብካሪታስ ዝጽዋዑ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተራድኦ ማሕበራት ኣቢሉ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ከምዝቐርብን፣ እዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ድኻታት እተበርክቶ ኣገልግሎት ክሳብ ክንደይ ልዑልን ጽዑቕን ምዃኑ ዘነጽር እዩ” ከምዝበሉ ጋዜይና ካፐሊ ሓቢረን።
ጳጳሳዊ ናይ ውሁድ ልበ ቤት ምኽሪ ምኽትል ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሰጉንዶ ተኻዶ ሙኞዝ ብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፦ “እቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም እተካይዶ ተልእኾ ግብረ ሰናይ ዝምልከት ጭብጥታቱ ብኣሃዛዊ ጸብጻብ ስለምታይ ዘይግለጽ ዝብሉ ብዙሓት ኣለዉ፣ እዚ ግን ብሓቂ ዝከኣል ኣይኮነን፣ ስለምታይ ቅድም ቀዳድም እቲ ኣገልግሎት ናይ ረኣዩለን ስምዑለይን ዘይኮነስ ብጽሞናን ህድኣትን ብዝስዋእ ናይ ፍቕሪ ኣገልግሎት ዝፍጸም ብምዃኑ እቲ ግዳሰ ኣብ ጭብጥታት መግለጺ ንምቕራብ ዝኣመተ ዘይኮነስ፣ ከምቲ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ‘Intima ecclesiae natura-ቀንዲ ናይ ቤተ ክስቲያን ባህርይ’ እተሰምየ ሓዋርያዊ ውሳኔ ዘመልክቶ፣ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓቀይና ባህርይ እቲ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ መንነት ናይ ዝስዋእ ኣገልግሎት ፍቕሪ እዩ። እዚ ድማ ብመላእ ቁምስናታትን ብዝተፈላለዩ ማሕበረ ክርስቲያንን ምእመናን ብውልቆምን ብጽሞናን ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት እዩ። ስለዚህ ጭብጥታት ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ቤተ ክርስቲያን ንምግላጽ ኣሸጋሪ እዩ፣ ኮይኑ ግን ዝጸጋጋዕ ብኣሃዛ ዝተደገፈ ጭብጢ መግለጺ ምሃቡ ዝከኣል እዩ” ኢሎም።
ብፁዕ ካርዲናል ሳራህ፦ ቅዱስ ኣቦና ብፁዓን ጳጳሳት ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ናይ ሰበኻታቶምን ሓዋርያዊ ተልእኾኦምን ማእከል ክኸውን ከምዘለዎ መላእ ቁምስንታትን ማሕበረ ክርስቲያን ኣብዚ መዳይ ክዋሳእ ምድጋፍን ምውህሃድን ከምዝግብኦም የተሓሳስቡ፣ ስለዚህ እዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ፍቕሪ ኣገግልሎት ዝብል ክርስቶሳዊ መንነት ክነብሩን ኣብዚ ተእልኾ መላእ ሰበኻታቶምን ማሕበረ ክርስትያንን መሪሖም ከዋስኡ ስልጣናዊ ምዕዳን ይቕርቡ” ምስ በሉ ቀጺሎም ካብ ዕለት 19 ለካቲት ክሳብ ዕለት 21 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ኣብ ኣማን ብፁዕነቶም ምስ ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ኣብዳላሕን ከምኡ እውን ምስ ናይ መላእ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቓን ናይ ካሪታስ ወከልቲ፦ “ብዛዕባ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ህልው ኩነታት ንምዝታይን በዚ መሰረት ኣብቲ ከባቢ እቲ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ንምቕራብን ብፍላይ ነቶም ተመዛበልቲ ጭቡጥ ድጋፍ ንምቕራብ ዘብቕዕ መገዲ ንምሕንጻጽ ዝኣመተ ርክብ ከምዘካይዱን። በዚ መገዲ’ዚ ድማ ውግእ ደው ንኽብል ናይ ሰላም ተልእኾ ብናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ንምትሕስሳብ እዩ” ኢሎም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ናይ ቅዱስ ቪንሰንት ዘ ፓውሊ ሕብረተሰብ ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ማሕበር ሊቀ መንበር ሚካኤል ቲዮ ኣብ ዓለም ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ሰብኣዊ ኣገልግሎት እዚ ድማ ኣብ 148 ሃገራት ብ780 ሺሕ ኣባላት ካብ 1.3 ሚሊዮን ወለንተይናታትን ንልዕሊ ን30 ሚሊዮን ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣገልግሎት ከምዝቐርብ እንከመልክቱ፦ “ክርስቲያናዊ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ንእግዚኣብሔር ዘሎና ፍቕሪ ዘረጋገጽ ኰይኑ ነቲ ንኣኡ ዘሎና ፍቕሪ ናብ ግብሪ ዝልውጥ ተልእኾ እዩ” ከምዝበሉ ነቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጥይና ራዲዮ ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.