2013-01-28 18:03:41

፪ ሰንበት ዘአስተርእዮ 2005 ዓ.ም. (1/27/2013)


መዝሙር፡ እሙነ ኮነ ልደቱ. . . . . . . ።
ንባባት፡ ዕብ 1፡1~14፥ 1ዮሓ. 2፡22~ፍ፥ ግ.ሓ. 13፡2~28፥ ማር 1፡14~።
ምስባክ፡“እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ፥ ግበሩ ብዓለ በትፍሥሕት በኃበ እለ ያስተሓምምዎ፥ እስከ አቅርንቲሁ ለምስዋዕ”።
ናይ ሎሚ መዝሙር፡ “ናይ መድኃኒና ክርስቶስ ልደት ሓቂ እዩ፥ ልደቱ ብሓቂ ኮይኑ እዩ፥ ካብ ሰማያት ወሪዱ ብመላእኽቲ ተመስጊኑ ካብ ማርያም ተወሊዱ፥ አብ ቤተልሔም ተወልደ አብ ናዝሬት ተሓጸነ ብግሁድ ከአ ተገልጸ፥ ንሱ አኽሊል ናይ ሰማዕታት መድኃኒ ነገስታት ጓሳ አኅዛብ እዩ። እሙን ኮነ ልደቱ ብርሃን ኮነ ምጽአቱ ናይ መድኃኒና ክርስቶስ” ይብል። ልደት ክርስቶስ ብሓቂ አብ ታሪኽ ዝተፈጸመ እዩ ዝተማህዘ ወይ ሰባት ክጥዕሞም ኢሎም ዝፈጠርዎ አይኮነን። ናይ ብሓቂ ኮይኑ አብ ሕይወት ደቂ ሰባት ለውጢ ዘምጽአ እዩ። ሰባት ነዚ ሓቂ እዚ ክአምኑ ዝተሓርዩ እዮም።
ጥምቀት ኢየሱስ ክርስቶስ ቀዳምይ ግልጸት እዩ ድሕሪኡ ዘሎ ሰናብቲ 2’ 3’. . ሰንበት ዘአስተርእዮ እናበልና ንዝክሮ። ነቲ ኢየሱስ መን ምዃኑ ዝገለጸልና ተርእዮታት እናዘከርና አስተርእዮ ንብሎ ካብ አስተርአየ ዝብል ቃል ግዕዝ ዝመጸ እዩ ትርጉሙ ኸአ ተገልጸ ማለት እዩ። በዚ ናይ ሎሚ ሰንበት ነቲ ብኢየሱስ ዝተገልጸልና ክንርዳእ ክንአምን ዝሕግዘና ሰንበት እዩ። ንባባትና ንግልጸት ኢየሱስ ይገልጹልና።
መልእኽቲ ዕብራውያን እግዚአብሔር ወላ እኳ ንእስራኤል አብተን ቀዳሞት ዕለታት ብዝተፈላለየ መገዲ ይገልጽ፥ ሎሚ ብወዱ ገሩ ተገሊጹና ይብል። ነዚ ምኽንያት ገሩ ጸሓፋይ ናብ ዕብራውያን ወላ እውን ብዙሕ መከራ ይሃልዎም አብ ኢየሱስ እሙናት ኮይኖም ክነብሩ ይነግር። እዚ ዘበሎ እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበ ጸጋ ካብ ኩሉ ዝበለጽ ስለ ዝኾነ እዩ። ንቀዳሞት ብነብያት ገሩ ይዛረቦም ነሩ እዚ ከአ እቲ ዝበለጸ መገዲ እግዚአብሔር ንደቂ ሰብ ዝራኸበሉ መገዲ እዩ። አብዘን ዳሕረዎት መዓልታት ግን ብዝበለጸ መገዲ ብወዱ ተዛሪቡና። አብዚ ነቲ ብነብያት ዝዛረቦን ዝገልጾን ዝነበረ ካብቲ ብኢየሱስ ዝተዛረቦ ዝገለጾን ከምዝንእስ ክገልጽ ኢሉ የወዳድሮ።
ኢየሱስ ክርስቶስ መን ምዃኑ ገሊጹ ዝነግረና መልእኽቲ ዕብራውያን እዩ። ስሙ ካብ ናይ መላእኽቲ ይዓቢ ንሱ መግለጺ ግርማ አምላኽ እዩ። አምላኽ ብአኡ ገሩ ንዓለም ፈጢርዎ። ወልድ ምእንቲ ዓለም ስለ ዝሞተን ዝተንሥኤን ካብ ኃጢአት ነጻ ገሩና። ደቂ አምላኽ ደቂ ሰማይ እንኾነሉ ጸጋ ሂቡና። ኢየሱስ ክርስቶስ ባህርና ምስ ለበሰ ብዘይካ ኃጢአት ብኹሉ ንአና መሲሉ። ካብ ክፍአትን ኵነኔን አድኂኑና። ምስ አምላኽ አራኺቡና ዕርቡን ድኅነት ከፊሉልና እናበለ ምስጢር ግልጸት ኢየሱስ ይነግረና።
አብዚ እነስተንትኖ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ አምላኽ ስጋና ለቢሱ በቲ ክንርድኦ እንኽእል አብ መንጎና ሓዲሩ ደቂ ሰማይ ክንከውን አፍደገ ሰማይ ከፊቱልና። ንሱ ኩላትና ክንድሕን እዩ መጺኡ። ንፍሉይ ህዝቢ ወይ ዓለት አይኮነን መጺኡ ምእንቲ ኩላትና እዩ መጺኡ። ሎሚ እውን አብ መንጎና አሎ። ብቃሉ አብ ቅዱስ መጽሓፍ፥ ብቤተ ክርስትያኑ፥ አብ አመንጎና ይርከብ አሎ።
ንአምላኽ ዝገልጸልና አለሊና ክንክእል።

መልእኽቲ ዕብራውያን እምብአር መንነት ክርስቶስ እትገልጸልና ምእንታና ዘዕረጎ መስዋዕትን ክብርን ትገልጸልና። ክርስቶስ እቲ እንኮ ካህን ኮይኑ ሰዋዕን ተሰዋዕን ኮይኑ አድኂኑና እዩ እናበለ ናይ ክርስቶስ ክህነትን ናታትና ክህነትን ይገልጸልና። አብዚ ዘሎናዮ እዋን እምብአር ነቲ ብአምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገሩ ዝገለጸልና ምስጢር ዕብየት ተፈጥሮና አለሊና ንቅድስና ናትና ኢልና ክንለብስ እሞ እሙናት ተኸተልትን መስከርትን ክንከውን።
ወንጌል ማርቆስ፡ ኢየሱስ ድሕሪ ተጠሚቝን ብሰይጣን ተፈቲኑን ናብ ገሊላ ከም እተመልሰ ይነግረና። ኢየሱስ ነዚ ዝገበረ ዮውሓንስ መጥመቅ ምስተአስረ እዩ። ነቲ አብ ልዕሊ ዮውሓንስ ዘርአይዎ ጽልኢ ድሕሪ ምርአይ ካብኡ ክእለ ኢሉ ዝገበሮ እዩ ዝመስል።
አብ ገሊላ ምስ መጽኤ ብስራት ወንጌል ሰቢኹ፥ አብዚ እዋኑ ከምዝአኸልን መንግስቲ አምላኽ ከምዝቐረበን ነጊሩ። እቲ እስራኤል እትጽበዮ ዝነበረ ድኅነት አምላኽ ማለት ካብ ኩሎም ጸላእቲ ነጻ ምዃን ክፍጸም ግዚኡ በጺሑ እዩ እናበለ ይሰብኽ ነሩ። ኢየሱስ ነቲ ህዝቢ ክንስሑን አብቲ ብስራት ወንጌል ክአምኑን ነጊርዎም። ነዚ እንተ ገበሩ ጥራሕ እዩ ነቲ ነገራት ክቕይርዎ ዝኽእሉ። ንብስራት ወንጌል እንተ አመኑ ማለት መንግስቲ አምላኽ ከም ዝቐረበ ክፈልጡን ክንስሑን ሕይወቶም ክቕይሩ እሞ አብቲ ድኅነት አምላኽ ክሳተፉ ከምዝኽእሉ ነጊርዎም።
ኢየሱስ ነዚ ምስ ሰበኸ ነቶም ሓዋርያቱ ከምዝሓረየ ይነግረና። አብ ገማግም ባሕሪ ገሊላ እናተንቀሳቐሰ እንከሎ አርባዕተ ገፈፍቲ ዓሣ ዝነበሩ ክኽተልዎ ጸዊዕዎም። ክልተ ጽምዲ አሕዋት እዮም ነሮም። እቶም ክልተ ቀዳሞት እንድርያስን ስምኦንን ክጽውዖም እንከሎ ዓሣ ይገፉ ነሮም፥ ክኽተልዎ እናጸውዖም ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ በሎም። አብ ክንዲ ዓሣ ዝሕዙ ካብ ሕጂ ንድሓር ስርሖም ሰባት ሒዝካ ናብ ኢየሱስ ምምጻእ እዩ። እዚ ናይ ኩልና አመንቲ ኢየሱስ ስራሕ እዩ። ንሰባት አብ ኢየሱስ አምጺእካ ምኽአል።
አብዚ እንነብሮ ዓለም ገለ ፈሊጡ ካብ አምላክ ርሑቁ ዝነብር ገለ ኸአ መገዲ ጠፊእዎ ዘምጽኦን ዘፍልጦን ስኢኑ ካብ ኢየሱስ ርሒቑ ዝነብር ብዙሕ እዩ። ከምቶም ቀዳሞት አርድእቲ አብ ኢየሱስ እነቕርብ ንሕና ኢና። እምነት ክርስትና ንአይ ጥራሕ ዝብል አይኮነን ንኻልኦት አብ አምላኽ ምቕራብ እዩ። እቶም ካልኦት ክልተ ሓዋት ደቂ ዘበድየዎስ ያዕቆብን ዮሓንስ እዮም፥ ኢየሱስ ክጽውዖም እንከለዉ ምሰብኦም ኮይኖም መርበቦም የተዓራርዩ ነሮም ብኡ ንብኡ ጸውዖም፥ ንሳቶም ከአ ንዘበዴዎስ አብኦም ምስ ዕሱባቱ አብ ጃልባ ኃዲጎም ሰዓብዎ።
እዞም አርባዕተ ቀዳሞት አርድእቲ ኢየሱስ ምስ ጸውዖም ነቲ ኹሉ ዝገብርዎ ዝነበሩ ሓዲጎም ተኸቲሎሞ። ቅዱስ ማርቆስ ኢየሱስ ፍሉይ ሰብ ከምዝነበረ እሞ ሰባት ብቐጥታ ምስ ጸውዖም ውዓል ሕደር ከይበሉ ንመጸዋዕትኡ ተቐቢሎም ክስዕብዎ ጀሚሮም ይብለና። ኢየሱስ ክሓርየነ እንከሎ ከምዚ ዝበለ መልሲ ክንህብ ይግብአና። መጸዋዕታ አምላክ ክንሰምዕ ኩሉ ጊዜ ስንድዋት ክንከውን ይግብአና።
ካብዞም ቀዳሞት አርድእቲ ክርስቶስ እንምሃሮ እንታይ አሎ፡

ቀዳማይ ሰንበት ዘአስተርእዮ እምብአር ኢየሱስ ክርስቶስ መድኅና መን ምዃኑ ባዕሉ ስለ ዝተገልጸልና ክንሰምዖ ክንቀርቦ እሞ ክንልአኾ ዝሕግዘና ሰንበት እዩ። ኢየሱስ አብ መጀመርያ ስብከቱ ብዙሓት ብአኡ ከምዝተደነቑ እሞ እንታይ እዩ እዚ ሓዲስ ትምህርቲ እናበሉ ይግረሙ ከምዝነበሩ ወንጌል ይነግረና። አብ እምነትና በቲ አምላኽ ዝገበረልና ጥራሕ ምድናቕ ምግራም እኹል አይኮነን አብ ሕይወትና ክአቱ ክነፍቅደሉ እሞ ሕይወትና ሓዲስና ናቱ ክንከውን እዩ እቲ ዝድለ። ሎሚ እምብአር ልብና ንአምላኽ ልብና ንኽፈተሉ። ንቀበሎ ንተሓደስ እሞ መንፈሱ ለቢስና አብ ስብከት አሕዋትና ንውፈር ንልአኮ።
አምላኽ አብ አገልግሎቱ ክንወፍር ጸግኡን በረኸቱን ይዓድለና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.