2013-01-28 09:17:43

ቅዱስ ኣቦና፦ ጉዕዞ እግሪ ደጋፊ ሕይወት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ዋሽንግተን ንዝተኻየደ ብሔራዊ ሓቆፍ ደጋፊ ሕይወት ሰላማዊ ናይ እግሪ ጉዕዞ ብምድጋፍን ንምትብብባዕን ብትዊተር ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ቡዙሃን ብምጥቃም፦ “ምስቶም ተሳተፍቲ ናይ እግሪ ጉዕዞ ደጋፊ ሕይወት ብመንፈስ ከምዝሓብሩን ናይ ፖለቲካ ዓበይቲ ኣካላት ገና ንዘይተወልዱ ሕጻናት ክከላኸሉን ናይ ሕይወት ባህሊ ከነቓቕሑን ኣላበውን ምእንቲ’ዚ ድማ እጽልይ” ዝብል መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ እንክፍለጥ፣ እቲ ደጋፊ ሕይወት ናይ እግሪ ጉዕዞ ኣብ ዝኽሪ ኣብ ሕቡራት መንግስታታ ኣመሪካ መበል 40 ዓመት ጽንሲ ምንጻል ዝፈቐደ ውሳኔ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምስ ዝተዘከረሉ ዕለት ተተሓሒዙ ዝተኻየደ ምዃኑን ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ነቲ ውሳኔ ቤት ፍርዲ ዝድግፍዎ ምዃኖም ብዕሊ ከምዝገለጹ ይንገር። ካብ 1973 ዓ.ም. ንነጀው ልዕሊ 55 ሚሊዮን ዝግመት ምንጻል ጽንሲ ከምተፈጸመን ክምልከት እውን እንከሎ ኣብ ዋዜማ እቲ ደጋፊ ሕይወት ናይ እግሪ ጉዕዞ ዋሽንግቶን ኣብ ዝርከብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ዝተሳተፍሉ ምእንቲ ሕይወት መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቛም ልሂቅ ኣቦ ወንበር ብፁዕ ካርዲናል ኤሊዮ ዝገረቻ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ “እቲ ንሕይወት ሕራይ ዝብል ዘይገሃስ ክብሪ ዘደምዕን ክሰፍሕን ዝተኽየደ ናይ ሰላማዊ ናይ እግሪ ጉዕዞ ክነቓቓሕን፣ እዚ ናይ ሕይወት ባህሊ ቅድም ቀዳድም ጽንሲ ምንጻል ሰብኣዊ ሕይወት ናይ ሓደ ሰብኣዊ ሕይወት ክብሪ ምኽላፍን ምንጻልን እዩ፣ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ነቲ ማሕበራዊ ፖለቲካ ዝምልከት ኮይኑ ዋሕዲ ዝውለዱ ሕጻናትን እዚ ዘስዕቦ ቀዝሒ ሚዛን ብዝሒ ሕዝቢ ኮይኑን ኣብ ነዊሕ ከይዲ ኣብ ምዕባለ ኤኮኖምን ኤኮኖሚያው ምርግጋእ ዓቢ ጸገም ዘኸትል እዩ። ተፈጥሮን ኣግራብን ሓምላይ ሃብቲ ንምክልኻል ብሓቂ ዝግበሩ ጻዕርታት ምስቲ ምንጻል ጽንሲ ዝገራጨው ኢዩ። ሃብትታት ተፈጥሮ ክትከላኸል እቲ ዝዓበየ ጸጋ ዝኾነ ሕይወት ከተምክን እንታይ ይበሃል። ስለዚህ እዚ ድማ ትርጉም ኣልቦነት እዩ ዝገለጽ” ኢሎም።
“ናይ ሕይወት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ኵሉ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን መሰረት እዩ፣ ነዚ ኣፍልጦ ዘይምሃብ ንኹሎም ካልኦት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ሕይወትን ናይ ኤኮኖምን ከምኡ እውን ናይ ፖለቲካ ክቡራት ዋጋታት ዝበሃሉ ምንጻግን ምግሃስን እዩ ዘስዕብ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.