2013-01-28 09:20:40

ቅዱስ ኣቦና ማኅበረ ክርስትያን ኣብ ገዛእ ርእሱ ከይዕጾ ይምዕዱ



RealAudioMP3 ናይታ ኣብ ከክልተ ሰሙን እትሕተም ብማሕበር ኢየሱሳውያን እተመስረተትን እትመሓደርን Civiltà Cattolica-ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየት ናይ ስነ ባህሊ መጽሔት ዋና አሰናዳኢ ኢየሱሳዊ ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብምኽንያት መበል 47 ዓመት መራኸቢ ብዙሃን ዘመሓላለፍዎ ዓቢይ ዓለም ሓቆፋዊ ኣቃልቦን ትንታኔ ዝወሃቦ ዘሎ ትማሊ ብዕሊ ዝተዘርግሔ መልእኽቲ ኣማእኪሎም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ መራኸቢ ብዙሓን መጋበሪያ ኣስፍሆተ ወንጌልን ሰብኣዊ ሕንጸትን እዩ። ስለዚህ ማሕበረ ክርስትያን ናይዚ መጋበርያ ተጠቃሚ ኮይኑ፣ ምስ ካልኦት ብምዝታይ ናይ እምነቱ ኣመክንዮ ዘቓልሓሉን ምስክርነት ዘቕርበሉ ክኸውንን፣ ስለዚህ ኣብ ገዛእ ርእሱ ከይተዓጽወ ክርስትያናዊ እምነቱን ንምልላይ ክጥቀመሉ” ከምዘተሓሳስቡን፣ “ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና እቲ ማሕበራዊ መራኽቢ ብዙሃን ዘለዎ ፍሉይ ማሕበራዊ ክብሩ ክነቓቓሕን እዚ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ እደ ጥበብ መሠረት ዝውንጨፍ ዘሎ ባህሊ መራኸቢ ብዙሃን ተመክሮ እንለዋወጠሉ ቦታን ጊዜን የብሎ። ተመክሮ ክበሃል እንከሎ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝሕብርዎ፣ ንሰብኣዊ ምሉእ ሕንጸት ዘተባብዕን ዝድግፍን ማለት ምዃኑ ኣብ ስፓዳሮ ኣረዲኦም፣ ስለዚህ ካብ ካልኦት ተነጺልካ እትነብረሉ ናይ ሓሳብ ዓለም ወይ ከኣ ናይ ሓሶት መንነት እተማዕብለሉ ስፍራ ከይከውን ድማ ኣብ ሓቂ ዘተኮረ መታን ክኸውንን መገድን ሓቅን ሕይወትን ዝቃልሓሉ ናይ ሓቂ መጋበርያ ክኸውን ኣለዎ። በዚ መሰረት ድማ ማሕበረ ክርስትያን ናይ እምነት ተግባርን ኩነትን ዘላልየሉ ምስክርነት እምነት ዘቕርበሉ ክኸውን ከምዘለዎ ቅዱስ ኣቦና የተባብዑ” ኢሎም።
“ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ነውማን ጥዑም መብርሃቲ እምነት ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም መራኸቢ ብዙሓን ብዙሕን ሒደትን ዝበሃለሉ ጫውጫውታ ዝተመልእ ባዶ ቃል ዘይኮነስ ጥዑም ብርሃን ዝቃልሓሉ ክኸውን ኣለዎ። ስለዚህ ካብቲ ክዉን ዓለም ክይተፈለኻ ናቱ ከይኮንካ በዚ ጥዑም ብርሃን እምነት ክኹላዕ ከምዘለዎን ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኡን ናብራኡን ወተሩ ክርስቲያናዊ ጸዋዕታኡ ዘቃልሓሉ ክኸውን የተባብዑ” ምስበሉ፦ ቅዱስነቶም ክልተ ኣዚዮም ኣገደስቲ ነገራት ማለት መርበብ ሓበሬታ ማሕበራዊ ቤተ ክርስቲያን ንምሕናጽን ዘነቓቕሕን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ማሕበረ ክርስትያን ዘራኽብ እዩ። ስለዚህ ቅዱስነቶም ናይ እቲ ኣብ ትዊተር ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ተጠቓሚ ክኾኑ ዝገበርዎ ውሳኔ ኣብ ትዊተር ህልውን ወይ ድማ ኣብ ትዊተር ምእታዊ ዝብል ዘይኮነስ ኣብ ትዊተር ምሳኹም እሓብር እንክብሉ ተጠቓሚ ዝብል ግሲ ዘይኮነስ ምሕባር ዝብል ግዚ እዮም ተጠቒሞም፣ ስለዚህ ዘተን ርክብን ዝፍጠረሉ ምዃኑ የነጽሩ። እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ አጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.