2013-01-25 13:25:58

እምነት ዘለዎ አይፈርህን!


ብእግዚአብሔር አብ እአምን ቢልካ ጸሎተ ሃይማኖት ብምሉእ ልብኻ ምድጋም አብዚ እግዚአብሔር ርሒቅዎ ዘለዎ ኅብረተሰብ ጸኒዕካ ንኩሉ ክትብድህ ተጻይ ኩሉ ፈተና ክትጐዓዝ ምንም ዓይነት ፍርሒ ከምዘይብልካ የረጋግጽ፣ እንክብሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ አብ ዝሃብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስን አብዚ ጊዜ እዚ ንሚልዮናት ብትዊተር ዝበሃል መራኸቢ ብዙኃን አብ ዘመሓላለፍዎ ሓጺር መልእኽትን ገሊጾም፣
ቅዱስነቶም ንዓመት እምነት ምኽንያት ብምግባር ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ሓደ አርእስቲ ብምሓዝ ዓሚቍ ትምህርተ ክርስቶስ ዝህቡ አብ ናይ ትማሊ ትምህርቶም እውን ንጸሎተ ሃይማኖት በብሓደ ንምትንታን ሓዲስ ም ዕራፍ ከምዝጀመሩ አብ ዝገለጽዎ ነቲ መኽፈቲ ጸሎተ ሃይማኖት ዝኾነ “ብእግዚአብሔር አብ እ አምን” ዝብል ሓረግ ብሰፊሑ ተንቲኖም፣
ከም አብነትን አቦን እምነት ዝጠቀስዎ አብርሃም እንክኾን ተግባር እምነት ክሳብ ክንደይ ዓሚቍ ምዃኑ ንምርዳእ ብ አ እምሮና ናባኡ ክንከይድ ድሕሪ ምዕዳም፤ ተግባር እምነት ክንዮ ትጽቢትን ርድ ኢትን ወዲሰብ ተባዕ ስጉምቲ ዝሓትት ዳርጋ አብ ግብ ዝበለ ጸልማት ነቲ ቃሉ ዘይ ዕብር ኪዳኑ ዘይጠልም እግዚአብሔር አሚንካ ምጕዓዝ ኢዩ፣ አቦ አመንቲ ዝኾነ አቦና አብርሃም እውን ነዚ እዩ ዝገበረ፣ ኩሉ ናይ አብርሃም ነገር በተሓሳስባ ደቂ ሰባት ዳርጋ ስግንጢር ኢዩ፤ ተንስእ ናብቲ አነ ዘርእየካ ሃገር ኪድ ይብሎ አብ ምድሪ ከነአን ምስ በጽሔ ከአ ከም ጋሻ ኮይኑ ይነብር፣ መሬቱን ንብረቱን ገዲፉ ስደተኛ ይኸውን፣ ዝበርተዔ ከአ ንሱ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ዕድመ ገሩ ሸምጊሉ እንክንሱን ሰበይቱ መኻን እንከላን ዘርሑ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ሑጻ ባሕርን ከምዝሖም ምዃኑ ይሕብሮ ዝበርተዔ ኸአ ነቲ ድሕሪ ክንደይ ምህለላን ትጽቢትን ዝረኸቦ እንኮ ወዱ ይስሓቅ ክስው አሉ ይሓቶ፣ ቅዱስነቶም ነዙ ኩሉ ዘርዚሮም ናባና ምልስ ብምባል እዚ ሕቶ እዚ ሎሚ ንአና እንተዝቀርብ ብኸመይ ምመለስና ቢሎም ይሓቱ እሞ ክበድ ናይቲ ኩኑት ከምዚ ክብሉ ይገልጽዎ፣
“እዚ ጕዕዞ እዚ እግዚአብሔር ናበይ ከምዝመርሓካን ዘብጽ ሓካን ከይፈለጥካ ተላዒልካ ናብ ግብ ዝበለ ጸልማት ምጕዓዝ እንከመልክት፤ ሱር በተኽ እምነትን ተአዝዞን ዚሓትት ጕዕዞ ኢዩ፣ ነዙ ጕዕዞ እዚ ከብርህ ዝኽ እል እምነት ጥራይ ኢዩ፣ ኮይኑ ግን ነዚ አብርሃም ብሃሰሰ ለባም ክጐዓዞ ንዘለዎ ግብ ዝበለ ጸልማት ዝበልናዮ ጕዕዞ ዘብርህ እግዚአብሔር ብዘተስፍዎ ብርሃን አሎ፣ እግዚአብሔር ትእዛዝ ድሕሪ ምሃቡ ንአብርሃም ምል አት ዘለዎ ናብራ ከምዝጽበዮ ዘረጋግጽ ሓንቲ ቃል ይብሎ እታ ቃል ከአ “ዓቢ ሕዝቢ ክገብረካ ኢየ” ይብሎ፣
እቲ እግዚአብሔር ነብርሃም ዝህቦ መሬት እውን እንተተመልከትና ንአኡ ዘይግባእ ኮይኑ ንረኽቦ፣ እዚ ትእምርቲ እዚ ዝህቦ ትምህርቲ ንኩሉ አማኒ ዝኸውን ከምዝኾነ ከምዚ ክብሉ ይገልጽዎ፣
“አብ ዓለምን ሃብታን ከየድሃብካ ድኽነትካ ክትምልከትን ንኩሉ ከአ ከም ውህበት አምላኽ ገርካ ምር አይን ከምዘድሊ የስተምህር፣ እዚ መንፈሳዊ አተሓሳስባን ኩነትን እዚ ንነፍሲ ወከፍ ጸዋዕታ አምላኽ ተቀቢሉ በቲ ብ ዓይኒ ዘይረአ ኮይኑ ግን ኃያል ቡራኬ አምላኽ ተሰንዩ ንጐይታ ክኽተል ዝወሰነ ኩሉ ክህልዎ ዘለዎ መንፈሳዊ ኩነት ኢዩ፣
ክብሉ ድሕሪ ገሊጾም ናብቲ መሠረታዊ ሕቶ ምልስ ብምባል “ብእግዚአብሔር አብ እአምን ከስ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ርግጽ ኢዩ እዚ ሓረግ እዚ ገርሀይና ብዝኾነ መንገዲ ነቲ መሠረታዊ ዝኾነ ነገር ይገልጽ ኮይኑ ግን ክንዮ እዚ ምስ ጐይታን ምሥጢሩን ክንዋሳአሉ እንኽል መወዳእታ ዘይብሉ ዓለም ይኸፍተልና፣
“ብእግዚአብሔር አብ እአምን” ማለት ከስ ሕይወተይ አብ ክትሥረት ዕለት ዕለት ከአ ቃሉ ንክመርሓኒ ንኩሉ አብ ኢዱ ምግዳፍ አብቲ እንገብሮ ምርጫ እነጥፍ ኦ ነገር ከምዘይብልና ብምእማንን ብዘይ ፍርህን ንጐዓዝ፣ ግላዊ ህላወይ ብውህበት እምነት መንቀሊ ባይታ ክረክብን በዚ ከአ ህልውናይ ክልወጥ እ አምን ማለት ኢዩ፣ ክብሉ ንዝገለጽዎ ብትዊተ አብ ዝለአኽዎ መልእኽቲ ብሓጺሩ እንክገልጽዎ ከአ “ብእግዚአብሔር አብ ምእማን ከስ ብዙሕ ግዜ ምስቲ ናይ ዘመንና አከያይዳን አተሓሳስባን ክሰማማዕ ዘይክእል ኅልናዊ መምርሒ ደረጃታት ይህበና በዚ ከአ ምስ ወግዓዊ አተሓሳስባ ዓለምና ዘይከይድ ሚዛንን ጠባይን ሒዝና ክንጐዓዝ ይእዝዘና ቢሎም፣
“ክርስትያን እምነቱ ንከዘውትር ተጻይ ኩሉ እውን እንተኾነ አብ ግብሪ ካብ ምውዓሉ ክፈርህ የብሉን፣ ንክጥዕሞ ወይ ንክነብር ቢሉ ካብ ተመሳሲልካ ናይ ምሕዳር ላንጋላንጋ ፈተና ክቃወም አለዎ፣ አብ ናይ ዘመንና ማኅበረሰብ እግዚአብሔር ዳርጋ ተረሲዑ መን ከማይን ናይ ንዋይ ፍቅርን ዓዚዙ ይረኤ፣ እንክብሉ ኩነታትና ካብ እምነት ብጣዕሚ ርሒቁ ከምዘሎ ድሕሪ ምምልካት ነቲ ጽባሕ ክዛዘም ዘለዎ ሳምንቲ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ብምዝካር ኩልና ነዚ ጸጋ ሓድነት ካብ እግዚአብሔር ክንልምን አዘኻኺሮም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.