2013-01-25 09:36:22

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት አሰናዳእቲ ጉጅለ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከምቲ ልሙድ ትማሊ እቲ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣሰምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣቕሪቦም ምስ ፈጸሙ፣ ኣብቲ መደብ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተሳተፉ ነቲ ካብ ዕለት 23 ሓምሌ ክሳዕ ዕለት 28 ሓምሌ 2013 ዓ. ኣብ ሃገረ ብራዚል ሪዮ ደጃነይሮ ከተማ ንኽካየድ ንዝወሰንዎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ኣባላት ኣሰናዳኢት ጉጅለ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ውህደት ምስ ዝህሉ ጥራሕ እዩ እቲ ዝተኣመቱ ዅሉ ሸቶኡ ዝወቅዕ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ናይቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣሰናዳኢት ጉጅለ ዝመርሑ ናይ ሪዮ ደ ጃነርዮ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኦራኒ ዥዋው ተመፐስታ ክኾኑ እንከለዉ ብፁዕነቶም ድሕሪት’ቲ ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ምስ ራዲዮ ቫቲካን ጋዘጠይና ሲልቮነይ ፕሮትዝ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ ካብ መላእ ዓለም ዝውሕዙ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ተሳተፍቲ ቕዱስ ኣቦና ንምቕባል ዓቢይ ሓንቀውታ ከምዘለዎም ንቕዱስ ኣቦና ከምዘረጋገጹሎምን ብፍላይ ሓዋርያዊ ቡራኬኦምን ኣስተምህሮኦምን ምዕዳኖምን ጽን ንምባል ህንጡያት ከምዝኾኑ ብምርግጋጽ፣ እታ ናይ ሪዮ ደ ጃነይሮ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መጠቓለሊ ሰንበት ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴን ዋዜማን መሠረት ዝካየድ መንፈሳዊ ርክብ ናይ እምነት ጉባኤ ዝብል ስም ከምእተውሃቦ ገሊጾም፣ እቲ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዘቕረብዎ ጉጅለ ኣሳናዳእያን ኣብ ሮማ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብዛዕባ ጸጥታን ድሕነትን ብሓባር ንምዝታይን ነቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሮዮ ደ ጃነይሮ ክፍጸም ዝግብኦ ሓለዋ ጸጥታን ድሕነት ርእሰ ጉዳይ ብምግባር ንምዝታይ ምዃኑ ሓቢሮም።
እቲ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ቅዳሴን መደብ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ከምኡ እውን ስርዓት ኣምልኾ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ብሓባር ከመይ ክካይድን ክፍጸምን ከምዘለዎ መምርሒ ከምዝሓንጸጹ ኣመልኪቶም፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሪዮ ደ ጃነይሮ ካብ መላእ ዓለም ምስ ዝውሕዙ ዝበለጸ ዓለም ዝምነዩን ምእንቲ ምርግጋጽ ብሉጽ ዓለም ዝተግሁ መንእሰያት ከምዝራኸቡን ሽሕ’ኳ መንእሰይ ብዙሕ ተደራራቢ ጸገማት ዘጓንፎ እውን እንተኾነ ምስ ቅዱስነቶም ንምርኻብን ነቲ ኣብ ልባቶም ዘሎ ተስፋ ንምንቕቓሕ ዝልግስዎ ምዕዳንን ምኽርን መሠረት ድማ ዓመጽ ኣልቦን ፍትሕን ፍቕርን ዝዓሰሎ ብሉጽ ስናይ ዓለም ንምሕናጽ ዘተባብዖም ኩነት ክምዝኾነ ሓቢሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ አጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.