2013-01-20 17:54:49

ሰንበት ዘጥምቀት (ዘቃና ዘገሊላ) 2005 ዓ.ም. (1/20/2012)


መዝሙር፡ ሖረ ኢየሱስ በትፍስሕት. . . . . ።
ንባባት፡ ዘጥምቀት፡ ቲቶ 2፡11~14፥3፡2~7፡ 1ዮሓ5፡1~13፥ ግ.ሓ.10፡34~39፥ ሉቃ 3፡15~22
ዘቃና ዘገሊላ፡ ዕብ. 2፡1~11፥ 1ዮሓ5፡9~11፥ ግ.ሓ. 13፡25~30፥ ዮሓ 2፡1~11
ምስባክ፡ ዘጥምቀት 1. ባሕርኒ ርእዮት ወጎየት ወዮርዳኖስኒ ገብአት ድኅረኁ አድባር አንፈርዐጹ ከመ ሓራጊት፥መዝ. 114፡3~4።
2. ርእዩከ ማያት እግዞኦ፥ ርእዩከ ማያት ወፈርሁ፥ ደንገጹ ቀላያተ ማያተ ወደምፀ ማያቲሆሙ። መዝ 77፡16።
ምስባክ ዘቃና ዘገሊላ፡ አንተ እግዚአብሔር ባሕቲትከ፥ ዘትገብር መድምመ፥ አርአይኮሙ ለሕዝብከ ኃይልከ” መዝ. 77፡13።
አብዚ እዋን ዝተደራረበ ብዓለት ኢና እንዝክር። ጥምቀት ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ቃና ዘገሊላ፥ ከምኡ ዓመታዊ ብዓል ቅዱስ ሚካኤል። ቃና ዘገሊላ ኢየሱስ መጀምርያ ተአምራት ዝጀመረሉ እዩ። ምሱኡ ማርያም አዲኡን ሓዋርያቱን ከም ዝነበሩ እሞ ብልመና አዲኡ ንማይ አብ ወይኒ ከም ዝለወቶ ዮሓንስ ወንጌላዊ ይነግረና። ኢየሱስ መንነቱ ዝገለጹ መጀመርያ ተአምራት።
ብዓለ ቅዱስ ሚካኤል አብዚ እዋን ዝዝክሮ ንያዕቆብ ካብ ቅትለት ብሓዉ ኤሳው ዘድሓነሉ እዩ ዝዝክር። ቅዱስ ምካኤል ልኢኹ ከም ዝድኃኖ ንዝክር። ሎሚ ኸአ ንህዝበ እግዚአብሔር ካብ ኩሎም ጎዳእቲ ጸላእቲ ሚካኤል ልኢኹ ከድኅኖም ንልምኖ።
መዝሙር፡ “ኢየሱስ አብ መንጎ ህዝቢ ተአምራትን ዘደንቕ እናገበረ እንከሎ ብተሓጓስ አብ መርዓ ከይዱ። አርድእቱ ክብሩ ስለ ዘርአዮም ብአኡ አመኑ። ነዘን አጋንእ ማይ ቀዲሕኩም ክሳብ አፈን ምልእወን፥ አቦዳስ ነቲ አምላኽ ዝገበሮ ዘደንቕ ነገር ጥዒሙ ተደነቐ፥ በጃናን ተስፋናን ወዲ አምላኽ ንማይ ወይኒ ገበሮ”። ግልጸት መምነት ኢየሱስ ዝተራእየሉ ሓዋርያትን አብኡ ዝነበሩ ክአምኑ ዝጀመሩሉ ተአምራት አብ ቃና ዘገሊላ አብ ዝተገብረ መርዓ ከም ዝተፈጸመ ንርኢ። አብ አምላኽ ክንአምን እሞ ናቱ ኮና ክነብር ዝሕግዘና መዝሙር።
እዚ ዘሎናዮ እዋን ብስርዓት ልጡርግያ አስተርእዮ ይብሃል። ዘመን አስተርእዮ ዝብሃል ካብ ልደት ክሳብ ዘቅበላ እዩ። አብዚ ጊዜ ዝዝመሩ መዛሙር ከምዚ ይብሃሉ፥ አንሰሰወ፥ አስተርአየ፥ ተወልደ፥ ተጠምቀ፥ ከብካብ፥ ማይ፥ መርዓዊ፥ ተባሂሎም በብእዋኖም ምስቲ ዕለቱ ተራእዮም ይዝመሩ። ዘመነ አስተርእዮ ዘብሎ ጎ.ኢ.ክ. አብ ምድረ እስራኤል እናዞረ እናአስተምሃረ አምላኽነቱ ስለ ዝገለጸ አስተርእዮ ወይ ብዓለ ኤጲፋንያ ይብሃል።
አብዚ ዘመነ ልደት ካብቶም ዓበይቲ ሰለስተ ግልጸታት ሓደ ጥምቀት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። አብ እምነትና እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ግለጸታት ኢልና እነብዕሎም፡

ስለምንታይ ኢዩ ኢየሱስ ተጠሚቝ?
ስለምንታይ ኢዩ ኢየሱስ ተጠሚቑ ኢልና ንርእስና ክንሓትት ንኽእል ኢና። ንሱ አምላኽ እንድዩ እንታይ ጥምቀት አድለዮ። ብዙሓት ክጥመቑ አብ ኢየሱስ ዝመጽኡ ዝነበሩ ዝንስሑ ሰባት እዮም ነሮም። ጥምቀትና ብመጠኑ ካብ አብ ኃጢአት ምውዳቕ ክሕግዘና ምእንቲ እዩ። እዚ እንተ ድአ ኮይኑ ምስጢር ጥምቀት ከመይ ገርና ምስቲ ናይ ኢየሱስ ጥምቀት ክነተሓሕዞ ንኽእል። አብ ትምህርቲ ቅዱስ ጳውሎስ ብዘይካ ኃጢአት ብኩሉ ንአና መሲሉ ይብል። ዮሓንስ መጥምቕ ንሱ እቲ መስሕ ከምዘይኮነ ንሱ ፊተውራሪ ምዃኑ ገሊጹ። ንሱ ንስራኽ አሳእኑ እውን ክፈትሕ ብቝዕ አይኮንኩንኩ ኢሉ። አሳእን ጎይትኦም ምፍታሕ ስራሕ ባሮት እዩ። ዮሓንስ ንኢየሱስ ከጠምቖ ቦትኡ ከምዘይኮነ ገሊጹ እንተኾነ ኢየሱስ ብዮሓንስ ክጥመቕ ደልዩ።
ነዚ ክልተ መልሲ ክውሃቦ ይክአል፡
    ኢየሱስ አብ ሩባ ዮርዳኖስ ብምጥማቑ ምስቶም ኩሎም ኃጥአንን ምሳና ዘልኦ ምሉእ ሓድነት ክገልጽ ኢሉ እዩ። ዮሓንስ ወንጌላዊ “ቃል ስጋ ኮነ አብ ማእከልና ኸአ ሓደረ” ይብለና። አብዚ ዮሓስን እቲ ቃል ሰብ ኮነ አይኮነን ዝብል እቲ ቃል ስጋ ኾነ። ብቋንቋ ቅዱስ መጽሓፍ “ስጋ” ዝብል ነቲ ኹሉ ሰብአዊ ድኽመታትን ዓቕምታትንን እዩ ዘስምዕ። ኢየሱስ ሰብ ከማና ክኸውን እንከሎ ከማና ሰብ ጥራሕ አይኮነን ኮይኑ አብቲ ድኹም ሰብአዊ ባህርና ከማና ኮይኑ። ኢየሱስ ልክዕ ከምቲ ናታትና ስምዒትን ርኢቶን ነርዎ፥ ንሱ ዝኾነ ኃጢአት ጥራሕ እዩ ዘይገበረ እምበር ብኹሉ ንአና መሲሉ። እዚ ናይ ኢየሱስ ምሳና ሓደ ምዃን አብቲ ፈሪሳውያን ምስ ኃጥአንን ንዑቓትን ይበልዕን ይሰትን ኢሎም አብ ዝወቐስዎ ክንርእዮ ንኽእል፥ ንሱ እንታይነቶም ብዘየገድስ አብ ማእከሎም ተረኺቡ ምስኦም ይበልዕን ይሰትን ነሩ። አብ ቅድሚኡ ንዑቕ ፍንፉን ጽሉእ የለን ንኹልና ብሓደ ዓይኒ እዩ ዝርእዮ።

ወዲ አምላኽን መስሕን እንከሎ ኢየሱስ አብ ሕይወቱ ዝኾነ ክብርን ሞገስን አይሓተተን። ብዙሕ ጊዜ ከም ማንም ሰብ መሲሉ ይነብር ነሩ። አብ ቤተ መቕደስ ዝሃቦ ትምህርትን ዕሞቑን ንደቂ ዓዱ ገሪምዎም ካበይ አምጺእዎ ኢሎም ተገሪሞም። ምስኡ አብ ሓደ ዓዲ ንብዙሕ ዓመታት ተቐሚጦቶም እንተኾነ መን ምዃኑ ክፈልጡ አይከአሉን። ጥምቀት ኢየሱስ እምብአር ከማና ክመስል ንአና ካብቲ ዘሎናዮ አብቲ አምላኽ ዝደልዮ ኩነት ክብ ከብለና ኢሉ እዩ ተጠሚቑ እምብአር ዘድልዮ ኮይኑ አይኮነን።
    አብ ጥምቀት ኢየሱስ ካብቲ ልሙድ ስርዓት ጥምቀት ፍሉይ ነገር ተፈጺሙ። ሉቃስ ወንጌላዊ ኢየሱስ ክጥመቕ እንከሎ ጸሎት ይገብር ነሩ። ሉቃስ አብ ኩሉ ዝነግሮ ኢየሱስ አብ ኩሎም ዓበይትን ፍሉያትን ነገራት ክገብር እንከሎ ይጽሊ ከምዝነበረ ይነግረና። አብዚ እዋን መንፈስ ቅዱስ ብአምሳል ርግቢት አብ ልዕሊ ኢየሱስ ክዓልብ ተራእዩ። ካብ ሰማይ “ብአኻ ዝተሓጎስኩ ፍቑር ወደይ ንስኻ ኢኻ” ዝብል ተሰምዐ። አብዚ ናይ ኢየሱስ ተልእኮ ብንጹር ንርእዮ። መዓልቲ ጰራቅሎጦስ ንኢየሱስ ኢልና ክንጽውዖ ንኽእል። ካብ ሰማያዊ አብኡ ብብሩህ መገዲ ሓላፍነት ወሲዱ ዝጀመረሉ እዩ። (ነዚ ዝመስል ንተልእኮ ክጅምር በብኡ ከምዝተላእከ ዝገልጽ አብ ደብረ ታቦት ዝተሰምዐ ቃል ንርኢ)። ነቲ አብዚ ዓለም ዘምጽኦ ተልእኮ ምስ አብኡ ኮይኑ ከምዝሰርሖን ክገልጽ ኢሉ ምልክት ሓድነት ቅድስት ስላሴ አብ ድኅነትና ክገልጸልና ኢሉ ተጠሚቝ።

ኢየሱስ ብጥምቀቱ ብዕሊ ህዝባዊ አገልግሎቱ ናይ ምምሃር፥ ምንጻሕ፥ ንብሩኹሳት መናፍስቲ ተአሲሮም ዝነበሩ ነጻ ሓርነት ምእዋጅ ክሳብ መዓልቲ ሕማማቱ፥ ሞቱን ትንሣኤኡ ዝጀመረሉ ፍጻሜ እዩ።
እንታይ እዩ ናይ ኢየሱስ ተልእኮ?
እንታይ እዩ እቲ ኢየሱስ ብትምህርቱ፥ ብስብከቱን ካብ ኩሉ ከም ዝነጽሑ ብምግባሩን ክፍጽሞ ዘልኦ? አብ ኢሳያስ ነብይ 40፡1~11 ዘሎን አብ ቲቶ 2፡11~14 እንተ አንበብና ክንርድኦ ንኽእል። ኢሳያስ “ መገዲ እግዚአብሔር አብ ምድረ በዳ አዳልዉ፥ አብ ምድሪ አጻምእ ከአ ንአምላኽና ጽርግያ አቕንዑ፥ ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፥ ኩሉ አኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፥ ቄናን ይቕናዕ፥ ድንጕር ከአ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን” (ኢሳ 40፡3~4) እናበለ መገዲ አምላኽ ንኹሉ ክፉት ይኹን እናበለ ሰባት አብ አምላኽ ዘልኦም ምቅርራብ ከስተውዕሉ ይነግር። አምላክ ብኢየሱስ ክርስቶስ አቢሉ ይመጽእ አሎ፡ “ንሱ ንመጓሰኡ ከም ጓሳ ይከናኸነን ንዕያውቱ አኪቡ አብ ሕቝፉ ይስከመን፥ ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድአት ይመርሐን” (ኢሳ 40፡11)። ንሱ ናይ ሕይወት እንገራን ሕያዋይ ጓሳን እዩ።
አብ መልእኽቲ ቲቶ ጎይታ ዝመጸ ንዅሉ ድሕነትን ንሕይወትና ምሉአት ክገብርን፥ ንኹሉ ናይ ዓለም ፍቕሪን ኩሉ ዘሎና ድለትን ሃረርታ ኩሉ ዕንወትን ጉድአትን ዘውርደልና ንድሕሪት ሓዲግና ንአኡ ክንሰምዕ እዩ። ጥምቀትና ምስቲ ናይ ኢየሱስ ዝተተሓሓዘ እዩ፡
“ናይ እቲ መድኃኒና ዝኾነ አምላኽ ሕያውነትን ፍቕርን ምስ ተገልጸ ግና ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ዘይኮነስ ብምሕረቱ ማለት በቲ ኻልአይ ልደት ዙህብ ምሕጻብን ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን አድኃነና” (ቲቶ 3፡4)። ቃል ስጋ ኮነ እዚ ኸአ ንሕና ካብ ናይ ኃጢአት ዝንባሌ ነጻ ምእንቲ ክንከውን እዩ። ጥምቀት ኢየሱስ ንአና እውን ሓዲስ መንነት ከም እንለብስ ገሩና ንሱ ከማና ስጋ ምስ ለበሰ ንዓለት ሰብ ንፍሉይ ጸጋ አምላኽ ክቕበል ዘኽእል ጸጋ ሓይሊ ከም ዝለብስ ገርዎ። ንአኡ ጥራሕ አይኮነን ንኹልና ሓቀኛ ርትዒ መታን ከምጽአልና ዝኾነ እዩ። ጥዑይ ሕብረተሰብ ዝብሃል ነፍስወከፍ ሰብ አብ መንጎ ሓቀኛ ርክብ ክህልዎ እንከሎ እሞ ናይ ነፍስወከፍ መንነት ክሕሎን ክረጋገጽን እንከሎ እዩ ነዚ ክንገብር ጻጋ ዘምጽአልና ክርስቶስ ኢዩ።
ማቴዎስ አብ ወንጌሉ ነቲ ብነብይ ኢሳይያስ ዝተባህለ ንኢየሱስ ከም ዘስምዕ ክገልጽ እንከሎ “ንሱ አይክከራኸርን አይክጭድርን እዩ፥ ሓደ እኳ አብ ቅርዓት ድምፁ አይኪሰምዕን እዩ፥ ፍትሒ ናብ ዓወት ክሳብ ዘብጽሕ ቅጥቁጥ ሻምብቆ አይኪሰብርን ንዚተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን አይኬጥፍእን እዩ” (ማቴ 12፡19~20) ይብል። አብዚ ኢየሱስ ዘርአዮ ፍቕሪ ብፍላይ ነቶም ኃጥአንን ብሰብ ዝተናዕቁን ይገልጽ ንሱ ምስኦም ተቐሚጡ ምስኦም እውን በሊዑ። ከም ሕያዋይ ጓሳ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሓዲጉ ነታ ዝጠፍኤት በግዕ ከናዲ ዝኸደ እዩ።
ኢየሱስ ወላ እውን ይጽልእዎን ክቐትልዎ ይድለይ ክሳብ መወዳእታ አፍቂርዎም። ንሱ በቲ ዝወረዶ ዕንወትን ዘዋርድ ሞቱን ከም ሓደ ህዝባዊ ገበነኛ እንከሎ ንምልዮናት አሽሓት አብ ዝስዕቡ ዘመናት አብኡ ከምዝመጹ ገሩ። ናይ ኢየሱስ ተልእኮ ልዕሊ ኹሉ ንአና ሓራ ከውጽእን ነጻ ክገብርን እዩ። ነዚ ኹሉ ክገብር ኢየሱስ ተጠሚቑን ብሰማያዊ አብኡ ተላኢኹን።
አስተንተኖ አብ ናይ ርእስና ጥምቀት፡
ሎሚ ነንፍስወከፍን ንጥምቀትና ክንዝክር ዝሕግዘና ፍሉይ ዕለት እዩ። እዚ ዝኽሪ እዚ ቅድሚ ዓመታት ዝኾነ እሞ ካቶሊካውያን ዝገበረና ፍጻሜ ጥራሕ አይኮነን። ጥምቀትና ስርዓት አብ ቁሩብ ደቓይቕ ዝተፈፈመ እሞ ተአምራታዊ ሳዕቤን ዘስዓበ አይኮነን። ጥምቀትና ንምሉእ ሕይወትና እንጎዓዞ መገሻ ዝጀመረ ፍጻሜ እዩ። አብ ጥምቀትና አብ ሰውነት ኢየሱስ አባላት ክንከውን ዝጀመርናሉ ፍጻሜ እዩ።
ነፍስወከፍና ሕያው ምስክር ወንጌል ኮና ክነብር ጽዉዓት ኢና። ናይ ዓለም ጨው፥ አብ ጎቦ ዝተደኮነት ከተማ ንኹሉ እትብርህ ክንከውን ሕሩያት ኢና። ጥምቀትና መወዳእታ ዘይብሉ ጸዋዕታ እዩ ካብ እግሪ ኢየሱስ ከይተረፍና ዕለት ዕለት እንጉዓዞ ነውሕ ጉዕዞ እዩ። ቃላት ኢሳያስ አብ ምዕ. 40፡1~11 ዘሎ ንነፍሲ ወከፍና ዝተጠመቕና ዝምልከት እዩ። ሎሚ እምብአር ነቲ ንኢየሱስ ዕለት ዕለት ክንክተሎ ንሰይጣን ክንክሕዶ ዝአቶናዮ መብጽዓ እንሓድሰሉ እዩ። ንተልእኮ ኢየሱስ ክንቅጽሎ ከምብሓድስ እንረጋግጸሉ ዕለት እዩ። ብቃልና ብግብርና ብኹሉ ካልኦት ክርስቶስ ኮና ወንጌል እንሰብከሉ ሕይወትና ክንቅድስ መብጽዓና ሓዲስና መስቀልና ጸርና እስዕብካ አሎኹ እሞ ከይደክም ከይዝንግዕ ሓግዘኒ ኢልና እንጽልየሉን እዩ።
ብዘይ ናይ ነፍሲ ወከፍና ተሳትፎ ስራሕ እግዚአብሔር ተግባራዊ ክኸውን አይክእልን እዩ። አምላኽ ናይ ነፍሲ ወከፍና እሽታን ድለትን ይደሊ እዩ። ተለአኹኒ አብ ድሕነት ሓውኩምን ሓፍትኹምን ይብለና አሎ። ሰይጣን ዝተዓወተሉ ሓውናን ሓፍትናን ነጻ ክወጹ እሞ አብ ቤት አብኦም ዝአትዉሉ ዕለት እሞ ሓገዝና ዝዝርግሓሎም ሎሚ እዩ።
ብሩኽ ጥምቀትን ብዓለ ቅዱስ ሚካኤልን ንኹልና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.