2013-01-17 14:03:57

ዘይአምኑ ከይተረፉ ንእግዚአብሔር ክርእዩ ይብህጉ፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ አብ አደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ንምእመናንን ነጋድያንን አብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዩ፣ ነቲ አብ ኦሪት “ኦ ጐይታ ገጽካ ክርኢ ሃረር እብል አሎኹ” ዝብል ባህጊ እስራኤላውያንውን መሠረት ብምግባር ዝጀመርዎ አስተምህሮ እዚ ባህጊ እዚ ብምሥጢረ ትስብ እት ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝተፈጸመ ነቲ ሕቶ ኵልና ክንሱ ፊሊጶስ ሐዋርያ ንክርስቶስ ዝሓተቶ ማለት፤ ክርስቶስ ንሓዋርያት ክሰናበቶም እንከሎ “አይትፍርሑ ልብኹም እውን አይሸበር፤ ብአይ እመኑ በቦይ እውን እመኑ” ቢሉ እንከጸናንዖም፤ ፊሊጶስ “ጐይታ ንአብ ጥራይ አርእየና እምበር ይአኽለና” እንክብል ክንዲ ኩልና ንዝሓተቶ ክርስቶስ እውን ንፊሊጶስን ን አናን ዝኸውን መልሲ ንኩሉ ትምህርቲ ክርስቶስ እውን ዘጠቃልል “ንአይ ዝረ አየ ነቦ ረአየ እዚ ኩሉ ምሳኹም ተቀሚጠስ ከመይ ቢልካ ነቦ አርእየና እትብል” እንክብል ንፊሊጶስ ዓይኒ ልቦናኡ ክኸፍት ይነግሮ፣ በዚ ከአ እቲ አብ ኦሪት ሃረርታ ኩሎም እስራኤላውያን ዝነበረ “ገጽ አምላኽ ምርአይ” ሙሴ እውን አብ ደብረ ሲና ንእግዚአብሔር ምስ ሓተቶ፤ እግዚአብሔር “ሰብ ርእዩኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ገጸይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ” (ዘፀ 33፤20) ዝበሎ ሎሚ ግን ከማና ሰብ ኮይኑ አብ ማ እከልና ብምምልላስን ወትሩ ምሳና ብምዃንን ነቲ “ኃሰስኩ ገጸከ ወገጸ እዚ አከ አኃሥሥ” ኦ ጐይታ ገጽካ ክርኢ ሃረር እብል አሎኹ ንዝብል ብርቱዕ ሃረርታ ከምቲ አብ ወንጌል ዝበሎ “ብዙኃት ነቢያትን አበውን ክርእይዎን ክሰምዕዎን ሃረር ቢሎሞ ኮይኑ ግን ክርእይዎን ክሰምዕዎን አይከአሉን ነቶም ነዚ ዝረአያን ዝሰምዓን አዕይትን አእዛንን ሓዋርያት ብፁዐን ኢየን” በዚ ከአ በዓል ስም ዖን ነቢይን ሃና ነቢትን ነቲ ሕጻን ምስ ረአዩን ሓቍፎም ምስ ሰዓምዎን “ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ” (ሉቃ 2፡29) እንክብል ስምዖን ነቢይ ዝገለጾ ቍሩባትውን ገጽ እግዚብሔር በቲ ምእንታና ሰብ ዝኾነ ኢየሱስ ሕጻን ርእዮም አመስጊኖም ይአኽለና ውሰደና ክብሉ ተራእዩ፣
ቅዱስነቶም በዚ ትንተና እዚ ብክርስቶስ ዝመጸ ዓቢይ ሓዲስ ነገር እቲ ተኸዊሉ ዝነበረ ገጽ እግዚአብሔር ብ ኢየሱስ ግልጺ ከምዝኾነ ማለት ከምቲ ሊቃውንቲ ሃገርና “እንዘ ስውር እምኔነ ይእዜሰ ክሱተ ኮነ” እቲ ካባና ሕቡእ ስውር ዝነበረ ሕጂ ግሁድ ኮይኑ ሕጂ ተገሊጹ እንክብሉ ወላእውን ነቲ ዘይ አምን ንኩሉ ተገሊጹ ኩሉ ክር እዮ ክ ኢሉ፣ ድሕሪ ቢሎም ኩነት ናይዚ ምስጢር እዚ ዓቢ ምዃኑን እዚ ከአ መልሲ ናይቲ አብ ልብና ዘሎ ሃረርታ ማለት ነፍሲ ወከፍ ወላ እውን እቲ ዘይአምን ንገጽ እግዚአብሔር ክርኢ ሃረር ዘይብል የሎን፣
ቅዱስነቶም ንኩሉ ብሰፊሑ ድሕሪ ተንቲኖም ናብ ጥልቅ ዝበለ አስተንትኖ ብምሕላፍ እዚ ገጽ እግዚአብሔር ክትርኢ ሃረር ምባል” እንታይ ማለት ኮን ይኸውን እንክብሉ ይሓቱ እሞ ከምዚ ክብሉ ይምልስዎ፣
“እዛ ሕቶ እዚአ አገዳሲት ኢያ፤ ብሓደ ወገን ንእግዚአብሔር ክውክል ዝክእል ነገር ስለዘየለ እግዚአብሔ እዚ ኢዩ ወይ ከምዚ ኢዩ ቢልካ ክትዛረብ ወይ ናቱ መል ክ ዕ ከቅርብ ዝኽ እል ምስሊ ወይ ስ እሊ ክትገብር አይትኽእልን፤ በቲ ካልእ ወገን ከአ እግዚአብሔር ገጽ ከምዘለዎ ማለት አብ ሰማይ ተዓጽዩ ንደቂ ሰባት ካባኡ ዝዕዘብ ርሑቅ አምላኽ ዘይኮነስ ንስኻ ኢኻ ረዳኢየይ ቢልካ ክትጽገዖን ክትልምኖን ክትዋሰኦን እትኽእል አካል ከምዝኾነ ንምልከት፣ ብርግጽ እግዚአብሔር ልዕሊ ኩሉ ኢዩ ኮይኑ ግን ገጹ ናባና ይመልስ ኢዩ፤ ይሰምዓና፤ ይርእየና፤ ይዛረበና ምሳና ኪዳን ይአቱ ከፍቅር ዝኽ እል ኢዩ፣
ታሪኽ ዕብራውያን ከስ ህላዌ እግዚአብሔር ዝረጋገጸሉ ታሪኽ ኢዩ፣ አብ ሓዲስ ኪዳን ግን እዚ ታሪኽ እዚ ጨሪሹ ሓዲስ ብዝኾነ መንገዲ ይግለጽ፣
“ገጽ እግዚአብሔር ናይ ምርአይ ባህጊ ጨሪሽካ ክትሓስቦ ብዘይትኽእል መንገዲ ሓዲስ ግልጸት ይረክብ ምኽንያቱ ከአ እቲ አብ ኦሪት ጨሪስካ ክረኤ ዘይከአል ዝነበረ ገጽ እግዚአብሔር በቲ ሰብ ዝኾነ ወልደ እግዚአብሔር ብገጽ ኢየሱስ ክረኤ ተኻኢሉ፣ እቲ አብ ኦሪት በቦና አብርሃም ዝጀመረ ጕዕዞ ተገልጾ ብክርስቶስ ይፍጸም ብ አኡ ከአ ምልአት ይረክብ ከመይ ከምቲ ካል አይ ጉባኤ ቫቲካን አብ ቃለ እግዚአብሔር ዝብል ሰነዱ ዝብሎ “እቱ ፍጹም ሓቂ ናይ እግዚአብሔርን ናይ ድኅነት ደቂ አዳምን ፍጹም ግልጸት ገይሩ ብክርስቶስ ኢዩ ዝኸሠተልና፤ ምኽንያቱ ከአ ንሱ መንጐኛን ናይ ኩሉ ምግላጽ ምልአትን ኢዩ” (ቍ 2) ይብል፣ በዚኸስ ክርስቶስ ባዕሉ ትሕዝቶ ናይቲ ተገልጾን ተገልጾ ባዕሉን ኢዩ፣ ኢየሱስ ገጽ እግዚአብሔር የርእየና ንስም እግዚአብሔር ከአ የፍልጠና፣
ፍልልይ ብሉይ ኪዳንን ሓዲስ ኪዳንን ከስ እዚ ኢዩ፤ አብ ኦሪት እግዚአብሔር ንሙሴ ገጹ ምርአይ ከልኪልዎ ስሙ እውን ወላ እንተገለጸሉ ዘይጽዋዕ ነበረ አብ ሓዲስ ኪዳን ግን ብምሥጢረ ሥጋዌ ብመንጎኝነት ኢየሱስ ክርስቶስ ዝቀረበ ገጽ እግዚአብሔር ክርኢ ከምዝኽእልን ስም እግዚአብሔር ዝጽውዕ ዘበለ ኩሉ ከምዝድኅንን ተገሊጹልና፣
“ክርስቶስ በዚ አገባብ እዚ አብ ታሪኽ ሓዲስ ም ዕራፍ ናይ ህልውና እግዚአብሔር ይኸፍት ምኽንያቱ ን አኡ ዝረአየ ን እግዚአብሔር አብ ስለዝርኢ፤ ከምቲ ቅዱስ በርናርዶስ ዝብሎ ክርስትናከስ ናይ ቃል እግዚአብሔር እምነት ኢዩ እዚ ቃል እዚ ግን ጽሑፍን ደረቅን ዘይኮነስ እቲ ሥጋ ዝኾነን ሕያውን ቃል አምላኽ ኢዩ፣
ንክርስትያን ንእግዚአብሔር ምርአይ ንክርስቶስ ብምኽታትል ይረጋገጽ፣ ክርስቶስ ከአ ብስሙ ንድኻ ንሕሙም ንጽጉም ዝረድእ ንአኡ ከምዝገበሮ ስለዝገለጸልና አብ ገጽ ነፍሲ ወከፍ ዝሳቀ ገጹ ከምዘሎ የዘኻኽረና፣
“ንእግዚአብሔር ብሓቂ ክትፈልጥ ሃረር ምባል ማለት ገጽ እግዚአብሔር ክትርኢ ባህጊ ምሕዳር አብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ወላ እውን ዘይአይምን ዝተሓትመ ኢዩ፣ ንሕናውን ከይተረደአና መን ኮን ኢዩ ከመይ ኮን ይኸውን ምሳናኻ ርክቡ እንታይ ኢዩ ቢልና ንኽንፈልጥ ንሓትት፣ ኮይኑ ግን እዚ ባህጊ እዚ ንክርስቶስ ብምስ ዓብ ኢዩ ሸቶኡ ዝወቅዕ፣ እቲ ዋና ነገር ንክርስቶስ እንከድልየና ምስ ተጸገምናን ንእሽቶይ ጊዜ ምስ ረኸብናን ጥራይ አይኮናን ክንስዕቦ ዘሎና እንታይ ደአ አብ ኩሉ መዋዕል ሕይወትና ክንስዕቦ አሎና፣ ህልውናና ኩሉ ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ ገጹ ዘቅንዐን ንአኡ ንምርካብ ዝዓለመን ክኸውን አለዎ ምስኡ ልግብ ቢሉ ከአ ነቲ ንብጻይካ ከም ርእስኻ አፍቅር ዝብል ትእዛዝ ጐይታ ማእከላይ ቦታ ክወሃቦ ይግባእ እንክብሉ ምስ አስተምህሩ ንኩሎም ነቲ ጽባሕ ዝጅምር ምእንቲ ሓድነት ክርስትያን ዝግበር ሳምንቲ ጸሎት ንእግዚአብሔር ነቲ መጠን አልቦ ኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ክሰደልና እሞ ኩሎም ተኸተልቲ ክርስቶስ ሓደ ክኾኑ አበርቲዖም ክጽልዩ ተማሕጺኖም ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.