2013-01-17 13:54:12

ሰንበት ዘናዝሬት 2005 ዓ.ም. (ጥሪ 13 2013)


መዝሙር ንጉሥኪ ጽዮን . . . . ።
ንባባት፡ ገላ 1፡1~10፥ 1ዮሕ. 4፡14~ፍ፥ ግ.ሓ. 13፡32~43፥ ሉቃስ 2፡21~40።
ምስባክ “ናሁ ሰማዕናሁ በኤፍራታ፥ ወረክብናሁ ውስተ አመ ገዳም ንበውእ እንከሰ ወስተ አብያቲሁ ለእግዚአብሔር”።
፫ይ ክፍሊ ዓመት ኢና ሒዝና ዘሎና ካብ 26 ታሕሣሥ ~25 መጋቢት ሓጋይ ይብሃል። አብ ዘመነ ሓጋይ አዋርኅ ነቕጽን ደርቅን እዩ አብኡ ዘመነ አስተርእዮን ዘመን ጾምን ይርከብ።
ካብ ሃገርና ወጻኢ እንርከብ አብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ስለ እንርከብ ገለና ከቢድ ክረምቲ ቁሪ ዝበዝሖ ከምኡ በረድን ካልእን ዝበዝሖ ነሕልፍ ንህሉ ገለ ከአ እዋን ዝናም ጥዑም ጊዜ ገለ ኸአ ብርቱዕ ሙቐት፥ እቲ ኾይኑ እቲ እዚ እዋን ልደት ክርስቶስ መድኃኒና እንዝክረሉ ቁዱስ እዋን እዩ። ብፍሉይ መንፈስን ትግሃትን ክንዝክሮ ይግባእ። አብ ሕይወትና ምስ ኢየሱስ መድኃኒና ክንራኸብ ክንበጽሖ ምስ ህያባትናን ምሉእ ፍቕርናን አብ ቅድሚኡ ክንቀርብ ዝሕግዘና እዋን ኢና ዘሎና። ንዑናይ አብ ኢየሱስ ክንብሃሃል እሞ ብምሉእ ፍቕርን ምትሕግጋዝን ክንቀርቦ። ንኢየሱስ ክንረክብ መገዱ ድለቱ ክንፈልጥ አሎና ንሱ ኸአ ብምሉእ ልብኻ/ኺ ናቱ ኮንካ ምርካብ እዩ። አብዚ አምላኽ ዝገልጸልና ነገር ንዑናይ ክንብል እዋኑ እዩ። ልብና ከፊትና ክንመጾ ብፍቕሪ ይጽበየና አሎ ስለዚ ንስምዓዮ።
ናይ ሎሚ ሰንበት “ዘናዝሬት” ተባሂሉ ይፍለጥ ካብ 5~10 ጥሪ ዘሎ እዋን ይሕዝ። አብ ናይ ዕለቱ መዝሙር ከምዚ እናበልና ንጽሊ፥ “ኦ ጽዮን ንጉሥኪ እቲ ሰማይን ምድርን ዝጽበይዎ ንውሉድ ወለዶ አባና መጺኡ፥ ንነገስታት ክብሪ ንዝግዝእዎ ብርሃን አኽሊል ንሰማዕታ ሽመት ካህናት ንቅድስት ቤተ ክርስትያን ዓምዳን ጸግዐን፥ አብ ቤተ ልሔም ተወልደ አብ ናዝሬት ተሓጸነ። አበሳና ስለ ዘይዘከሮ አይሓደገናን ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለዝኾነ ሓጎስ ኮነ”።
ኢየሱስ ክርስቶስ አብ መንጎና ከማና ስጋ ለቢሱ ስለ ዝሓደረ ሓደስቲ ፍጥረት ገሩና። አብ ቤተልሔም ተወሊዱ አብ ናዝሬት ከም ማንም ሰብ ንስድርኡ ማርያምን ዮሴፍን እናተአዘዘ ዓብዩ። ብዮሴፍን ማርያምን ኢየሱስን ዝቖመት ቤት ቅድስት ስድራ ንብላ ምኽንያቱ ብርእሱ መንጪ ቅድስና ዝኾነ አምላኽ ስጋና ለቢሱ አብአ ስለ ዝተረኽበ። አብ ላቲናዊ ስርዓት ፍሉይ ዕለት “ቅድስት ስድራ” ብዝብል ተዘኪሩ ይብዓል። ዓቢ ብዓል እዩ ስድራ ብምልኦም ብሓባር ዝጽልዩሉ ወለዲ ብደቆም ነቲ ቅኑዕ እምነትን ጠባይን ንድቆም ዝገልጹሉ ውሉዳት ፍቕርን ክብርን ንወለዶም ዝገልጹ እዩ። ስድራ ክትቅደስ እንከላ ቤተ ክርስትያን ሃገር ኩሉ ይቅደስ ኩሉ ካብ ስድራ እዩ ዝጅመር። ስርዓትና እውን ነዚ አብ ግምት ግዲ ዘእተወ ኮይኑ ድኅሪ ናይ ልደት ዘላ ሰንበት ዘናዝሬት ይብላ። አብ ናዝሬት ቅድስቲ ስድራ ብሓንሳብ ትነብር ነራ አብኡ አምላኽ ብርእሱ ከም ማን ሰብ ይዓቢ ነሩ እዚ ናይ አምላኽ አብ መንጎአ ምህላው ካብ ኩለን ስድራታት ፍልይቲ ይገብራ። ስድራ ብሓደ ልብን መንፈስ ክትጉዓዝ እንከላ መንግስተ ሰማይ እዩ ወላ እውን ጸገም ይሃሉ ይሕለፍ እዩ ፍቕሪ ልእሊ ኩሉ ስለ ዝኾነ። ወለዲ ንደቆም ውሉድ ንወለዶም ሓደ ልቢ ክኾኑ ከለዉ ሕይወት እዩ እዚ ኢና ካብ ቅድስቲ ስድራ እንምሃሮ። በዓልና ኩነታት ርክብ ስድራና ክንርኢ ይሕግዘና።
ወለዲ ጀመርቲ ስድራ ስለ ዝኾኑ ምስ ደቆም ክጽልዩ ጸጽብቑ ከስተምህርዎም ምስኦም ጊዜ ከሕልፉ ከፍቅርዎም ይግባእ። አብ ገለ እዋን ብፍላይ አቦታት ንደቆም ንሓዳሮም ዝኸውን ጊዜ የብሎምን። አብ ሓደ ዝንገር ታሪኽ ከምዚ ዝስዕብ ንሰምዕ። “ሓደ እዋን ሓደ ንእሽቶይ ቆልዓ ነብኡ ካብ ስራሕ ክአቱ ዝጽበ ዝነበረ አብኡ እትው ምስ በለ ጎዩ ተቐቢሉ ተሓቒፍዎ እሞ ከምዚ እናበለ ኸአ ሓቲትዎ አቦ አብ ስዓት ክንደይ ትኽፈል እናበለ ሓቲትዎ ይብሃል። ደኺሙ ዝነበረ አቦ ብዓይኒ ሕርቃን እና ጠመተ ስማዕ እዚ ወላ አዳኻ እውን አይትፈልጦን እያ አይትረብሸኒ ደኺመ አሎኹ ድሕሪ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ሕቶታት ከይትሓተኒ እናበለ ገኒሕዎ። ቆልዓ ቆልዓ እዩ በጃኻ አቦ ንገረኒ ኢልዎ አብ ስዓት ክንደይ ትኽፈል ኢልዎ? ደጋጊሙ ምስ ሓተቶ ወዮ አቦ ደኺሙ ስለ ዝነበረን እቲ ቆልዓ ሱቕ ክብለሉን ኢሉ “ዕስራ ዶላር” ኢልዎ። ጽቡቅ አቦ እሞ ዓሰትርተ ዶላር ተለቅሓኒዶ ኢልዎ? አቦ ሓሪቑ ተቋይቑ እና ተጻረፎ ነዚ ኢልካ ኢኻ እምብአር ክንደይ ከም ዝኽፈል ትሓተኒ ዝነበርካ ኪድ ድቅስ ድምጽኻ ክሰምዕ አይደልን እየ ኪድ ኢሉ ሰጒግዎ። ወዮ አቦ ለይቲ አብ ዓራት ኮይኑ እናሓሰበ እንከሎ ሕማቕ ገረ ነዚ ወደይ ከምዚ ዝበልክዎ ኢሉ ጉህዩ። ምናልባት እዚ ወደይስ ገለ ክገዝእ ደልዩ ይኸውን ሓቲቱኒ፥ ንአይ ዘይሓተተስ ንመን ክሓትት ነርዎ እናበለ ደጋጊሙ ሓሳባት ድቃስ ከሊእዎ አብቲ ወዱ ደቂስሉ ዝነበረ ከይዱ ደቂስካዶ አሎኻ እናበለ ሓቲትዎ? አይደቀስኩን አቦ እንታይ ደሊኻኒ ኢሉ መሊስሉ። እንካ በል እቲ ዝሓተትካኒ ገንዘብ እናበለ ሂብዎ። ነቲ ገንዘብ እናተቐበለ የቕነንየለይ አቦ ኢሉ መሊሱ ቆልዓ። ካብ ትሕቲ መተርአሱ ካልእ ገንዘብ እና አውጽኤ ኸአ ሕጂ ዝአክል ገንዘብ አሎኒ “ዕስራ ዶላር” አሎኒ ይብሎ ነብኡ። አቦ ካብ ግዜኻ ሓንቲ ሰዓት ክትሸጠለይ ትኽእልዶ እናበለ ሓቲትዎ ይብሃል”።
እዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ነዚ መልእኽቲ የመሓላልፈልና ምስ ስድራና ምስ ደቅና እኹል ጊዜ ክነሕልፍ ከም ዝግብአና ይነግረና። እዋና ምስ እትፈትዎ ዝአክል ጊዜ ክተሕልፍ ዝሕግዝ አይኮነን ብፍላይ አብዚ ሃገር እንነብር ወለዲ ምስ ደቅኹም እተሕልፍዎ ጊዜ ክንደናይ እዩ ባዕልኹም ክትምስክሩ ትኽእሉ። ደቅና መጀመርያ ዝደልይዋ ፍቕርና እምበር ገንዘብና አይኮነን። ንዋታዊ ህያብ ግዝያዊ ሓጎስ ክፈጥረሎም ይኽእል እዩ ፍቕሪ አደን አቦን ግን ብዝኾነ ክትካእ አይክአልን እዩ። ናብራ ከቢዱና ገለ ኸአ ህርፋን ገንዘብ ሒዙና ጊዜ ንስእን እሞ ንደቅና ዘድልዮም ጊዜ ከሊእና አብ ናብራ ዓለም ክንጎዪ ከይተፈለጠና ደቅና ንጎድእ አሎና። ንደቅና ሓቀኛ ፍቕሪ ከሊእናዮም ከይንህሉ ክንጥንቀቅ አሎና።
ቅድስት ስድራ አብነት ኩለን ስድራታት እያ።
ማርያም ዮሴፍን ኢየሱስን ከም ኩሎም ደቂ ዓዶም ናታቶም ጸገማት ነርዎም እዩ፥ ኩሉ ጥዒምዎም ይነብሩ ማለት አይኮነን። ካብቲ ሓደ ጸገም ወንጌል ዝሕብረና ኢየሱስ ሓደ እዋን ካብ ወለዱ ጠፊኡ አብኡን አዲኡን ካብ መገዲ ተመሊሶም ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ኮለል ድሕሪ ምባል ረኺቦሞ። ሓንቲ ወዳ ዝጠፍአ ወላዲት እትጭነቖ ኩልና ክንግምቶ ንኽእል ኢና። አዲኡ እሂድአ ወደይ እንታይ ገርናካ ምስ በለቶ ስለምንታይ ትደልዩኒ አብ ቤተ አቦይ ክኸውን ከምዘሎኒ አይትፈልጡን እንዲኹም ኢልዎም ይብለና። ምስ ረኸብዎ ምስኦም አብ ናዝሬት ተመሊሱ ይእዘዞም ነበር (ሉቃ 2፡51) ይብለና። አብዚ ንርድኦ አብ መንጎ ወለድን ደቆምን ኩሉ ጊዜ ዘየሰማምዕ አሎ እንተ ኾነ አብ መወድእታ ክተሓላለዩ ከም ዝግባእ። ኢየሱስ አምላኽ ሰብ እዩ አብዚ ዓለም ዘምጽኦ ይፈልጥ እዩ ንአና አብነት ክኾነና ግን ምስኦም ናዝሬት ከይዱ ይእዘዞም ነበረ ይብል። ሓደ ካብቲ መለልዪ ቅድስቲ ስድራ ተተሓጋገዝ ከም ዝነበረት። አብ አደ ጥራሕ ወይ አብ አቦ ጥራሕ ዝተሓድገ ሕይወት ትነብር አይነበረትን ኩሎም ብሓባር ቤቶም ይሃንጹ ነሮም። ወንጌል ክገልጽ እንከሎ ኢየሱስ የፍቅሮም ይእዘዞም ነሩ ወለዱ ኸአ ኩሉ እቲ ወላዲ ዝገብሮ ፍቕርን ሓልዮትን የርእይዎ ነሮም ይብል። ሰላም ፍቕሪ ምክብባር አብ ስድራ እዩ ዝጅመር። ኩሉ ሰናይ ግብሪ ካብ ወለድና ስድራን ስለ እንምሃሮ አብ ንእስነትና ዘሕለፍናዮ ሕይወት ንመጻኢ ሕይወትና ወሳኒ ተራ አልኦ።
ተአዝዞ ዝዓበየት ህያብ እያ አብ ህንጸት ስድራ እያ።
ዝእዘዝ እግዚአብሔር ዝሃቦ እዩ። ክንእዘዝ ከሎና ትሕትና አሎና ከምኡ ንድላይ ወለድናን ዓበይትን ክንፍጽም ከሎና ንሕጊ አምላኽ ነኽብር። ንስድራኽ ምእዛዝ ክንብል ከሎና ግና ምስ ሕጊ አምላኽ ዘይጻረር ክኸውን እንከሎ እዩ። አብ ገለ እዋን ወለዲ ንደቆም አብ ጸጋም ዝመርሑ አለዉ። አብቲ ናቶም ጸገም አትዮም ከምኦም ክኾኑ ይደልይዎም እዞም ከምዞም ዝበሉ ወለዲ ቀተልቲ ደቆም እዮም። “ንንአሽቱ ዕንቅፋት ዝህብ መጥሓን አድጊ አጺርካ አብ ባሕሪ ምጥላቑ ይሓይሽ” ይብለና። ብዝኾነ ምኽንያት ንደቅና አብ ክፉእ ንሕና ዝገበርናዮ ከይጽንበሩ ብፍላይ ካብ አምላኽ ዝፈልዮም ነገር ክኸውን እንከሎ አብ ርእስና ኩነኔ እዩ ዘምጽአልና። ውሉዳት ንምእዛዝ ወለዶም ስንድዋት ክንገብሮም አብ ኢድና እዩ። አብዚ ዓዲ ዘሎና ጸገም አሎና ዘሎናዮ ባህሊ ፍርቂ ፍርቂ ሒዝና ንርከብ አሎና አይናትና አይ ናይ እዚ ሃገር እዚ ንደቅና ይጎድኦም አሎ። አብ ደቅና ዘሎና ተገዳስነትን ክንገብሮ ዝግብአና ሓላፍነትን ክንሓስበሉ ይግባእ። ብዙሓት ቆልዑት ስአን ዝናብዮምን ዝሕብሮም ንጎደና ጥፍአት ይሕዙ ንርኢ አሎና ስለዚ እዚ ዕለት ሓላፍነትና ክንሓስበሉ የዘኻኽረና። ቀዳማይ መምህር ተአዝዞ ባዕሉ ክርስቶስ እዩ። አብ ተአዝዞ ሓጎስ ክብሪ አሎ ብኽልቲኡ አብ ተአዝዞ ዝተመስረተ ሕይወት ከሕልፍ እንከሎ መለለይኡ ሰላም እዩ።
ስድራ ንቅድስና ብሓባር ትጽዕር ክትከውን ይግባእ።
እምነት ፍቕሪ ሓቂ ኩሉ ካብ ቤትና ኢና እንወርሶ። ጥዕይቲ ስድራ ጥዑያት ቆልዑት ስድራቤት ትፈጥር። “ቆርበት ብርሑሱ ሰብ ብንኡሱ” ከምዝብሃል ኩሉ ካብ ስድራ ቤት እዩ። ሓንቲ ጀማሪት ስድራ ብቐዳምነት ክትርእዮ ዘለዋ ከመይ ገራ ስድርአ ድልዱል ርክብ ምስ አምላኽ ከምትገብር ንመንፈሳዊ ሕይወት ከመይ ገራ ከም እትከታተል እዩ። አብ እምነት ክዓብዩ ደቆም ተራ ወለዲ እዩ። እምነቱ እናፈለጠጡ ዝዓቢ ቆልዓ ጠፊኡ አይጠፍእን እዩ። ብዙሕ ጊዜ ወለዲ እምነቶም አይፈልጥዎን ወይ አይነብርዎን ደቆም ከአ ናይ ወለዶም ይሕዙ። ሓንቲ ስድራ አምላኽ ዘይፈትዎ ልምዲ ወይ ጠባይ እንተ አልአ አብ ደቃ ክተሕልፎ ቀሊል እዩ። በዚ ምኽንያት ወለዲ ቅድስቲ ስድራ ክትሃንጹ እንተ ኾንኩም መጀመርያ ንርእስኹም ምስ አምላኽ ዘለኩም ርክብ ሕሰቡ። ዘይብሉ አይህብን እዩ ክትህቡ ክህልወኩም ይግባእ። ፈተና ኩሉ ጊዜ ክህሉ እዩ እንተኾነ ካብ ፈተና ክንጥንቀቕ አሎና። ብሓንሳብ እትጽሊ ስድራ ብሓንሳብ ቃል አምላኽ እትሰምዕ ስድራ ንቅድስና ርሕቕቲ አይኮነትን። አብ ተወፋይነት አቦ ጥራሕ ወይ አደ ጥራሕ እትምስረት ስድራ ፈተናአ ከቢድ እዩ ብፍላይ ቆልዑት ካብ አምላኽ ክርሕቁ ቀሊል እዩ፥ ስድራ ንጉዕዞ ድሕነት ብሓባር ክትጉዓዝ እንከላ ዓወት አሎ። አቦን አደን ፍቕሪ ከርእዩ እንከለዉ ደቆም ከአ ይፋቐሩ አቦን አደን ንደቆም ዘንጊዖም አብ ህውከት አብ ባእሲ አብ ሕመታ አብ ክፍአት ክዝንብሉ ከለዉ ገዛ ትዓኑ ስለዚ ዓቢ መስዋዕትን ሓላፍነትን የድሊ።
መጻኢ ሕይወት ስድራ አብዚ ናይ ሎሚ ስድራ እዩ ዝምስረት።
ዝዘራእናዮ ኢና እንሓፍስ። ጽቡቕ ዝዘርአ ጹቡቅ ፍረ የእቱ ሕማቕ ዝዘርአ ከአ ከም ኢዱ ሕማቕ የእቱ። ንድሕሪት ቁልሕ ኢልና እንታይ ዘርኡ አብ ሕይወተይ ዘሪኤ ሎሚ ኸአ እንታይ እዘርእ አሎኹ እናበልና ንርእስና ክንሓትት ንርእስና ከም እንፈልጥ ይግበርና። ሰብ ከቢድዎ ዘሎ አብ ሕልንኡ ጽቡቕ ዘርኢ ስኢኑ ሓርኢ እኽሊ ኮይኑ አሎ ዘርኡ። ሎሚ መሰረት ክነንብር አሎና። ንስለ ምንባር ኢልና ክነብር አይግባእን። ንደቅና መገዲ አምላኽ ከይሓበርና ካልእ ነገራት ጥራሕ እንተ ቀረብናሎም እንታይ ጥቕሚ አልኦ። ደቅና መንፈሳዊ ቀለብ ዘውርሶም ስኢኖም ናይ ዘይተደለ ግዳያት ክኾኑ ንርኢ አሎና፥ ከምሊላ ዝምንትሎም በዚሑ ብእምነቶም አይድልዱላት ብስነ ስርዓቶም አይ ንኡዳት ኮይኖም ምናምና ዘለዉ ቅሉዕ ምስቲር እዩ። ብዙሕ ክርእይዎ ዝግብኦም ብዝተፈላለየ መገዲ ተኸዊልዎም ከይፈልጥዎ ዝዓብዩ ብዙሓት እዮም። ዝዘራእናዮ ኢና ጽባሕ እንዓጽድ። ቅኑዕ ሕብረተ ሰብ ቅኑዕ ቤተ ክርስትያን ሎሚ ኢና እንሃንጾ። ሎሚ እንታይ ንዘርእ አሎና። አብ ስድራና አብ ቤተ ክርስትያና አብ ሃገርና። ንደቅና እንታይ ነውርሶም አሎና ብሓቂ ሕልናና ክንሓትት ዝግድደና እዋን ኢና ዘሎና። ሰብ ብግዝያዊ ሃብቲ ስጋ ተመሊኹ ንሓቅን ሕውነትን ብመልክዕ ገንዘብን መንከማይ ብዝብል መንፈስ ንሕይወቱ ተኪእዎ ተጸጊሙ አሎ። ሓላፍነት ክስምዓና ይግባእ። ደቅና አብ ልቦም ፍርሃት አምላኽ ንዝርአሎም አቦይን አደይን ነዚ ጽቡቅ ምሂሮምኒ እናበሉ ንሰናይ ዝወርሱና ንግበሮም።
ስድራ በብእዋኑ ህንጸት ዘድልያ እያ።
ስድራ ኩሉ ጊዜ ምህዳስን ብዝያዳ ምቕዳስን ዘድላይ ኩሉ ጊዜ ንመንፈሳዊ ዕብየት እትጽዕር ክትከውን ይግብኣ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲቶስ መበል 16 ብ2010 አብ ባርሰሎና አብ ዓዲ እስጳኛ ሓንቲ ብቅድስ ስድራ እትስመይ ቤተ ክርስትያን ባሪኾም እዛ ቤተ ክርስትያን ክትህነጸ 100 ዓመት ወሲዱ ግና እውን እቲ ስራሕ ቀጻሊ እዩ ዘሎ። አብዚ ኩሉ ዘብጽሐ እቲ ስራሕ ብናይ እስጳኛ ሓድሕዳዊ ውግኡ አቋሪጹ ከምኡ ብሰንኪ ክልቲኡ ውግአት ዓለም አቋሪጹ ነሩ። አብ መንጎ ሓዊ ስለ ዝነደደ እቲ ዶኩመንቲ ኩሉ ነዲዱ፥ እቲ ዝጀመራ አርትተክት መይቱ. . . እዚ ኹሉ ጸገማት እንከሎ እቲ ስራሕ ይቕጽል አሎ። ወላ እኳ አይትወዳእ እምበር ካብተን ዝበለጻ ቤተ ክርስትያና ናይ ዘመና እያ። እዛ ቤተ ክርስትያን ህንጸታ ቀጻሊ እዩ። እዚ እዩ አብ ሕይወት ስድራ እንርእዮ። ናይ ስድራ ነገር ዝውዳእ አይኮነን ዝተፈላለየ መሰናኽል ዕንቅፋታት ዝገጥሞ እዩ ስለዚ ተስፋ ብዘይምቕራፍ ክቕጽል ዘልኦ እዩ። አብ ገለ እዋን ብሕመቕ ስድራ አብ ገለ እዋን ከአ ካብ ስድራ ወጻኢ ብዝኾነ ዕንቅፋታት ክህሉ እዩ ስለዚ ምስትውዓል ምጽናዕ ነቲ ዝተዋህበካ አምላኽ ሒዝካ ምቕጻሉ የድሊ።
መልክዕ ዕብየት ናይ ሓንቲ ሃገር ወይ ሕብረተ ሰብ አብቲ አብ ስድራ ዘልአ ቀዳምነት እዩ ዝምስረት። ስድራ ቤት ክትበታተን እንከላ ሃገር ክትዓኑ ቀሊል እዩ። ቆልዑት ብዘይ ስድራ ክተዕብዮም ይክአል እዩ አብ እንዳ ዘኻትም አብ ሓደ ብአለይቲ ዝዓብዩ ክትገብር ይክአል እዩ እንተ ኾነ ውጽኢቱ ዕንወት መጻኢ ተስፋ አብ ጸልማት ዘምርሕ እዩ። ስድራ ክጠፍ እንከሎ እምነት ባህሊ ኩሉ ይጠፍእ። ባህሉ ዘይብሉ ህዝቢ ከም ጨው ዘይብሉ መግቢ እዩ ከም ዝብሃል ኩሉ አብ ስድራ ቤት እዩ ዝምስረት። ነዚ አብ ግምት አእቲና ስድራ እትጥርነፈሉ ብሓደ እትኾነሉ ክንርኢ አሎና። ከም ህዝቢ መጻኢ ህላዌና አብ ስድራታት ዘሎና ክንክን እዩ ዝምስረት። መንግስቲ ንስድራ ክትክአ አይክእልን እዩ። ቅድስቲ ስድራ ክንሃንጽ ናይ ኩልና ሓላፍነት እዩ።
በዚ ብሩክ እዋን ልደት ከምታ ቅድስቲ ስድራ ብሰላም ፍቕሪ ክነብር እሞ ኦ አምላኽ ቤትና ናትካ ግበሮ ባርኸና ክንምስክረካ ጻጋኻ ዓድለና ንበሎ። ኢየሱስ ማርያም ዮሴፍ ምሳና ኩኑ እናበልና አብቲ እንገብሮ መዓልታዊ ሕይወትና ንቅድስና ስድራታ ክንጽዕር ይግባእ። አብ ኩለን ስድራታት በረኸትካ ስደድ ሓልዎም ፍቕሪ ስኒት አብ መንጎ አንጊስካ ናትካ ግበሮም እናበልና ኩሉ ጊዜ ምእንቲ ስድራታት ንጸሊ አምላኽ ከአ በረኸቱ የብዝሓልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.