2013-01-17 15:04:07

ማላዊ


RealAudioMP3 ኣብ ማላዊ ወረዳ ዞምባ ኣብ እትርከብ ከተማ ምዋምቦ ብዝወረዳ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ 641 ሥድራ ቤት ብዘይ ቤትን ንብረትን ከምዝተረፈን፣ ምህርቲ ሕርሻታቱ ኩሉ እውን በቲ ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናም ምኽንያት መሊኡ ብዝፈሰሰ ውሕጂ ፋሎምበ ተጸሪጉ ከምዝባደመን በዚ ዝወረደ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ እዚዩ ዝተጠቕዔ ኣውራጃ ዞምባን ፋሎበን ዘዳብው ካብ ቀላይ ቺላው ብሒደት ኪሎ ሜትራት ርሒቑ ዝርከብ ዞባ ሄድስ ማግሊን ካዘብወን ክኸውን እንከሎ፣ ልዕሊ 268 ሄክታር ዝግመት ዕፉን ዝተዘርኦ መሬት በቲ ዝወረደ ብርቱዕ ዝናም ከምዝባደመን፣ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ ቤቱን ንብረቱን ዝባደሞን ዝተመዛበለን ሕዝቢ ብናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበራት ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ይበጽሖ ምህላዉ እንክግለጽ፣ በቲ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ ሰለስተ ዜጋታት ማላዊ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞምን ልዕሊ 5 ሺሕ ዝግመት ሕዝቢ ብዘይ ቤትን ንብረትን ከምዝተረፈን፣ መሰረታዊ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ብሕጹጽ ንምቕራብ መንግስቲ ማላዊ ኣበርቲዑ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ይንገር።








All the contents on this site are copyrighted ©.