2013-01-17 15:01:25

መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን


RealAudioMP3 መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምኽንያት ራዲዮ ቫቲካን ብኢየሱሳውያን ማሕበር ኣባል ናይ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያንን ቲዮልጊያን ሊቅ ኣባ ዳሪዩስዝ ኮዋልዝይክ ብተኽታታሊ ታሪኽን መሰረታዊ መንቀልን ትርጉምን ውሳኔታት ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣመርኵይዞም ብተኸታታሊ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡ እንክዝከር፣ ብተመሳሳሊ መደብ ኣባ ኮዋልዝይክ ነቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘተሓሳሰቦን ኣርሒቕካ ብምስትውዓል ብቕዓቱ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክዳለው እንክብል ዝሃቦ መተሓሳሰቢ ተተግቢሩ ድሮ መበል 20 ዓመቱ ዘብዕል ዘሎ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ትምህርቲ ክርስቶስ ኣደጊፉም ኣብ መባእታ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣስተምህሮ የቕርቡ ከምዘለዉ ዝዝከር ኮይኑ፣ ቅድሚ ትማሊ ኣባ ክዋልዝይክ ነቲ ዝጀመርዎ ኣስተምህሮ፣ ኣመንቲ ኣብ ምስትውዓልን ምምሕልላፍን እምነት ዘለዎም ፍልዩ ተራ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሎም ብምቕጻል እዚ ሓሳብ’ዚ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከመይ ከምዝገልጾ እንከረድኡ፦ “ቅዱስ መጽሓፍን ቅዱስ ትውፊትን ናይ ምትርጓሙ ሓላፍነት ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣን፣ እዚ ድማ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ነቶም ምስ ቅዱስነቶም ሱታፌን ውህደተን ዘለዎም ብፁዓን ጳጳሳትን እዩ። ኰይኑ ግን እዚ ስልጣን ቤተ ክርስቲያን ትግባሬኡ ካብ ሕዝበ እግዚአብሔር ወጻኢ ዘይኰነስ፣ ብእግዚኣብሔር ዝተደልየ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ንምስትውዓል ዘብቕዕ መጋበሪያ ፍቓድ እግዚኣብሔር እዩ” ኢሎም።
እምነት ናይ ምትርጓም ሥልጣን ናይ ቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ከምይዘይኰነ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፍቕዲ 91፦ “እቲ ዝተገለጸ ሓቅታት (እምነት) ኣብ ምርዳእን ምግንዛብን ናብ ካልኦት ኣብ ምምሕልላፍን ከኣ ኩሎም ምእመናን ነናቶም እጃም ንምብርካት ይሳተፉ። ነዚ ዚምህሮምን ናብ ምልኣት-ሓቂ (ዜብጽሖምን) ዚመርሖምን መንፈስ ቅዱስ ብቕብኣት ተቐቢሎምዎ ኢዮም” እንክብልዝረድእ ከምዝኾነ ጠቒሶም ድሕሪ ምትንታን፣ ኵሉ ኣማኒ ሕዝቢ (ካብ ብፁዓን ጳጳሳትን ክሳብ እቲ ናይ መወዳእታ ዓለማዊ ምእመን) እቲ ናይ እምነት መለኰታዊ ትርጉም ወይ ድማ ቀልቢ ህያብ ወናኒ እዩ። ነዚ ናይ እምነት ትርጉምን ቀልብን ምስጋና ይዅኖ በቲ ናይ ሓቂ ቅዱስ መንፈስ ተነቓቒሑ ሕዝበ እግዚአብሔር ብጥልቂ ኣግባብ ንእምነት ብምልኣት ኣብ ዓለም ብሕይወቱ ብምግላጽ ይስዕቦ ንዝብል ሓሳብ ፍቕዲ 93 መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፦ “ሕዝቢ እግዚኣብሔር እምበኣር ብመንፈስ ሓቅን ጽድቅን ብዚጐሳጐስን በኣኡ ዚንቀሳቐስን ልባዌ-እምነት በሪሁ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ዝተቐደሰ መዝነት ስልጣነ ትምህርቲ ተመሪሑ…ነታ ሓንሳብ ንወትሩ ንቅዱሳን ዝተዋህበት…እምነት ይቕበል…፤ ነዛ እምነት’ዚኣ ብትብዓት የዓትራ ብቕኑዕን ሚዛናውን ርድኢት ይምርምራ፣ ብዝበለጸ ልምኣት ከኣ ብዕለታዊ ሕይወቱ ይነብራ” ዝብል ጠቒሶም ብምትንታን፣ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ “Dei Verbum-ቃለ እግዚኣብሔር” እተሰምየ ውሳኔ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ፍቕዲ 8 ተነቢሩ ዘሎ ሓሳብ፣ እዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ብናይ እቶም ናይ ጥልቂ መንፈሳውነት ተመክሮ ዘለዎም ኣመንቲ ቀልባዊ እምነትን ኣስተንትኖን መጽናዕትን ትዓብይ። በዚ መገዲ’ዚ ቅዱስ መንፈስ ንምእመናን ብመርሕነት ስልጣን ቤተ ክርስቲያን ናብ ናይ እምነት ምሉእ ሓቂ የቕርቦምን የላልዮምን። ኣብነት ናይዚ ናይ ልባዌ እምነት ሕዝበ እግዚኣብሔር ድማ ብሓቂ ኣቲ ኣብ 1854 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ዘይሕከኽን ዘይቕየርን ሓደ ናይ እምነት ዓንቀጽ ቢላ ዝኣወጀቶ ጽንሰታ ለማርያም እዩ። እቲ ዝተገልጸ ጥልቂ ምስጢር ናይ ማርያም ንምግንዛቡን ንምርዳኡን ብዘይ ተመክሮን ኣስተንትኖን ናይ ኣመንቲ ዚከኣል ኣይምኾነን። ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ናይቲ ብኢየሱስ ዝተገልጸ ናይ እምነት ግንዛበን ምምሕልላፉን ተኣዛዚ ምዃኑ ገሊጾም ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.