2013-01-15 14:56:48

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ብትብዓት ኣብ ኩሉ ቦታን ኩነትን ምምስካር


RealAudioMP3 ትማሊ ንጎሆ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንናይ ሃገረ ቫቲካን ሓለዋ ጸጥታ ኣባላትን ኣዘዝትን ናይ ጸጥታ ጉዳይ ኣካይድቲ ሥራሕን ኣመሓደርትን ንናይ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቫቲካንን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ነቶም ኣብ ሮማ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ነዘካይዱ መጋብያንን ከምኡ እውን ነቶም መንፍሳውያን ነጋዶ ናብ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ጸጥታን ውሕስነትን ንምርግጋጽ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ኣመስጊኖም፣ ኣብ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎትን ኣብ ዕለታዊ ኣገልግሎቶምን ፍቕሪ እግዚኣብሔር ክምስክሩን መሰረት ሕንጸት ሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራ ሰናይን ቅኑዕን ስርዓት ወሳኒ እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።
ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ቅድም ቀዳድም ንኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ሃገረ ቫቲካንን ኣዘዝቶምን ኣኽብሮትን ኣድናቖትን ገሊጾም፣ ኣብቲ ናይ ኣገልግሎቶም ኣገባብ ኣተኵይሮም ብፍላይ ድማ ኣብ መንጐ ሃገረ ኢጣሊያንን ቅድስቲ መንበር ዘሎ ርክብ ንብሉጽነቱ ዘበርክትዎ ኣስተዋጽኦ ዝነኣድ ምዃኑ ጠቒሶም፦ “መስዋዕትነት ዝተሓወሶ ኣስጋኢ ዝኾነ ኣገልግሎትኩምን ድኻምኩምን ጻዕርኹምን በቲ እጹብን ዘደንቕን ሃብቲ ወለድኹም ዘውረስኹም ንስኻትኩም ብተራኹም ንደቃትኩም ንእተራኸብዎን ከተመሓላልፍዎ ዝተዓደለኩም ጸጋ መንፍሳውነትን ክቡራት ዋጋታትን ኣብ ጽኑዕ እምነት ክርስትና ዝጸንዔ ኽኸውን እምዕደኵም” ቢሎም ኣስዒቦም እዚ እንነብሮ ዘሎና ናይ እምነት ዓመት፣ ወንጌል ብዕምቆት ኣብ ዕለታዊ ሕልናን ሕይወትን ክሰርጽ ዝዕድምን ዘተባብዕን ንምዃኑ፣ ክርስትያን ዘበለ ኩሉ ኣብ ምስክርነት ክተግህን ፍቕሪ እግዚኣብሔር ብትብዓት ኣብ ኩነትን ስፍራ ዕዮን ክምስከርን ከምኡ እውን ነቲ ዕለት 1 ጥሪ 2013 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም ተወኪሶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሃረርታ ሓቀይና ሰላም ከምዘሎን እዚ ሃረርታ’ዚ ምስቲ ሃረርታ መሉእ ሕይወትን ሓጐስን ምርግጋጽን ክዋነ ኩሉ ረብሓን ዝተኣሰሰረ ምዃኑ እንከረድኡ፦ “ስርዓት ዝዓሰሎ እዱብን እርኑብን ሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራ ንምሕናጽ ህላዌኹምን ህድኣትኩምን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ድማ መምሃራን ወንጌላዊ ሕይወት ምዃንና ዝገልጽ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ሓቀይናን ቅኑዕን ስልጣኔ ምልክት እውን እዩ” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ገሊጾም።







All the contents on this site are copyrighted ©.