2013-01-12 15:43:01

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ምትሕብባር ወርቃዊ መምርሒ እዩ
ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታት


RealAudioMP3 ጽባሕ ሰንበት ዕለት 13 ጥሪ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝዝከረሉ ዕለት ምዃኑ እንክፍልጥ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 “ስደተይና፣ ናይ እምነትን ተስፋን ነጋዲ” ብዝብል ኣርእስቲ በዛ ዕለት ምኽንያት ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ነቶም ዝበለጸን ዝተመሓየሸን መነባብሮ ኩነት ሕይወትን ነኸናድዩ ንዝስደዱ ሰናይ ምንዮቶም ብምግላጽ እቶም ስደተይናታት ዝኣትዉለን ሃገራት ናይ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ምልክት ዝኾነ እዚ ድማ ክፉት ማዕጾ ክህልወን ብምትሕስሳብ፣ ኣቀባብላ ስደተይና ከመይ ክኸውን ከምዘለዋ እንከመልክቱ፣ ዘይተገዳስነትን ሸለል ምባልን ተወጊዱ ንስደተይናን ስድራ ኣባይቲ ስደተይናን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ግምት ዝህብ ክኸውን ከምዘለዎ ምዒዶም፣ እቶም ስደተይናታት እቲ ዝሰኣንዎ ወይ ድማ ዝተነፍጎም ዘበለ ኩሉ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ምስ ሰብኣዊ ምዃን ዝተመዓራረየ መነባብሮ በቶም ዘእንግድዎም ዘገልግልዎምን ዝተፈላለዩ ናይ ሰብኣዊ ረድኤትን ናይ ሕክምናን ማሕበራት ወለንተይናታትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበራትን ብዝከኣል ዘበለ መገዲ ኩሉ ዝቐርበሎም እውን እንተኾነ ሕጂ እውን እቲ ተስፋ ተሓንጊጡ ንዝጐዓዝ ስደተይና ኣክንዲ ሰብኣዊ ርህራሄ ምቕራብ ጸረ ስደተይናን ኣመለኻኽታን ጽልእን ከጓንፎ እንከሎ ካብቲ ናይ ስደት ጽንኩር ጉዕዞ ኣዚዩ ዘሳቒ ምዃኑ ቅዱስነትም ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘመልክቱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ 2008 ዓ.ም. ዕለት 15 ግንቦት ቅዱስ ኣቦና ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበርን ኣባላትን ተቐቢሎም፦ “ማሕበረ ክርስትያን ንስደተይናታትን ተመዛበልንት ገዓዝያንን ዘቕርቦ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ብቐጻሊ ዝውከሶን ዝስዕቦን ኣብነት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብኣዊነት ከምዝኾነን፣ ንሱ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ሕይወቶም ቅርጺ ዘትሕዝሉን ዝሰርዕሉን ዝሃብዎ ወርቃዊ መምርሒ ሓድሽ ናይ ፍቕሪ ትዛዝ እዩ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።
ኣብቲ ካብ ዝተፈላለየ ጸገምን መከራን ኩነት ገዛእ ርእሱ ነኸናግፍ ኣብ ዝስደድ ሰብ ዘሎ ጾር ጎልጎታን ዘይብሩህነት ውሑስ ዝገብር እውን እንተኾነ እምነትን ተስፋን ሰኒቑ ዝጐዓዝ እዩ። ነዚ ክፍሊ ሕብረተሰብ ንምድጋፍ ብሓቂ ዓይነተይና ብሉጽ ስልጣኔ ዝሓትትን ክርስትና ነዚ ዓይነት ራእይ ዝድግፍ ምዃኑ ቅዱስነቶም ዕለት 9 ሕዳር 2009 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓልዮ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ “ስደት ናይ ሰብኣዊ ስድራ ውህደት ሓባርን ነዚ ምዃን ሰብኣዊ ስድራ ዘቃልሖ ምእንጋድን ምቕባልን ንብጻይካ ኣፍቅር ዝብል ክብሪ ጎሊሑ ክርአይ ዝዕድም እዩ። እዚ ናይ ተኻፊልካ ምንባር ሱታፌን ንኻልእ ምሕሳብ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣዚዮም ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡ ቀረባ ምዃኑ ዝብል ክብሪ’ዚ ዕለት ብዕለት ብግብሪ ክግለጽ ኣለዎ። ስለዚ እዩ ድማ ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ልባቶም ስደተይና ጸገም ወይ ድማ ጸቕጢ ዘይኮነስ ሃብቲ ምዃኑ ተኣሚኖም ንስደተይናታትን ንስድራ ኣባይቲ ስደተይናታትን ማዕጹ ልባቶም ከርህዎ እትዕድም” ከምዝበሉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር የዘኻኽር።
ስደተይና ሃብቲ እዩ ዝብል ኣመለኻኽታን ሓቅን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብዚ ናይ ለብዘበን ብምኽንያት መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ገዓዝያንን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እውን ዳግም ጠቒሶም፣ ስደተይናን ተመዛበልትን ኣብ ዝእንገዱለን ሃገራት ንናይ ሓባር ጥቅም ደገፍ ከምዝኸውንን መሰልን ክብርን ስደተይና ነቲ ናይ ውልቃዊ ነጻነትን ክብርን መሰረት እንተድኣ ኮይኑ ሃገራት ንናይ ስደተይናን ተመዛበልትን እንገዳ ዝምልከት ሕጊ ምቕራብ መሰልን ግቡእን ዝምልከት ምዃኑ እንከረድኡ፦ “እቲ ኣብ ዓለም ዝኽሰት ለውጢ ዘበለ ኩሉ ሕጹጽ ኣቃልቦ ዝሓትት ጉዳይ ኮይኑ ይርአይ ከምዘሎን፣ እዚ ኩነት’ዚ ድማ ምትሕብባር ዘነቓቕሕን ዝሓትትን ክኸውን እንከሎ ብኻልእ መዳይ ድማ ሓላፍነት ማለት እቲ ንስደት ዝድርኽ ዘበለ ኩሉ ፖለቲካዊ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ሽግራት መምዩ ንምፍታሕን ከምኡ እውን ነቶም ስደተይናታትን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት መሰረት ዝፍጸም ዘይሕጋውነትን ምስ ኣዚ ዝተተሓሓዙ ናይ ገበን ተግባራት ካብ ስሩ ንምውጋድ ዝኣመተ ስሉጥ ናይ ስደተይና ጉዳይ ሓልዮ ፖለቲካ ክረጋገጽ ዝዕድም እዩ” ከምዝበሉ ናይ ቅስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.