2013-01-03 10:44:07

ወትሩ ብእግዚአብሔር ምትእምማን! ወላውን አብ ፈታኒ እዋን፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 አብቲ ትማሊ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕልተ ሮቡ ዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዩ፣ ዘሎናዮ እዋን ዘመነ ልደት ብምዃኑ ከአ መበቈል ክርስቶስ አበይ ኮን ይኸውን ዝብል ሕቶ ብምሕታት ዝጀመርዎ አስተምህሮ ናዝራዊ ኢዩ አብ ቤተ ልሔም ተወሊዱ ኮይኑ ግን እቲ ሓቀኛ መበቆሉ እግዚአብሔር አብ ኢዩ ከመይ እቲ እንኮ ወልደ አብ ዝኾነ ክርስቶስ ካብ እግዚአብሔር ኢዩ ዚመጽ እ፤ አብዚ ዘመነ ልደት ከአ ነቲ ን ዓለምናን ንልባትናን ጐልቢቡ ንዘሎ ጸልማት ብምቅንጣጥ ተስፋን ሓጎስን ዘልብሰና ብርሃኑ ገይሩ የብርሃልና አሎ፣ ቢሎም፣
አተሓሒዞም ከአ አብዚ ዘመነ ልደት እቲ ዝ ዓበየን ዘደንቅን ምሥጢር ንዝክርን ነኽብርን ከምዘሎና ብምዝኽኻር እዚ ከአ ናይቲ ብሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ሥጋ ለቢሱ አብ ከርሲ ድንግል ማርያም ዝኃደረ ክርስቶስ ወደ እግዚአብሔር ምሥጢረ ሥጋዌ ምዃኑ ገሊጾም፣
እዚ ወግሔ ጸብሔ አብ ጸሎተ ሃይማኖት ንደግሞ ምስክርነት ምሥጢረ ሥጋዌ ወትሩ ኃዲስ ከምዘኾነን ተስፋን ሓጎስን ንልባትና ከምዝህብን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣ “እዚ ጉዳይ’ዚ ወትሩ ከምብሓዲስ ዝእውጅን ምሳኡ ከአ ንልባትና ተስፋን ሓጎስን ብምምላእ ርግጽነት ይህበና ወላ እውን ድኹማትን ድኻታትን ኰና አብ ዝስመዓናን አብ ቅድሚ ሽግርን ክፍ አትን ናይ ዓለምና ምንም ክንገብር ከምዘይንኽ እል እንክስመዓና ኃይሊ እግዚአብሔር ወትረ ይሰርሕ ኢዩ ብድኻምነትና ከአ አደነቅቲ ተአምራት ይገብር፣ ነታ አብቲ ዝ ዓበየ ግዝ አት ሮማውያን አብ ርሑቅ ዞባን ዘይትርፍለጥ ን እሽቶይ ቅሾትን ትነብር ንዝነበረት ትሕቲ ሰበይቲ ን እኖና ድንግል ማርያም ኅሪዩ፣ ብዘይ እኖና እግዚ እትነ ማርያም እቲ ናይ እግዚብሔር አብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ም እታው ክውን እንበይምኾነን፣ እንክብሉ እጃም እግዚአትነ ማርያም አብ ድሕነት ደቂ ሰባት ድሕሪ ተንቲኖም አብ ጉ ዕዞ ሕይወትን እምነትን ንዘጋጥም ነገራት ዘኪሮም ከአ ሓንሳእ ሓንሳእ አብዚ ጉ ዕዞ እዚ አብ ቅድሚ እቲ ን ዓለም ክንህቦ ዝግ በአና ምስክርነት ዘይብ ቅ ዓትናን ድኽነትናን ብምር አይ ክንጽገም ንኽ እል ኮይኑ ወላውን አብቲ ዝደቀቀ ሥራሕ በይንና ከምዘይኮና ተረዲ እና ን እግዚአብሔር ዝሰአኖ ነገር ከምዘየሎ ምዝካርን ም እማንን ከምዘድሊ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
“ወላውን ብብርቱዕ ፈተናታት ተኸቢብና አብ እንርከበሉ ጊዜ አብ እግዚአብሔር እምነት ክህልወና የድሊ፣ ነዚ እምነት’ዚ ከአ ከምቲ እኖና ድንግል ማርያም ዝገበረቶ አብ ትሕቲ ኃልዮት እግዚአብሔርን አብ ታሪኽና ብዘካይዶ ተግባርን ተሰኒና ወትሩ ክነሐድሶ የድሊ፣ ን እግዚአብሔር ዝሰአኖ ምንም ነገር የለን፣ ምሳኡ እንተ ደአ ተወሃሂድና ጉ ዕዞ ሕይወትና አብ ጽኑዕ መሬት አትሪሩ ዝረግጽን ንናይ መጻኢ ጽኑ ዕ ተስፋ ክፉትን ይኸውን፣ ጸሎተ ሃይማኖት አብ እንደግመሉ ግዜ ወትሩ ነቲ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሥራሕ ሥጋ ለቢሱ አብ ከርሲ ድንግል ማርያም ሰብ ኮነ ዝብል ንደግም፣
“ነዚ ሓረግ እዚ እንክንደግም ር እስና አትሕት አቢልና እንሰግደሉ ምኽንያት እቲ ን እግዚአብሔር ከይንር ኢ ከዊሉና ዝነበረ ጉልባብ ተቀሊዑ ነቲ ክብጻሕን ክትርደኦን ዘይከአል ምሥጢር ገሊጹልና አር እዩና እግዚአብሔር አማኑኤል ኮይኑ ማለት እግዚአብሔር ምሳና ኮይኑ፣ እምነት ኩሉ ጊዜ አባና ሓዲስ ነገር የምጽ አልና ሓዲስ ልደት ብምሃብ እንደገና ከም እንውለድ ይገብረና፣ ስለዝኾነ ከአ አብቲ ክርስትያን ክንከውን እንጅምረሉ ማለት ምሥጢረ ጥምቀት አብ እንቅበለሉ ከም ደቂ እግዚአብሔር እንደገና ብሓዲሽ እንውለደሉ ጸጋ ብነጻ ይ ዕደለና፣
“ከም እኖና ድንግል ማርያም ንሥራሕ እግዚአብሔር ልብና ምስ እንኸፍትን ከም ንሓደ ዘይጠልም ዓርኪ ገርካ እት አምኖ ብምሉእ ልብና አብ እግዚአብሔር ብምት እምማንን ጥራሕ ኢዩ ኩሉ ዝልወጥ ሕይወትና እውን ሓዲስ ትርጉምን ሓዲስ ገጽን ዝረክብ፣ እዚ ከአ እቲ ውሉድ ናይ አፍቃርን ብፍጹም ዘይሓድገና አቦ ናይ ምዃን ጸጋ ኢዩ፣ እንክብሉ ትምህርቶም ብምዝዛም ብዝተፈለለዩ ቋንቋታት ድሕሪ አመስጊኖምን ሠናይ ሓሳባት ለጊሶምን ሐዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ትምህርቶም ዛዘሙ፣







All the contents on this site are copyrighted ©.