2012-12-29 13:48:53

ናይ ቅዱስ ኣቦና 2012 ዓ.ም.፦ ብትብዓትን ብውዕዉዕ መንፈስን ዝተነብረ ዓመት


RealAudioMP3 2012 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ መክሲኮን ኩባን ሊባኖስን ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደትን ከምኡ እውን ኣብ ኢጣሊያ ኣብታ ብርእደ መሬት ዝተጠቕዔ ክፍለ ሃገር ኤሚሊያ ሮማኛ ሓዊስካ ኣርባዕተ ሓውጾተ ኖልዎ ዝፈጸምሉን ኣብ ሚላኖ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤትን ናይ እምነት ዓመት ዝኣወጅሉን ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ተማእኪሉ ንኽካይድ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ዲኖዶስን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ ትዊተር እተሰመያ ማሕበራዊ መርበብ ሱታፌኦምን ናይቲ ኢየሱስ ናዝራዊ ዘርእስቱ ብተኸታታሊ ዝደረስዎ መጽሓፎም ናይ መወዳእታ ሳልሳይ ቅጺ ድረስትን ከምኡ እውን እምነትን ስድራ ቤትን ሰላምን ብፍላይ ዘማእከለ ስልጣናዊ ኣስተምህሮኦምን መልእኽትታቶምን ዝለገስሉ፣ ነቲ ልሙድ ግልጽነት ኣሰራርሓ ሃገረ ቫቲካን ክበራታዕ ዓበይቲ ውሳኔታት ዘንበርሉ ዓመት ከምዝኾነ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻሕ እመልኪቶም።
2012 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፦ “ጽኑዕን ቆራጽን መጋቢ (ጓሳ)” ሕዝበ እግዚኣብሔርን ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ብግላዊ ደረጃ እውን ጽዑቕ ውሳኔታት ብምቕራብ ዓበይቲ ብድሆታት ንቤተ ክርስቲያን ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዘጓንፋ ዘበለ ኩሉ ክፍታሕን ክስገርን ዝመርሑን ኣብ ዓለም ለኻውን ብሔራውን ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደታቶም ናይቶም ኣብ ዙሪያኦም ዝተኣከቡ ሕዝብታት ተስፋ ዘነቓቕሑን ኣብ ወርሒ መጋቢት 2012 ዓ.ም. ናብ ክፍሊ ዓለም ላቲን ኣመሪካ ብምኻድ ኣብ መክሲኮን ኩባን ሓዋርያዊ ዑደት ፈጺሞም፣ ኣብተን ሃገራትን ብሓፈሻኡ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝርአይ ዓመጽን ምግባረ ብልሽውናን ንግድ ኣደንዛዚ እጽዋትን ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ጸረ ናይ ገበን ጉጅለታት ዘመሓላለፍዎ ቆራጽ ተቓውሞን ተነስሑን ተለወጡን ዝብል ቃሎም ጠቀሰ ኣብ መክሲኮ ዝመሓላለፍዎ መልእኽትን ኣብ ኩባ መንግስቲ’ታ ሃገር ናይ ህዳሴን ለውጥን ትብዓት ክህልዎን ኩባ ንዓለም ዓለም ንኩባ በራቱ ክኸፍት፦ “ፍቕርን ዕርቅን ሕውነት ዝዓሰሎ መገዲ ክቃናዕን ኩሉ ኣብ ጎዳና ሓቂ ክምርሽ” ዝብል ዘቕረብዎ ጻውዒትን ከምኡ እውን ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ሊባኖስ ዝፍፈጸመዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት፦ ገዛእ ርእሶም “ናይ ሰላም ነጋዲ” ቢሎም ብምግላጽ ኣብ በይሩት ምስ ክርስቲያንን ኣስላምን መንእሰያት ተራኺቦም ናይ ትብዓትን ተስፋን ቃል ከምዝለገሱ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ የዘኻኽሩ።
ንማእከላይ ምብራቕ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድሕረ ሲኖዶስ ጠቒሶም፣ ምእመናን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ብሰላም ብሓባር ክነብሩ ዝከኣል ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ግብረ ገባውን ስነ ምግባራውን ሓላፍነት ምዃኑ “ጽልእ ዘይብሉ ምክብባር ዝዓሰሎ ብሓባር፣ ናጻን ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ክሐንጽ ዝተጸውዔ እዩ እንክብሉ ከምዘረድኡን፣ እቲ ንመላእ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብመሰረት እቲ ኣብ ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲይን ብፁዓን ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቕ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ፍጻሜ “ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድሕረ ሲኖዶስ ንምልጋስ ዝፈጸምዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ምዃኑ እንክዝከር፣ ኣብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽካየድ ዝጸውዕዎ ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝዘተየ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስን ንገዛእ ርእሱ ነዚ ዓቢ ሓድሽ ብድሆ ዝምልከት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቑይሞም፦ “ህላዌ ቤተ ክርስትያን ንእስፍሆተ ወንጌል” ምዃኑ ዘነጸሩሉን፣ እብዚ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ጸጋ ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበለ ኵሉ ከገልግል ጽውዑ ምዃኑ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ናይቲ ሲኖዶስ መዕጸዊ ኣብ ዘቕረብዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፦ “ኩሉ ዘርኢ ሰብ ኢየሱስ ክርስቶስን ወንጌሉን ንኽፈልጥ መሰሉ እዩ፣ እዚ ድማ ሓድሽ ቃል ብስራት ንምእዋጅ ሕልናውን ግብእ ሓላፍነትን ናይ መላእ ክርስቲያን፣ ካህናትን ገዳማውያንን ደናግልን ዓለማውያን ምእመናንን ምዃኑ ብሓባር ተፈጻምነት ዘለዎን ዝጋጠምን ተልእኾ እዩ” ዝብል ስልጣናዊ መግለጺ ዝሃብሉ ምዃኑ ጋዜጠይና ጂሶቲ ሓቢሮም።
ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ብዝኽሪ ምጅማር መበል 50 ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ከመኡ እውን ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ድርሰት መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስቲ ዝኣወጅዎ ናይ እምነት ዓመት ዝጋጠም ምዃኑን ነዚ ዓመት እምነት፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንማርያም ንኸማዕቚቡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ኣሰር ተኸቲሎም ኣብ ኢጣሊያ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘሎሬቶ ሓዋርያዊ ንግደት ፈጺሞም፦ “ሎሚ ቤተክርስቲያን ዓመት እምነትን ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ብምቕራብ እዚ ድማ ተራ ዝኽሪ ሓደ ኩነት ንምፍጻም ዝኣመተ ዘይኮነስ ድሕሪ 50 ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሎሚ እውን ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምንባር እዩ” እንክብሉ ከምዝገለጹን ዕላማኡ ሓንትን ቅድስትን ካቶሊካዊትን ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ምድረ በዳ መንፈሳውነት ንምውጋድ ምዃኑ እንከረድኡ፦ “እዚ ናይ እምነት ዓመት ኣብቲ ናይ ህልው ዓለም ምድረ በዳ ንግደት ቢልና ከነመሳስሎን፣ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ድማ ‘ንመገሻ በትሪ ኾነ ሳንጣ እንጌራ ኾነ ገንዘብ ኣይትማልኡ እንታይ ደኣ እቲ ዘገድስ እምነት ተሓንገጡ’ (ሉቃስ 9. 3…) ዝብል ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓሰርተው ክልተ ሓዋርያት ዝሃቦም ትእዛዝ ጠቒሶም፣ ወንጌልን ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን እምነትን ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ተሓንጊጥና ክንጓዓዝ ዝዕድመና ዓመት እዩ” እንክብሉ ዕለት 11 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ንመኽፈቲ ዓመት እምነት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዝገለጹ ጂሶቲ ሓቢሮም፣ ብምኽንያት ናይ 2012 ዓ.ም. በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ምስ ናይ ካቶሊካዊት ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ዓበይቲ ላዕለዎት ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ናይ ርሑስ በዓለ ልደት መግለጺ ንምልውዋጥ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳርሽ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ንስድራ ቤት ዝዳረግ ብድሆታት ጠቒሶምን ናይ ስድራ ቤት ክቡራት ዋጋታት ንኸነድምዕ ከምዝዓደሙናን ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ከተማ ሚላኖ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ናይ መላእ ስድራ ቤት ጉባኤ ወላድን ውላድን እምነት ኣብ ምስፋሕ ዘለዎም ሓላፍነት ተንቲኖም ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ቃል ኪዳን ዘፍረሱን ዝተፋትሑን ብኣባታዊ ፍቕሪ ከምዝጥምትዎም እውን ኣረጋጊጾም፣ ዕለት 2 ሰነ 2012 ዓ.ም. ዓመታዊ በዓል ምስክርነት ምኽንያት ኣብ ዘዕረግዎ ምስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፦ “ስድራ ቤት፣ ሰብ ሓዳርን ዝተፋሑን ንኹሎም ቤተ ክርስቲያን ቀረባኦም ከምዝኾነትን ብፍላይ ድማ እቶም ሓዳሮም ዘፍረሱን ዝተፋትሑን ዋላ’ኳ ዝኣሰርዎ ምስጢረ ተክሊል ቤተ ክርስቲያን ፍቱሕ ቢላ ውሳኔ ኣይትሃበሉን ፍትሓቶም ቅቡል እዩ እውን ኣይትበሎ ካብ ምቕባል ቅዱስ ቁርባን ዝረሓቑ እውን እንተኾኑ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብምልኣት ክነብሩ ዝተጸውዑ እምበር ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ክነብሩ ኣይግባእን፣ ቤተ ክርስቲያን ቤት ኩሉ እያ” ከምዝበሉ ዘዘኻኸሩ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ገሊጾም፣ ዕለት 26 ሰነ 2012 ዓ.ም. ኣብ ሮቨረቶ ኣብ ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ዑደት ቤተ ክርስቲያን ነቶም ብዝተፈላለየ ሰብኣውን ተፈጥሮኣውን ሓደጋ ንስቓዩን ዝተጠቕዑን ቀረባ ከምዝኾነትን፣ ብፍላይ ድማ ብናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበራት ኣቢላ ምልኡን ናይ ሕንጸት ረድኤት ከምእተቕርብ ከምዘረጋገጹን ኣመልኪቶም።
ኣብ 2012 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና በቲ ዘለዎም ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ፍሉይ ስልጣም መሰረት ምቛም ናይ ላቲን ኣመሪካ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘጠቓለለ ዝኣወጅዎ ሓዋርያዊ ሕግታትን ንሸውዓተ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ከምዝኣወጁን፣ ቅዱስ ዮሓንስ ዘኣቪላን ቅድስቲ ኢደጋርዳ ዘ ቢንገን ቅዱሳት ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ቢሎም ከዝኣወጁሎምን ኣብ ወርሒ የካቲትን ከምኡ ድማ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2012 ዓ.ም. ሓደሽቲ ብፁዓን ካርዲናላት ከምዝሰየሙን፣ ዝተፈላለዩ ሓድሽ ናይ ተልእኾ ሓላፍነት ከም ዘልበሱን ንኣብነት ብፁዕ ኣቡነ ጀርሃርድ ልድዊግ ሙለር ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ንኽኾኑ ከምዝሸመይዎምን፣ ኣብ ውሽጢ ሓዋርያዊ መንበሮም ዘጓነፎም ጸገም ናይ ሓዋርያዊ ቤቶም ተሓጋጋዚ ፓውሎ ጋብሪኤለ ጉዳይን ዝተበየኖ ፍርድን ብምኽንያት በዓለ ልደት ዘእግዚኣነ ምሕረት ክግበረሉ ወሲኖምን ምእመናን መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክጽልዩ ሓደራ ዝበሉኑን፣ በቲ ዘጓነፈ ጸገም ዝጎሃዩ እውን እንተኾነ መንፈስ ክፍኣት ንቤተ እግዚኣብሔር ከምዘየናወጽ ዕለት 30 ግንቦት 2012 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህረት ክርስቶስ “ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዘጓነፈ ጸገማት ልቦም ኣዚዩ ከምዝተንከፎምን ከምዘጒሃዮምን ኮይኑ ግን ድኽመት ሰብ ፍሉጥ እውን እንተኾነ እዚ ድኻምነት ሰብ ንቤተ ክርስቲያን ዘናውጽን ዝዓብጥን ኣይኮነን፣ … ቤተ ክርስቲያን ዝመርሓ መንፈስ ቅዱስን ጎይታ ባዕሉ እዩ። ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ ደገፍ ጎይታ ቀረባና ኢዩ” ከምዝበሉን፣ እቲ IOR እተሰምየ ናይ ግብረ ሃይማኖት ሓልዮ ተቛም ሃገረ ቫቲካን ኣሰራርሓኡ ትብዓትን ግልጽነት ዝዓሰሎ ምዃኑን ኣብዚ መለለይኡ’ዚ ክተባባዕ” ከምዝገበሩን በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ናይ ኤወሮጳ ምንቅስቃስ ሃብቲ ገንዘብ ዝቆጻጻር ስልጣን ኣሰራርሓ ናይ ሃገረ ቫቲካን ተቛም ሓልዮ ግብረ ሃይማኖት ዝነኣድ እዩ እንክብል እወታዊ ርእይቶ ከምዝሃበሉን፣ ኣብ መላእ መበል ሻብዓይ ዓመት ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣኖን ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳንን ስልጣናዊ ትምህርቶምን ስብከታትን ርክባትን ወንጌል ናብ ኩሉ ብኹለ መዳይ ምስፋሕ ዝብል ዕላማ ዘቃልሕን ዕለት 12 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም. ናይቲ ትዊተር ተባሂሉ ዝልለይ ናይ ማሕበራዊ መርበብ ተጠቃሚ ብምዃን እቲ ናቶም ውልቃዊ እጦማር ብሸሞንተ ዓበይቲ ቋንቋታት ተተርጒይሙ ዝቐርብ እውን ከምዝኾነን፣ ኣድራሻኦም ድማ @Pontifex እተሰምየ ክኸውን እንከሎ ኣብ መወዳእታ ኣብዚ 2012 ዓ.ም. ናይቲ ኢየሱስ ናዝራዊ ዘርእስቱ ተኸታታሉ መጽሓፎም ናይ መወዳእታ ሳልሳይ ቅጺ ደሪሶም ንሕትመት ከምዘብቅዑን ኣብ ኩለን ሓገራት ከምእተባጽሔን ንኣማንያንን ኢኣማንያንን ዝዛረብ መጽሓፍ ከምዝኾነ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ሓቢሮም ዘቕረብዎ ጸብጻብ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.