2012-12-27 15:03:53

እሙናትን ተባዓትን መሰኻኽር ክርስቶስ ምዃን የድሊ፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ፍርቂ መዓልቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝኽሪ ቀዳሜ ሰማዕት ቅዱስ እስጢፋኖስ አብ ዝተገብረ በዓል ምስ ነጋድያንን ምእመናን ሮማን ከባቢአን ጸሎተ መል አከ እግዚአብሔር አብ ዝደገሙሉን ሓዋርያዊ ቡራኬን አብ ዝሃቡሉ ጊዜ አብ ዝሃብዎ አስተምህሮ ኢዩ፣
ብሥር ዓተ አምልኾ ላቲን በዓል ቅዱስ እስጢፋኖስ ቀዳሜ ሰማዕት አብ ጽባሕ ልደት ኢዩ ዚዝከር፣ አብነት ቅዱስ እስጢፍኖስ ብምኽታል እሙናትን ተባዓትን መሰኻኽር ክርስቶስ ንክንከውን ከአ ቅዱስነቶም አብቲ ዝሃብዎ አስተምህሮ ተማሕጺኖም፣
ቅዱስ እስጢፋኖስ ቀዳማይ ሰማዕት ጸጋ ዝመልኦ ብ አገልግሎት ዲቍና ካብቶም ቀዳሞት እሙናት ብምዃን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ከምዝሰርሐን ከምዝተዛረበን አብ መወዳእታ እውን ነቲ ዝለ ዓለ መሥዋዕቲ ሕይወት ብምኽፋል ንፍቅሪ ክርስቶስ ከምዝመስከረ ግብረ ሐዋርያት ይትንትን፣ ቅዱስነቶም ንሰማዕትነትን ምስክርነትን ብሓፈሻ ንናይ ቅዱስ እስጢፋኖስ ከአ ብፍላይ አብ ዝዘከረሉ፤ ከምቲ ክርስቶስ አብ ወንጌለ ማቴዎስ 10 ነቶም ንአኡ ዝኽተሉ ዝወርዶም መከራን ስደትን ጭንቅን ዝገለጾ ኮይኑ እቲ እሙን ጐይታ በይኖም ከምዘይገድፎም ብምምልካ “አብቲ ግዜቲ ኃይሊ ክወሃበኩም ኢዩ እቲ ዝምስክር ንስኹም አይኮንኩምን እንታይ ደአ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ” እንክብል ከምዘተስፍዎ ቅዱስ እስጢፋኖስ እውን ብመንፈስ ቅዱስ መዓዛ ረኺቡ ብዘደንቅ መንገዲ ንክርስቶስ ክመስልን ሕማማቱን ክካፈልን ይ ረኤ፣ ከምቲ ጐይታ ነቶም ዝሰቀልዎ አቦ ዝገብርዎ አይፈልጡን ኢዮም እሞ ይቅረ በለሎም ዝበሎ ቅዱስ እስጢፋኖስ እውን “ኦ ጐይታ ነዙይ ሓጢአት አይትቍጸረሎም” እናበለ ኢዩ ዓሪፉ፣ በዚ ከአ ቅዱስነቶም አብነት ቅዱስ እስጢፋኖስ ክንክተል ከምዚ እናበሉ ዓዲሞም፣
“ከምቲ ቅዱስ እስጢፋኖስ ዝገበሮ ብክርስቶስ ክትሰሓብ ምፍቃድ ነቲ ዝጽው ዓካ ዘሎ ብርሃን ልባኻን አ እምሮኻን ምኽፋት ማለት ኢዩ፣ እዚ ብርሃን እዚ ከአ ናብቲ ብናይ እግዚአብሔር ፍቅሪ ዝተነድፈ መደብ ድሕነት ዝኾነ ሠናይ መንገዱ ገጹ ክመርሓካን ከሰንየካን ኢዩ፣ ቅዱስ እስጢፍኖስ ነቶም አብዚ ግዜና አብ አገልግሎት ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ክጽመዱ ንዝወሰኑ ዓቢይ አብነት ኢዩ፣ ቅዱስ እስጢፋኖስ ነዞም ሰባት እዚኦም ስብከተ ወንጌል እንታይ ምዃኑ ብተግባር አርእይዎም ኢዩ፣ ርግጽ ዝተፈላለየ ሜላን ምህዞታትን ጠቃሚ ኢዩ እንተኾነ ግን ናብ ስበክተ ወንጌል ክትወፍር እንከሎኻ ብመንፈስ ቅዱስ ምሉእ ምዃንን ብአኡ ክትምራሕ ምውሳንን ቀንዲ ረቋሒ ስብከተ ወንጌል ምዃኑ ኢዩ፣ ስለዚ ሕዳሴ ስብከተ ወንጌል ብቀዳምነት መጠን ክንደይ አብ ምስጢረ ክርስቶስ ጠሊቅካ ከምዘሎኻ ንቃል አምላኽ መጠን ክንደይ አስተንቲንካ ምሳኻ ከምዘወሃሃድካዮ ኢዩ ዚምዘን፣
ብሓጺሩ ስብከተ ወንጌል ብቍዕ መጋበሪ ናይ ንክርስቶስ ናብ ካልኦት ምብጻሕ ክኸውን ዝኽ እል ብክርስቶስ እትነብር እንተኾንካ እቲ ሕዳሴ ስብከተ ወንጌል ብቀዳምነት አባኻ ዘንጸባርቅ እንተኾይኑ ኢዩ፣ ድሕሪ ቢሎም ኩልና ናብ ማርያም ክንልምን ከምዚ ክብሉ አዘኻኪሮም፤ አብዚ ዓመት እምነት ቤተ ክርስትያን ከም ቅዱስ እስጢፋኖስ እሙናትን ተባዕትን መሳኻኽር ጐይታ ኢየሱስ ክኾኑ ዝኽእሉ ደቂ አንድስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብብዝሒ ምእንቲ ክትረክብ ንእኖና ድንግል ማርያም ንለምን ድሕሪ ቢሎም ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ደገሙ፣ ንኩሎም በዝተፍላለየ ቋንቋታት አምሂሮምን አመስጊኖምን ሐዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ተሰናበትዎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.