2012-12-27 14:16:42

ኣመክንዮ እምነት ኣብ ዓለማዊነት ዘመን


RealAudioMP3 ናይ ኢጣሊያ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ብሔራዊ ማሕበር ኣብ ከተማ ሮማ ክሳብ ዕለት 29 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም. ዝቕጽል ናይ እምነት ኣመክንዮ ኣብቲ ዓለማዊነት (ስነ ምግባርን ትምህርትን ኣብ ሃይማኖት ኪምርኰስ የብሉን) ዝብል ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ ዓለም ርእሰ ጉዳይ ዝገበረ መላእ ናይ ቲዮሎጊያ መምሃራን ኣብ ኢጣሊያ ዝዓደመ ዓውደ መጽናዕቲ ዕለት 27 ታሕሳስ 2012 ከምእተኸፍተ ነቲ ጉባኤ ዝከታተላ ዘለዋ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።
ናይቲ ናይ ኢጣሊያ ማኅበር ቲዮሎጊያውያን ዋና ጸሓፊ ፕሮፈሰር ኣባ ሪካርዶ ባቶኪዮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገርዎ ቃለ ምልልስ፣ እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ብዓለማዊነት ባህሊ ዝተዓብለለ ከምዝኾነን ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓለም ሃይማኖትን እምነትን ምስትውዓል ዝሓትት ምርጫ ክኸውን ኣለዎ። ብርግጽ እምነት ናይ ውልቂ ምርጫ ክበሃል እንከሎ ጸጋ ምዃኑ እውን ምዝንጋዕ ኣይግባእን። ስለዚህ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነት ቲዮሊጊያን ዝተገልጸ ቃልን ማለት ትስብእትን ኣብዚ ዓለማዊነት ኣብ ዝዓበለሎ ዓለም ከመይ ገርካ ምቕራብን ምብሳርን ምክፋልን ንዝብል ሕቶ ስነ ሜላዊ መልሲ ዘቕርብ ዓወደ መጽናዕቲ እዩ።
ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ሓቅነት እምነት ብምዝርዛር ምቕራብ ዘይኮነስ እምነት ምንባርን ምስዓብን ዘለዎ ኣመክንዮ ምቕራብ እዩ። ቲዮሎጊያ ኣብ መንጎ እንነብሮ እምነትን ቅዱስ መጽሓፍን ግልጸትን ሰብኣዊ ናጽነትን እምነት ብዛዕባ ሰብ ዘነጽርን፣ መንነት ሰብ ዝገለጽን እዩ፣ ምስ ታሪኽን ኩነት ሰብን ዝዝትን ስለ ምንታይ እምነት (ንምእማን) ኣመክንዮ ምቕራብን፣ እምነት መሰረት ነጻነት ሰብ ዘነጽር እምበር ነጻነት ዝጻረር ከምዘይኮነ ዝትንትን እዩ ቢሎም፣ እቲ ዝካየድ ዓወደ መጽናዕቲ እዚ እዋናዊ ዓለም ሰብ ገዛእ ርእሱ ካብ ገዛእ ርእሱ ብጋሴ ንምግላጽ ዝብል ኮይኑ ርእሰ ምውናንን ምሕደራን ጽግዕተይና ዘይምዃን ቢሉ ብምትርጓም እምነት ነዚ ትርጉም ዝጻረር ገይሩ እዩ ዝግም። ስለዚህ ቲዮሎጊያ ናብቲ ሰብ ናይ ምዃንካ ኣናስር ዝመርሕ ጥበብ እዩ። እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ነዚ ብዝተፈላለየ መገዲ ዘነጽር እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.