2012-12-27 14:22:36

ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማይ፦ ስስዔን ኣኽራርነትን ስግኣት ንማሕበራዊ ናብራ


RealAudioMP3 ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማይ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓለ ልደት ዝእግዚእነ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ኣኽራርነትን ስስዔን ዘራግን ስግኣት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ እዩ ከምዝበሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት እንከመልክት፣ ኣብ ዓለም ዝርአይ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭትን ዓመጽን ንገዛእ ርእሱ ኤክኖሚያዊ ባህርይ ዘለዎን ንምውናን መኽሰብ እምበር ሰብኣውነት ዘየገድሶ ኤኮኖሚያዊ ፖለቲካ ጥንሰ ሓሳብ ሃብቲ ዓለም ብውሑዳት ክውነን ዝድርኽን ብዙሃን ሕዝቢ ዓለም ኣብ ድኽነትን ናብ ድኽነት ዘውድቕ እዩ። እዚ ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ መሰረት ፍልልይ መነባብሮን ናብራን ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ኣብ ውሑዳት ኢድ ዘእትው ኢፍትሓውነት ምዃኑ ሓቢሮም፣ እዚ ድማ ግብረ ገባውን ስነ ምግባራውን ቅልውላው ዝገለጽ እዩ ከምዝበሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ናጻ ዕዳጋ ዝብል ኣመለኻኽታ ዝስብዕ ከይዲ ኤኮኖሚ ንብዙሓት ካብ መሰል ተጠቃምነት ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ዝንጽል ጥራሕ ዘይኮነ ሰላምን ሰላማዊ ማኅበራዊ ናብራ ዝህውኽ እዩ። ነዚ ከም ገበን ዝርእይ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ዘሎ እውን እንተዘይኮነ እዚ ዓይነት ከይዲ ኤኮኖሚ ኣብ ልዕሊ ሰብ ብዙሕ ስቓይ የስዕብ ከምዘሎ እውን ገሊጾም፣ በዓለ ልደት ዘእግዚእን ዓድሽ ዓመትን ቅዱስ መጽሓፍ ዘስተምህሮን ቅዱሳት ኣበው ቤተ ክርስቲያን ዘስተምሃርዎን ሰብኣዊ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ምትሕስሳብን ናብ ሰላም ዝመርሕ ጎዳና ክንስዕብ ጎይታ ይደግፈና። ኩሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይ ነዚ ትምህርቲ ብምስዓብ እቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው መፍትሒኡ ምትሕብባርን ምትሕስሳብን ምዃኑ ተኣሚኖም ኣብዚ መገዲ ክጓዕዙ ከምዘተሓሳሰቡ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.