2012-12-23 19:16:36

ሰንበት ዘብርሃን 2005 ዓ.ም. (12/23/2012)


መዝሙር፡ አቅዲሙ ነገረ በኦሪት ከመ ይመጽእ ወልድ በስብሓት. . . . ።
ንባባት፡ ፍሊጲስዩስ 1፡4~11፥ 2ጴጥ 3፡8~14፥ ግ.ሓ. 26፡12~19 ሉቃስ 3፡1~6
ምስባክ፡ ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ፥ እማንቱ ይምርሓኒ ወይሰዳኒ ደብረ መቅደስከ፥ ወውስተ አብያቲኪ እግዚኦ። “ ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ ንሳተን ይምርሓኒ፥ ናብ ጽዮን ናብታ ቅድስት እምባኻን ናብታ ማኅደሪኻ ዝኾነት ቤት መቕደስን የብጽሓኒ” መዝ. 43፡3~4
ብርሃን አምላኽ አብ መገዱ አብ ቤተ መቕደሱ ከብጽሓና ንልምን። አብ አምላኽ ገጹ ዝወስድ መገዲ ክንሕዝ ከሎና አብ መገድና ብርሃን አሎ ከይንዕንቀፍን ከምኡ መገዲ ከይጠፍአና ንሱ ብጸጋኡን ብርሃኑን ምሳና አሎ። ብርሃና አብሪህና አብ ምንጪ ብርሃን አምላኽ ገጽና ክንጉዓዝ ዝሕግዘና ስብከት።
መዝሙር፡ “ወልድ ንጽዮን ቃል ተሓጓስ ኬስምዕ ከም ዝመጽእ ቀደም ብኦሪት ተናገረ፥ እንደገና ከአ ብአፍ ዳዊት እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ ተባህለ፥ ንሱ ንጻድቃን ዘብርህ ናብ ዓለም ዝመጽእ ብርሃን እዩ፥ ንዝጠፍኤ ኪረድእ ንዝተበትኑ ኪእክብ ንቤተ ክርስትያን መርዓዊአ ኰይኑ ናብአ መጸ” ይብል።
ካልኣይ ሶምን ናይ ምጽአት ንጅምር አሎና። እዚ ሰንበት ዘብርሃን ንብሎ። ኢየሱስ አነ ብርሃን ዓለም እየ ይብለና። ካብ ብርሃኑ ተኻፊልና ክንርኢ ይደልየና። ሎሚ ክርኢ እደሊ አሎኹ እናበልና አብቲ ሓቀኛ ብርሃን እሞ ልብና ሕልናና ሕይወትና አብ ቅድሚ አምላኽ ክንርእየሉ እንኽእል ጸጋ ክዕድለና ክንልምኖ ይግባእ። አብ ሕልናና ብርሃን አትዩ ንሓጢአትና ክንርኢ አብ ጸጋ አምላኽ ክነብር ፍቓደኛታት እንኾነሉ ጊዜ እዩ። አብ ዓለም ምርአይ ጥራሕ እኹል አይኮነን ነቲ እትርእዮ ክትፈልጦ ጥቕሙ ክተለሊ እሞ ክፍሊ ሕይወትካ ገርካ ምንባር የድሊ።
ሰንበት ዘብርሃን ነብቲ ምንጪ ብርሃን ዝኾነ አምላኽ ክንቀርብ እሞ ነቲ ንሱ ዝህበናን ዝገብረልናን ርኢና ክንክእል ብፍላይ ልደት ንሓዲስ መገዲ ክንሕዝ ክንርኢ የድለየና። ቅዱስ ዮሓንስ ንሰባት ብርሃን ርእዮም ክኽእሉ ኢሉ ተነስሑ ሕይወትኩም ቀይሩ ንአምላኽ ቅረብዎ እናበለ ንሰባት አብ ክርስቶስ የቕርቦም ነሩ። ነቶም ቀዳሞት አርድእቱ አብ ኢየሱስ ከም ዝሳገሩ ገሩ “እንሆ ገንሸል አምላኽ” እናበለ ንኢየሱስ ከም ዝስዕቡ ገሩ፥ ሎሚ እውን ንነስወከፍና ነቲ ብርሃን ዝኾነ ክርስቶስ ክንስዕቦ ክንቅበሎ ይሕብረና አሎ።
ናይ ሎሚ ንባባትና አምላኽ አብ ልብና አብ ነፍስናን አትዩ ክሰርሕ ክቕይረና ከም ዝደሊ ይነግረና። ዘሎናዮ ሕይወት እንተ ረኤና ዓለምና ብክትርድኦ ጽንኩር ነገራት መሊአ ንርኢ። ብዙሕ ጽቡቕን ዘደንቕን ነገራት ንሕይወት ሰብ ምልአት ዝህቡ ሰላም ዝህቡ፥ ናብ አምላኽ ዝመልሱ ነገራት ንርኢ ብአንጻሩ ኸአ ዓለም ገና ብዙሕ ጎደሎ ከምዝኾነት እሞ ሰብ አብ ስቓይን ስክፍታን ከምዝነብር ዝገብሩ መሊእዋ ንርኢ።
ነዛ ክልቲኡ ብሓባር ሒዛ እትርከብ ዓለምና አብ ሓዲኡ ከምእትወድቕ እንገብራ ንሕና ኢና። ለባውያን ፍጥረት ገሩ ስለ ዝፈጠረና ንጽቡቅ ወይ ንኽፉእ ክንመርጽ ነጻነት አሎና። ሎሚ ከም ተኸተልቲ ክርስቶስ ነዛ ንጽጋም ጥራሕ እትጥምት ዘላ ዓለም ሓደስቲ ሓዋርያት ኮና ናብቲ ሓቀኛ መልክዓ ክንመልሳ ብርሃን ክርስቶስ ከም እትቕበል ክንገብር ናታትና እጃም እዩ። አምላኽ ነዛ ዘበላሾኽምዋ ዓለም አብ ንቡር ምለስዋ ይብለና አሎ።
አብ ባሮክ 5፡5~7 ዘሎ እንተ አንበብና ‘ ኦ ኢየሩሳሌም ተንሥኢ አብ ርእሲ እቲ እምባ ቑሚ፥ ናብ ምብራቕ አቢልኪ ጠምቲ ደቕኺ ብትእዛዝ እቲ ቅዱስ ካብ ምብራቕን ምዕራብን ተአኪቦም አምላኽ ስለ ዝዘከሮም ይሕጎሱ አለዉ። ዓበይቲ እምባታትን ኲርባታትን ትሕት ኪብሉ እዚ ለሴታት ማዕረ እቲ ጎላጕል ኪመልእ እቲ ምድሪውን ሰጥ ኪብል አዚዙ አሎ” እናበለ ነቲ ብአምላኽ ዝውሃብ ጸጋ ርእዮም ክኽእሉ ይነግሮም። ኩሉ ሰብ አብ አምላኽ እንተ ተመልሰ እዚ ኹሉ ኽኸውን እዩ። እዋናት ልደት ዘምጽኦ ጸጋታትን ተሓድሶን ክነስተማቕር ግቡእ እዩ። ለውጢ ክመጽእ እንተኾይኑ ኩልና ንተሓድሶ ስንድዋት ክንከውን አሎና። ክሕደስ ዝደሊ ድኽመቱ ርእዩ ዝኸአለ እዩ።
ኩሉ ንእምነትና ዝርኢ ነገራት አብቲ እንደልዮ እዩ አብቲ አምላኽ ዝደልዮ አይኮነን ዝምስረት። አምላኽ ዝደልዮ ቀደም ሂቡና እዩ። ሓዲስ ድለት አምላኽ የለን ድሮ ገሊጹልና አብ ማእከልና አሎ። ዘድሊ ዘሎ ናታትና ድለት፥ አብቲ ክንገብሮ እንኽእል ክንገብር እምበር ዘይክአል ክንገብሮ ከቢድ አይኮነንን ዝሓተና ዘሎ። ድለት ሰብ ንአምላኽ ከምዝሰምዕ ይገብሮ። አብ ወንጌል ዝተፈላለየ ጸገም ዘልኦም አብ ኢየሱስ ቀሪቦም ድላዮም ይሓትዎ ከምዝነበሩ ንስኹ ኸአ እንታይ ክገብረልካ/ኪ ትደሊ እናበለ ይሓቶም ነሩ ገሎኦም ክርኢ እደሊ ገሎኦም ክሓዊ እደሊ እናበሉ ድለቶም ይነግርዎ ነሮም። ካብ ልቢ ዝነቐለ ሓቀኛ ድለት ካብ ድላይ አምላኽ አይፈልየናን እዩ።
ንሓደ ነገር ክኸውን ይኽእል እዩ ኢልና እንተ ሓሰብና ብሓቂ ክግብር ይክኣል እዩ፥ አይክአልን እዩ ኢልና እንተ ሓሰብናዮ አይግበርን እዩ። ንስሓን ምቕያርን ናይ ስነአእምሮ ለውጢ እዩ ማለት አብ ሓሳብካ አብ መንፈስከ እትገብሮ እዩ፥ እቲ ብዓይኒ ሰብ ዘይክአል ኮይኑ ዝርአ ብናይ አምላኽ ዓይኒ ይክአል እዩ።
ዮሓንስ አብ ምድረ ይሁዳ ናይ ጥምቀት ንስሓ እናሰበኸ ንሳባት አብ ሕድገት ኃጢአት ይምርሖም ነሩ፥ ተሰናደዉ መገዲ አምላኽ ጽረጉ፥ ቅኑዕ መገዲ አሰናድዉ እናበለ ይሰብኽ ነሩ። ስብከት ዮሓንስ ዝሰምኡ ኩሎም ነቲ አብ ሕይወቶም ዝርአዮም ዝነበረ ሸናጥሮ ብናይ ተስፋ ብርሃን ይመልእዎ ነሮም። ነዚ ሰሚዖም ዝተነስሑ ኩሎም እምነቶም ነቲ ከም ጎቦታት ኮይኑ ዘይክአል ዝመስል ዝነበረ ክአልዩ ክኢሎም። ብክፍአት ተበላሽዩ ዝነበረ ሕይወት ትኽክብል ጀሚሩ፥ ሓርፋፍ ሕይወት ዝነብሩ ዝነበሩ ኩሎም ሰናይ ሰላማዊ ሕይወት ክነብሩ ክኢሎም።
አብ ሕይወትና ዓንቃጺ ጎቦታት ኩሉ ጊዜ ምስ ደኮና ኢና። ሰናይ ክንገብር ንመገዲ አምላኽ ክንሕዝ ይኸብደና። ብዙሓት ጸሎት ክገብሩ ቅዳሴ ክሰምዑ ዝኸብዶም ንአምላኽ ከይዘከሩ ዝነብሩ አለዉ። እዚ ባዕልና ዝመሃዝናዮ ዓንቃጺ ነገራት ካብ አምላኽ ፈልዩ ንመገዲ ጥፍአት ሒዝና ክንጉዓዝ ይደፍአና። መገዲ ጥፍአት ምስ ሓዝና ንንስሓ ንአቢ ሕይወትና ክንቅይር ይኸብደና ዓመት መጽአ አብቲ አረጊት ሕይወትና ክነብር ንመርጽ፥ ሎሚ እምብአር አምላኽ ነዚ ከምዚ ዝበለ ድኹም ሕይወትና አሸኒፍና ንጸጋ አምላኽ ክንለብስ ሓዲስ መንፈስን አትሓሳስባን ክንሕዝ ንሕተት አሎና።
ድለት አብ እምነት ወሳኒ መፍትሕ እዩ። ኩሉ ነገር ክትደልዮ አሎኻ፥ ናይ ምምራጽ ግብሪ እዩ፥ ከም ፍቕሪ እዩ። ፍቕሪ ሓደ ክትገብሮ እትመርጾ እዩ። ምፍታው አብ ስምዒት ዝስምዓካ እዩ። እምነትን ንጎይታ ምድላይን ክትገብሮ ኢልካ እትመርጾ እዩ። ሃይማኖታዊ ምዃን ዝስምዓካ ነገር እዩ ንሃይማኖት አብ ግብሪ ክትነብሮ ኸአ ካልእ እዩ።
ዓለምና ብጽልግልግ ዝብል ነገራትን መሊኣ አብ ሕይወትና ክአቱ እሞ ካብ መገዲ ሓቂ ከውጽእ ዝደፋፍእ ዝመልአት እያ። ሰባት አብ ስምዒቶም አብ ሓደ ዘይክአል ነገር ዝበጽሑ አብቲ ቀደም ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ጽቡቕ ነገር ክምለሱ ኩሉ ዕድላት ዝተወድአ ገሮም ይሓስቡ። ሓቂ ይግዛእን ይሽየጥን፥ አብቲ ናይ ገዛእ ርእስና ነጻነት ምሩኻት ኮና ንነብር፥ ድኹማትን ዓቕሚ ዘይብሎምን ኮይና ይስምዓና። አብ ከምዚ ኩነታት ኮለና እዩ ሓደ አብ በረኻ ኾይኑ ዝጽውዓና። አብ አምላኽ ጠምት እዚ ዘይክአል ዘይቅየር ኮይኑ ዝርአየካ አብ ቅድሚ አምላኽ ክቕየር ይክአል እዩ። ስምዒታትካን ናይ ሰባት ስምዒትን ክቕየር ይክአል እዩ። ዝበለጸ ዓለም ክትገብር ይክአል እዩ። ናይ ተስፋ ቁርጸት ሸናጥሮ ክምላእ ይክአል እዩ። ከም እምባ አብ ሕይወትና ተተኺሎም ዘለዉ ናይ ሃብትን ናይ ዓለም ነገራትን ኩሎም ምሉእ እምነት እንተ ገብረና ክቕየሩ ይክአል እዩ። ሕማቕን ብልሽውን ሕይወት ክቕየር ይክአል እዩ። ዘይዕረ ሕማቕን ዘሕፍር ሕይወት ክቕየር ይክአል እዩ፥ ዘይቅየር ነገር የለን። ድኹም ሓይሊ ብዘይደክም ሓይሊ ክትካእ ይክአል እዩ። እዚ ኹሉ አብ ድላይ ወዲ ሰብ እምበር አብቲ ዘርእዮ ጠባይ ዝምስረት አይኮነን።
ምንሳሕን ምጽጻትን ናይ አእምሮና ውሳኔ እዩ። ነጻ ምርጫ ኮይኖም ብምሉእ ድለት ዝግበሩ እዮም። ብስምዒት ጥራሕ ተደፊእካ ወይ ናይ እምነት ምድንጋጽ ሃልዩካ ዝመጹ አይኮኑን። ከባቢኻን ዘሎናዮ ኩነታት ተንኪፉካ ዝግበር አይኮነን አብ ሕልናኻን ምሉእ ነጻነት ለቢስካ ንድለትካ አብቲ ድለት አምላኽ ክትመልሱ ኢልካ እትውስኖ እዩ። እዚ ኽኸውን እንከሎ ውጽኢቱ አብ ቤት አምላኽ መሊሱካ ወዲ ቤትኮንካ መንፈስ ወዲ ቤት ትለብስ።
አብ ብሕቱው ቤት አምላኽ አቲና ንንስሓን ጸጸትን ክንገብር አብ ሓቀኛ ሕይወት ክንአቱ እሞ ናይ ብሓቂ ንብሕትና ምስ አምላክ ክንዛረብ እሞ ዕለታዊ ሕይወትና ዝሓልፎ ኩሉ ርኢና ሕይወትና ክንፈርድ። አብዚ ግዳማዊ መልክዕና ቀንጢጥና ናይ ብሓቂ ሕይወትና ክንለብስ። ዮሓንስ መጥምቕ ሰባት አብ ከምዚ ሕይወት ክምለሱ እዩ ዝሰብኽ ዝነበረ።
ንሕይወትና ብናይ ሓሶት መንፈስ አልቢስና ከይንህሉ ሎሚ ርእስና ክንርኢ ንሕተት አሎና። ሎሚ አጸጊሙ ዘሎ መንፈስ ክርስትና ዝለበሱ ዝመስሉ ግን ካብ መገዲ አምላኽ ዝርሓቑ ገለ መሲልዎም ንሕይወቶም ክርእዩ ዘይከአሉ ገለ ኸአ ብኽፍአት ብሰይጣን ተሸኒፎም ንአምላኽን ሕጉን ርሒቕዎም ዝነብሩ ውሑዳት አይኮኑን። ቤተ ክርስትያን ሎሚ ንኹሎም ደቃ መንፈስ ክርስቶስ ክለብሱ ክንስሑ ሕይወቶም ኽቕይሩ ሓደራ ትብል አላ። አብ መንበር ኑዛዜ አቲና ንስሓ ክንገብር ምሓረኒ ክንብል ንኃጢአት ክንቅንጥጦ እሞ ብርሃን ክርስቶስ ክንለብስ ትምሕጸነና አላ።
ልብና ኃጢኡ ንመገዲ አምላኽ ሓዲጉ ነውሕ ኩጉዓዝ አይክእልን እዩ። አብ ጸልማት ጥራሕ ዝነብር ሰብ ሓደ ጊዜ አብ ብርሃን እንተ ወጸ ክርኢ አይክእልን እዩ፥ እዚ አብ ገለ አብያተ ማእሰርቲ ዝተራእየ ሓቂ እዩ። ንብርሃን ክትለማመዶ አሎኻ ብሓደ መዓልቲ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን እንተ አቶና ዓይንና ይጉዳእ። መንፈሳዊ ብርሃን እውን ክንለማመዶ የድሊ። አምላኽ መስቀል ጸርኩም ስዓቡኒ ኢሉና። ንክርስቶስ ክትስዕብ እናጠዓመካ ድላይካ እናገበርካ አይኮነን ንድላይካ ሓዲካ ንድላይ አምላኽ ንስምዒትካ ሓዲካ ናይ አምላኽ ቀዳምነት ክትህብ ከሎኻ እዩ።
አብዚ አብ ምጽአት ክርስቶስ አብ እንቀራረበሎ ዘሎና እዋን ሓቀኛ ክርስትና ሒዝና ክንርከብ እዩ ዝድለ ዘሎ። ብላዕሊ ላዕሊ ጥራሕ ክርስትያን እንተ መሰልና ሕይወትናን መንፈስናን ግን ደቂ ሰይጣን እንተኾና አምላኽ አባና የለን ስለዚ ፍጹም ተሓድሶ ንሕተት አሎና።
ኦ አምላኽ ብርሃንካን ጽድቅኻን ስደደልና ኢልና ንማህለል። ሓቂ ጠፊኡና ፍቕሪ ጎዲሉ ተበዲለ እምበር በዲል ዝብል ተሳኢኑ ኩልና አነ ዝብል መንፈስ ድያብሎስ መሊኽና አሎ እሞ ካብዚ ከቢድ ጸልማት ክንወጽእ ብርሃንካ ሃበና ንበሎ። ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ







All the contents on this site are copyrighted ©.