2012-12-20 15:29:44

ዒራቕ፣ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን


RealAudioMP3 ዕለት 28 ጥሪ 2013 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብናይ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስትያን ዝከታተል ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ዝመራሕ ኣብ ኢራቕ ናይ መላእ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ነቶም ብዕድመ ምድፋእ ምዃንያት ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ኣብ ኢድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዘንበሩ ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ኤማኑኤል ሳልሳይ ደልይ ቅዱስነቶም ንሕቶኦም እወታዊ መልሲ ብምሃቦም ምኽንያት ሓድሽ ናይ ቤተ ክርስቲያኖም ፓትሪያርክ ንምሕራይ ጉብኤ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ቅዱስ ጉባኤ ክሳብ ሓድሽ ፓትሪያርክ ዝመርጽ ነታ ኣብ ዒራቕ እትርከብ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ መስተናብር ኮይኖም ዘገልግሉ ኣብ ዒራቕ ኒሲቢ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባል ብፁዕ ኣቡነ ዣክ ኢሻቕ ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ብፁዕ ካርዲናል ኤማኑኤል ሳልሳይ ደልይ ቅድሚ 85 ዓመት ኣብ ኢራቕ ሞሱል እትርከብ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከተማ ተልካይፍ ዝተወልዱን ብውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 3 ታሕሳስ 2003 ዓ.ም. ሊቀ ጳጳሳት ተሰምዮም፣ ዕለት 24 ሕዳር 2007 ዓ.ም. ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካርዲናል ዝተሰምዩ ምዃኖም የዘኻኽር።
ግዚያዊ ተካኢ ብፁዕ ኣቡነ ዣክ ኢሻቕ ኣብ መሱል ዕለት 25 የካቲት 1938 ዓ.ም. ዝተወልዱን ዕለት 7 ግንቦት 1997 ዓ.ም. ናይ ዓረብ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ጳጳስ ኮይኖም ተሰምዮም ዕለት 4 ግንቦት 1999 ዓ.ም. ርእሰ ኤጳርቅና ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ኣረኪቦምን ኣብ 2000 ዓ.ም. ኣብ ባበል ናይ ከለዳውያን ናይ ቲዮሎግያን ፍልስፍናን መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ኮይኖም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2005 ዓ.ም. ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዎት ኣካላት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባል ንኽኾኑ ተሓርዮም፣ ዕለት 21 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም. ኣብ ኒሲቢ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ንኽኾኑ ከምእተሾሙ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኢሻቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ከምዝኾኑ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.