2012-12-15 18:29:20

“ገበርቲ ሰላም ብጹዓን ኢዮም”


ብዓውደ አዋርሕ ጎርጎርዮስ አብ በዅሪ ዕለት ዓመት ባሕቲ ጥሪ ንዝዝከር መበል 46 ዓለም ለኸ ዕለተ ሰላም ምኽንያት ብምግባር ቅዱስ አቦና ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 “ገበርቲ ሰላም ብፁዓን ኢዮም” ዝብል ቃል ወንጌል ዝ አንገበ መል እኽቲ ከምዝጸሓፉ ትማሊ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና አመልኪቱ፣
እዚ ዓመት ዓመት ዝቀርብ መል እኽቲ ር.ሊ.ጳ ነቲ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ማኅበረሰብ እተስተምህሮ ትምህርቲ ሕጽር ብዝበለ መንገዲ ብምምልካት ነቶም አብ ማኅበረሰባውን ፖሎቲካውን አገልግሎት ዝርከቡ ካቶሊካውያን ንእሽቶ መምርሒ ይኸውን፣ ቅዱስነቶ ካብተን ክርስቶስ አብ ርእሲ እምባ ኮይኑ ዝመሃረን ናይ ብፅዕና ትምህርታት ብምጥቃስ ነዚ ሎሚ ንዓለምና ዘናውጹ ዘሎው ጸገማት ማለት አብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግ አት አብ ማእከል ዝተፈላለያ ሃገራት ዘሎ ምትፍናንን ንውግ እ ምስንዳውን ብሰንኪ አብ ማእከል ሃብታማትን ድኻታትን ዘሎ ናይ ፍልልይ ጋግ ዝፍጠር ተቃውሞን ምስሕሓባትን ኮታ ንአይ ይጥዓመኒ ዝሕመረቱ ቅጥ ዒ ዝሰአነ ሥር ዓተ ካፒታሊዝም ዝውሕዙ ጸገማት ክንዮዚ ከአ አብ ፈቀዶኡ ዘሎ ራዕድን ሽበራን ዳርጋ ዓለም ለኸ ኮይኑ ዘሎ ናይ መጭወይትን ቅትለትን ጸገማት ሰጊርና ንኽንክእል ይምሕጸኑ፣ እዚ ጥራይ ዘይኮነ አብዚ ዘመንና ብዙሕ ካብ መዳፍዕን ነተጕትን ንላዕሊ ዘሸቍርር ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ ንመንነት ሃይማኖት አህሲሱ ዘሎ ናይ ሃይማኖት ጥርኑፍነት ኢዩ፣ ልዕሊ ቍጠባዊ ቅልውላው ን ዓለምና አንጸላልዩ ዘሎ ካል እ ጸገም ከአ ጸገም ጥሜት ኢዩ፣ ብሰንኪ ሕማቅ አመሓድራ ዝቍረስ ዝልሓስ ዘይብሎም ብዙሓት ብሓለንጊ ጥሜት ይግረፉ አለው፣ ምስዚ ኩሉ ከአ ወላ አብተን ናይ ክርስትና ሰረት አለወን ዝበሃላ ሃገራት እውን ከይተረፈ ግህሰት ናይ ኅልናን ሃይማኖትን ናጽነት ይረኤ፣ ቀንዲ ግዳይ ናይዚ ኮይኑ ዘሎ ከአ ሃይማኖት ክርስትና ኢዩ፣ በዚ ከአ እቲ መሠረታዊ መሰላት ደቂ ሰባት ይገሃሱ አለው፣ መሰል ሕይወት መሰል ሥድራ ቤት ኮታ ማኅበረሰባዊ መሰላት ዳርጋ ብኩሉ ቆሲሎምን ተጋሂሶምን ይረአዩ፣
ቅዱስነቶም ነዚ አብ ቅድሚና ተገቲሩ ዘሎ ቈጺርካን ሰፊርካን ዘይውዳእ ናይ ዘመንና ጸገማት አሸኒፍና ምእንቲ ክንክ እል አብ ብፅዕነት ወንጌል ዝተመስረተ ማኅበረሰብ ከነቅውም ሕመረቱ ድማ አብ ሓቅን ነጻነትን ፍቅርን ፍትህን ክኸውን የዘኻኽሩ፣ እቶም አብ እግዚአብሔርን አብ ተስፋታቱን ዚውከሉ በመለኻኽታ ዓለም ከም ዓያሹን ካብ ክውንነት ዝረሓቁን ኮይኖም ይረአዩ ኮይኑ እቶም ናይ ብሓቂ ዓያሹ እቶም ብዘይ እግዚአብሔር ብብልሓት ደቂ ሰባት ሰላም ከንግሱ ዝጽዕሩ ኢዮም፣ ብዘይ እግዚአብሔር ዝግበር ጉዕዞ ክሉ ግዜ ናይ ስልጣንን መኽሰብን ወይ ከአ እቲ አሎ ዝበሃል ሓጢአት አነነት ዓመጽ ሥስዕቲ ናይ ስልጣንን ኃይልን ምቍጽጻር ዘይተጻዋርነት ጽልእን ዝተፈላለዩ ዘይፍትሓውያን ተቅዋማትን ይሥስኑ፣ እግዚአብሔር ተረሲዑ አነነት ይገንን፣ ስለዚ ይብሉ ቅዱስነቶም ስለዚ እንኮ ናይ ሰላም ዋሕስ ነቲ ዘሎ ናይ ንአይ ይጥዓመኒ ዚብል መንፈስን ባዕልኻ ዝሓገግካዮ መምርሕን ደምሲስካ ነቲ ባህርያውን መለኮታውን ዝኾነ እግዚአብሔር አብ ኅልና ነፍሲ ወከፍ ዝሓተሞ ሞራላዊ ሕጊ ተፈጥሮ ምም እዛዝ የድሊ፣ በዚ መንገዲ እዚ ጥራሕ ሰላም ክነግስ ዝኽ እል፣ ሓቀኛ ሰላም ውህበት እግዚአብሔር ጸጋ እግዚአብሔር ኢዩ ተግባር ወዲ ሰብ ከይመስለና፣ ሰላም ምስ እግዚአብሔር ማለት ሰላም ምስ ርእስና ሰላም ምስ ብጻይናን ምስ ኩሉ ፍጡርን ኢዩ፣ቅዱስነቶም ነቲ ሓደ ካብ ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ሽግራት ዝኾነ ሥርዓተ ቁጠባ ጠቂሶም ፈውሲ ይሕብሩ፣ እቲ ቀንዲ ፈውሲ ከአ ሥርዓተ ቁጠባ ካብ አብ መኽሰብን ንአይ ይጠዓመንን አብ ሕውነትን ምምቅራሕን አብ ልግስን ውህበትን ዝተመስረተ ክኸውን የዘኻኽሩ፣ ነዚ ከአ ከም ሓደ ሞደል የቅርቡ፣ ብኻልእ አዘራርባ ናይ ብጻይካ ስእነት ሽግር ናትካ ከምዝኾኑ ገርካ ምርአይ ንዘሎካ ምስ ካልኦት ምክፋል ክንዮ ጥቅምኻ ምድላይ ሰጊርካ ምኽ አል የድሊ፣ እዚ ሞደል እዚ ክዕወት ኩልና ናይ እግዚአብሔር ከምዝኾና ማለት ሓንቲ ሥድራቤት ዘርኢ ሰብ ምዃና እንተፈሊጥና ጥራሕ ኢዩ ክብሉ መል እኽቲ ሰላም ናይ 2013 ዓምፈ አመሓላሊፎም፣







All the contents on this site are copyrighted ©.