2012-12-15 13:57:40

ካልኣይ ስብከት ዘምጽኣት
ኣባ ካንታላሜሳ፦ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን


RealAudioMP3 ብምኽንያት ዘመነ ምጽኣት ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ራኒየሮ ካንታላሜሳ ትማሊ ንጎሆ ኣብ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት እመ መድሃኔ ዓለም ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ሓንትን ቅድስቲ ካቶሊካዊትን ሮማዊትን ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ዘመነ ምጽኣት ካልኣይ ስብከት ማለት ናብ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ዘሰጋግር እዋን፣ ኣብ ዓመት እምነትን ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምጅማር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ከምኡ እውን እቲ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንምስፋሕ እምነት ክርስትና ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ብድላይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኻየደ ናይ መላእ ካቶሊካውያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ፍጻሜ ዘማእከለ ስብከት ከምዘስምዑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቲዚያና ካምፒዚ ሓቢረን።
ኣባል ማኅበር ንኡሳን ኣሓው ካፑቺን ኣባ ካንታላሜሳ እቲ ናይ ትማሊ ስብከቶም ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣማእኪሎም፣ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከመይ ክረአን ክንበብን ክስትንተንን ከምዘለዎ መፍትሕ ንባብ ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምሕባር፣ ምስ እዚ እተሓሒዞም ድማ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተራ (ስራሕ) መንፈስ ቅዱስ ክስትውዓል ኣለዎ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቲዚያና ካምፒዚ ገሊጸን።
ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምስ ጊዜ ዝኸይድ ብትኰ ሕዳሴ ኣብ ቀጻልነት ዝብልን እዚ ድማ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሰነዳት ንባበ መፍትሒኡ ምዃኑ ሓቢሮም። ኣብ ወግዓዊ መኽፈቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ትርጉም ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከምዝተነጸረን ሰረት እምነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብዘይ ምዝባዕን ምንእኣስን ንእዋናዊ ሕቶ ግምት ብምሃብን ብዕምቆት ብምጽናዕ ብምልኣት ዓቂቡን ንምትሕልላፍን ንዘሎ ኵላዊ ድላይ መሠረት ገይሩ ዝተኽየደ ቅዱስ ጉባኤ ከምዝኾነን፣ ስለዚ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ናይ ዝሓለፈ ቀጻልነት ኣብ ሕዳሴ ዝብል እዩ። “ሕዳሴ ኣብ ቀጻልነት፣ ቀዋምነት ኣብ ለውጢ ማለት ድማ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ማለት እዩ። መንፈስ ቅዱስ ሓድሽ ቃል ዝዛረብን ሓደስቲ ቅዱሳት ምስጢራት ዝሰርዕን ሓድሽ ቅዋሜ ዝፈጥርን ዘይኮነስ፣ ነቶም ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰርሑ ቅዱሳት ምስጢራት ሓዳስን ሕይወት ዝህብን ዝሕድስን ዘነጽርን ቃል እዩ ዝዛረብ” ምስ በሉ ኣነ ይብሉ ኣባ ካንታላሜሳ፦ “መንፈስ ቅዱስ ሓደስቲ ነገራት ዝገብር ዘይኮነስ ነገራት ዝሕድስ ዝብል ኣዘራርባ ይማርኸኒ። ስለዚህ ሓደስቲ ነገራት ዝፈጥር ዘይኮነስ ንፍጥረት ሓድሽ ዝገብር እዩ” ኢሎም።
ቅዱስ ኣጎስጢኖስ በዓል ሂፖ፦ “… ‘ብዘይ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ ወንጌላውያን ሕግታት ዝቐትሉ ቃላት ጥራሕ ኰይኖም ምተረፉ’ ስለዚህ በዚ መሠረት ብዘይ ተግባር መንፈስ ቅዱስ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝሞተ ቃል ኵይኑ ምስ ተረፈ፣ ሕግታትን ሥርዓታትን ከምኡ እውን ሰነዳትን ውሳኔታትን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ትግባሬኡን ምስፋሑን ኣብ ዘልማድ ብዘይ ምሕሳብ ብፈሊጠ ምንባብን ትንተናን ዝምራሕ ዘይኰነስ ብመንፈስ ቅዱስ ብዝተመርሔን ብናይቲ ቅዱስ ጉባኤ መንፈስ ክንብበን ክፍጸምን ኣለዎ” ምስ በሉ ኣብ ምዝዛም ስብክቶም ከመይን ኣበይን ምስሊ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሰነዳት ካልኣይ ጉብኤ ቫቲካን ከምእተመልከተን ጠቒሶም እዚ ድማ ፍረታት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምዃኑን ሕያውነቱ ኣብ ሕያው ቤተ ክርስትያን ተረጋጉጹ ቀጻልነቱ ሕያው እዩ እዚ ከምቲ ኣብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 17 ፍቕዲ 21 ኢየሱስ መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ ዝብላውን የልቦን ….ስለምንታይሲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መንጎኹም እያ” ካልኣይ ጴጥንጠቆስ ቢልካ ምዝራብ ድፍረት እዩ። ኣብ ቀዳማይ ጴንጠቆስጠ ከምቲ ኣብ ግብሪ ሓዋርያት እነንብቦ ጸገምን መከራን ዝነበረ እዩ። እንተኾነ ግን ምልክታ ጊዜ ምንባብ የድሊ ቢሎም ካልኣይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት ከምዘጠቓለሉ ጋዜጠይን ራዲዮ ቫቲካን ካምፒዚ ኣመልኪተን።








All the contents on this site are copyrighted ©.