2012-12-15 14:00:14

ኡጋንዳ
ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ፦ “ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ናይቲ ዘለዓለማዊ መንግስቲ ኣብ ነቢያዊ ምልክት”


RealAudioMP3 ናይ ኣሕዛብ ስብከተ ወንጌል ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎኒ ብምኽንያት መበል 100 ዓመት ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ኡጋንዳ ኣብታ ሃገረ ሓዋርያዊ ምብጻሕ የካይዱ ከምዘለዉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ብፁዕነቶም ትማሊ ንጐሆ ፍሉይ ርክብ ምስ ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ኣብ ክፍለ ሃገር ጉሉ ኣካይዶምን ቀጺሎም ኣብ ሎዶንጋ ባዚሊካ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ምስ መላእ ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ኡጋንዳ ክራኸቡን ክመያየጡን እግዚኣብሔር ብምፍቃዱ ኣመስጊኖም ብክህነትን ገዳማዊ ሕይወትን ሕይወትኩም ንእግዚኣብሔር ኣወፊኹም ኣብ ኣገልግሎት ኣስፍሆተ ወንጌል ተጸሚድኩም እተፍጽምዎ ተልእኾ ዝምስገን እዩ፣ ናይቲ ኣብ ኡጋንዳ ሚእቲ ዓመት ዘቁጽር ዘሎ ኣስፍሆተ ወንጌል ፍሬ ጻማ ዘደንቕ እዩ እሞ ሓቢርና ንእግዚኣብሔር ንወድሶ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።
እቲ ዝበዓል ዘሎ መበል 100 ዓመት ኣስፍሆተ ወንጌል ምስ ዓመተ እምነት ዝተተሓሓዘ ብምዃኑ ብሓቂ ዘለዎ ትርጉም ብዝያዳ ልዑል እዩ ከምኡ እውን ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ዘመስቀል ዝበዓለሉ ዕለት እውን ብምዃኑ እዚ ቅዱስ ዘውረሶ መንፈሳዊ ውርሻ ክኽበርን ትምህርቱ ንምስዓብ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ምእናንን ክነቕሑ ኣተሓሳሲቦም ካህናት ካብ ኣሕዛብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ክመርሑ ብእግዚኣብሔር ዝተሓርዩ እያቶም ስለዚህ ምሥጢረ ክህነት ዘለዎ ሓይሊ ክኣምኑን ወንጌል ዮሓንስ ምዕ 14 ፍቕዲ 26 “እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ንሱ ዅሉ ኪምህረኩም ነቲ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።” በዚ መሰረት ትርጉም ውፉይ ሕይወት ምርዳእ የድሊ” ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ “ውፉይን ክህነታዊ ሕይወት ምስክርነት ናይቲ ዝልውጥ ምስ ክርስቶስ ምርኻብ ሕያው ምስክርነት ክኸውንን” ኣገንዚቦም “ቤተ ክርስትያን ናይቲ ኣብ ክርስቶስ ዝቐውምን ዝጸንዕን ናይ ካህናት ተኣማንነት የድልያ እዩ። ስለዚህ እሙናት ነቲ ንዝጸውዕ እግዚኣብሔር እነኹልካ ዝብል መልስኹን ከተጽንዑን ጸላይ ሕይወት ይሃልኹም” ከምዝበሉ ሓቢሩ።
ጸዋዕታ ኣብ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ከምዝኾነን ኣብ ክህነታውን ገዳማውን ሕይወትኩም እታ ነቲ ኩሉ እግዚኣብሔር ዝነገራ ኣብ ልባ ኣንቢራ ተስተንትኖን ትነብሮም ዝነበረት ኣደ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣብ ምንባር ትደግፈና ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.