2012-12-14 16:02:05

ሰንበት ዘስብከት ታኅሣሥ 7 2005 ዓ.ም. (12/16/2012)


መዝሙር፡ ወልዶ መድኅነ ንሰብክ . . . . . ።
ንባባት፡ 1ተሰሎንቄ 3፡12~4፡2፥ 1ዮሓ 2፡14~ፍ ግ.ሓ. 3፡17~ፍ፥ ሉቃስ 21፡ 25~36
ስብከት፡ “ፈኑ እዴከ እምአርያም፥ ወአድኅነኒ ወባልሓኒ እማይ ብዙኅ፥ ወእምእደሆሙ ለደቂቀ ነኪር።” “ኢድካ ካብ ላዕሊ ስደድ ካብ ዓሚቚ ማያት አውጽአኒ፥ ካብ ኢድ ወዲ ጓና አናግፈኒ” መዝ. 144፡7።
ካብ 7 ታሕሣሥ ክሳብ 27 ታሕሣሥ ዘሎ ዘመነ ስብከት ወይ ምጽአት ይብሃል። ሰለስተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ፥ ዘስብከት፥ ዘብርሃን፥ ዘኖላዊ ይብሃል። ሓሓደ ጊዜ ከአ 4ይ ዘመርዓዊ ይውሰኾ። ዘስብከት ዘብሎ ነብያት ጎይታና ብሥጋ ምውላዱ አስፊሖም ብትንቢት ብትምህርቲ ስለ ዘስተምሃሩን ዝሰበኹን ቤተክርስትያን ነዚ እናሓሰበት ሰብ ንመድኃን ናብ ምድሪ ንዝመጸ አምላኽ እትሰብከሉ እዋን ስለ ዝኾነ እዩ።
ናይ ሎሚ ሰንበት መዝሙር ነቲ ‘ቅድሚ ዓለም ዝነበረን ዘሎን መድኅን ንሰብኽ፥ አኽሊል ናይ ሰማዕታት ሰያሚ ካህናት ተስፋ ናይ መነኮሳት፥ ወልድ መድኅን ንሰብኽ፥ ንመድኃኒ ወዱ ንሰብኽ’ እናበልና ንዝምር።
እዚ እዋን ፍሉይ እዩ ምኽንያቱ ንምጽአት ክርስቶስ ዘሰናድወና ስለ ዝኾነ ኩልና እንአምን ብንቕሓት ንዳግማይ ምጽአቱን አብ ግላዊ ሕይወትና ዝግባእ ምቅርራብ ገርና ክንጉዓዝ ዝሕግዘና ቅዱስ ጊዜ ስለ ዝኾነ። አብዚ ጊዜ ምጽአት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ እነንብቦ ኩሉ ብግቡእ ክንሰናዶ ክሕግዘና ምእንቲ እዩ። አብ ዝኾነ እዋን ጎይታና ክመጽእ እንከሎ ናቱ ኮና ልብሲ መርዓ ለቢስና ክንጽበዮ እሞ አብ ናይ ሓጎስ ቦትኡ ምስኡ ክነብር።
እዚ ምጽአት እንብሎ ጊዜ ብፍሉይ አብቲ ሰለስተ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ምጽአት ዘተኮረ ስለ ዝኾነ እዩ።

አብዚ እዋን ምጽአት እምብአር ምስንዳውና ስብከትና አብዘን ሰለስተ ነገራት ዘተኾረ ክኸውን ይግባእ። ነፍስና ሕይወትና አሰናዲና ንክርስቶስ ብንጹሕ ልቢ ክንቅበሎ። ነፍስወከፍና ንምጽአት ክርስቶስ ከም ዝግባእዶ ተሰናዲኻ/ኺ ትጽበ አሎኻ/ኺ ክንብሃሃል አሎና። አምላኽ አብ ዝተፈላለየ እዋናት ብዝተፈላለየ ጸግኡ ክበጽሓና ይደሊ አሎ። ብፍሉይ ክዕድለና ዝደልዮ ዘሎ ጸጋ ፈሊጥና ክንሰናዶ። አብ ሉቃስ 19፡41~42 ኢየሱስ ንከተማ ኢየሩሳሌም ከምዝበኸየላ ነንብብ ምኽንያቱ ነቲ ናቱ ምጽአትን ንሱ መን ምዃኑን ዝሓልፎም ዘሎ ጸጋ ክርእዩ ክፈልጡ ብዘይምኽአሎምን። ንሕና እውን በዚ እዋን ንጸጋ አምላኽ ርኢና እንተ ዘይከአልና አምላኽ ብአና ይጉሂ። አብዚ እዋን እምብአር አምላኽ ክበጽሓና እና መጽኤ ከይፈለጥናዮ ከየለለናዮ ከይሓልፈና ክንጥንቀቕ አሎና።
ቅዱስ የውሓንስ መገዲ እግዚአብሔር ጽረጉ እናበለ ሰቢኹ። ንምጽአት መድኃኒ ክገብርዎ ዝግባእ ዓው ኢሉ ሰቢኹ። ዘንጊዕና ከይተቐረብና ከይንጸንሕ እሞ ጸጋ አምላኽ ከይሓልፈና ነቒሕና ክንጽበ የዘኻኽረና። እዚ እዋን እምብአር እንተ ፈቀድናሉ አምላኽ ክበጽሓና ክመጽእ እዩ። ዓቢ ጋሻ እሞ እትፈትዎ ከምጽአካ ክንደይ ጽቡቅ እዩ ዝግባእ ምስንዳው ገርና ንጸብዮ፥ ካብ ክርስቶስ ዝዓቢ ጋሻ የብልናን።
ነዚ ቅዱስ እዋን ምጽአት፥ አምላኽ ክዕድለካ ዝደሊ ዘሎ ጸጋ ክትቅበል/ሊ ከመይ ዝበለ ምቅርራብ ክትገብር ይግብአካ/ኪ ወይ ትገብር አሎኻ/ኺ እናበለና አብነነድህድና ክንተሓታተት። ፍሉይ ጊዜ ፈሊና ምስ አምላኽ ብጸሎት ክንራኸብ። ጸሎት ሓደ ካብቲ ብፍሉይ ክንገብሮ ዝግብአና እዩ። ነቲ ዘሎካ/ኪ ጸገም መልሲ ክትረኽበሉ ምስ አምላኽ ጊዜ ክተሕልፍ ይግባእ። ብስምዒት ተደፊእካ ዘይኮነ ብምሉእ ልብን ድለትን ምስ አምላኽ ዕላል ክንገብር የድሊ። ነዚ ክሕግዘና ንመዓልታዊ ንባባት አብ ቅዳሴ እንጥቀመሎም ናይ አስተንትኖን ጸሎትን መጋበሪ ክንጥቀመሎም። ከምኡ ጽቡቅ መጻሕፍቲ አብ ጊዜ ምጽአት ይጠቕሙና ንዝበልናዮም ክነንብብ። አብ ልብና አቲና አየናይ ሕይወትን እዩ አብ ኢየሱስ ዘብጽሓኒ ኢልና ምስ ሕልናና እና ተዛረብና ክንጉዓዝ። አብ ግዳማውን ካልእ ህያባትን አተኲርና ነት ዝበለጸ ህያብ ክርስቶስ ብኣኡ ከይንትክኦ ሓደራ። አብ እዋን ልደት ሓደ ህያብ ጥራሕ እዩ ዘሎ ንሱ ኸአ ኢየሱስ እዩ። ኢየሱስ ናይ እግዚአብሔር ህያብ ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና ክህቦ ዝደሊ ዘሎ ብሉጽ ህያብ እዩ። አምላኽ ኩሉ ጊዜ ክህብ ምስ ደለ እዩ ክንቅበሎ ወይ ክነጽጎ ካባና እዩ።
አብ ጊዜ ምጽአት ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ክነዕምቖ እዩ ዝድለ ዘሎ። ብትዕግስቲን ምስ ምሉእ እምነትን ጸሎትን ንአምላኽ እንጸበየሉ ጊዜ እዩ። ቤተ ክርስትያን አብዚ እዋን ንአርብዓ መዓልቲ ልክዕ ከምቲ ንትንሣኤ ብጾም እና ተሰናዶና እንቕረበሉ ከምኡ አብዚ ቅዱስ ጊዜ እናጾምናን ጸለናን ክንሰናዶ ትደልየና። ካብቲ አብ መዓልታዊ ሕይወትና ጸቒጡ ዝሕዘና ናይ ዓለምን ሥጋን ነገራት ተላቒቕና አብቲ ናይ አምላኽ ክንጽመድ አምላኽ ይሓተና አሎ።
ሓደ ካብቲ ቀንዲ አብዚ እዋን ክንገብሮ ዝድለ ዘሎ ንአምላኽ አብ ሕይወትና መጀመርያ ሰሪዕና ክንመርሕ። ንአምላኽ መጀመርያ እንተ ዘይዘራዕና ነቲ አምላኽ ክህበና ዝደሊ ዘሎ ጸጋ ዘንጊዕናዮ አሎና ማለት እዩ። አብዚ እዋናት ልደት ሰበ አብ ናይ ግዙፍ ህያባትን ካልእ ናይ አምላኽ ዘይኮነነ ነገራት ከትኩሩ ክትርኢ ብሓቂ ክሳብ ክንደይ ሰብ ካብ አምላኽ ርሒቑ ከምዘሎ ንርኢ። አብ ክንዲ ጸጋ አምላኽ ዝደልዩን ዝጽበዩን ንአምላኽ ቦቱኡ ብምቾት ተኪኦሞ ይርክበኡ ሽዑ ንአምላኽ ክይረኸብዎ ይሓልፍ። እንተኾነ ነቲ አብ ልብና ዘሎ ቦታ አምላኽን ጽምአት ጸጋ አምላኽን ክመልእ ወይ ክትክእ ዝኽእል ነግር የለን። ኢየሱስ ጥራሕ እዩ ነቲ ባዶ ዝኾነ ነገር አባና ዝርከብ ክመልእ ዝኽእል። አብ መዝሙር 42፡1 “ኢራብ ናብ ዓይኒ ማያት ከም እትናፍቕ አነ ኸአ ኦ አምላኽ ንአኻ እናፍቕ አሎኹ” ይብል። አብ መዝ. 63፡1~2 እውን “ኦ አምላኽ ንስኻ አምላኸይ ኢኻ አንጊሀ እደልየካ አሎኹ አነ ናትካ ጽምኢ አሎኒ፥ ከምቲ ደረቕን ንቝጽን ምድሪ ማይ ዝጸምእ አነ ንኣኻ ሃረር እብል አሎኹ፥ አብ መቕደስካ ኃይልኻን ክብርኻን ክርኢ ሃረር እብል አሎኹ” እናበለ ሕይወት ወዲ ሰብ ምሉእ ሓጎስን ቅሳነትን አብ አምላኽ ጥራሕ ከምእትረክብ ይነግረና። አብ መዝ። 62፡1~2 ዘሎ ኸአ “ምድኃነይ ካብ አምላኽ እዩ ዝመጽእ እሞ አነ ንእኡ ጥራሕ ሃዲአ እጽበ አሎኹ፥ ከውሐይን ምድኃነይን እምባይን ንሱ ጥራይ እዩ፥ ፈጺመ አይክናወጽን እየ” እናበለ አምላኽ እንተ ሒዝና ጸግዕና እንተ ገበርናዮ ዝኾነ ሓይልን ፈተናን አይከሸንፈናን እዩ። አብዚ እዋን ነዚ ናይ አምላኽ ጸጋ ክንቅበሎ ዕጥቂ ጸሎት ተጋድሎ የድልየና። እቲ አብ አምላኽ ዘሎና ድለት ብኻልእ ክትካእ የብሉን።
ዘመነ ምጽአት ሓደ ፍሉይ ዝገብሮ ንኻልኦት ቀዳምነት ሂብካ ክትነብር ዘዘኻኽር እዋን እዩ። መንፈሳውን ንዋታውን ሓገዝ ዝተጸገሙ አሕዋትና እንዕወተሎም ሎሚ ኢና። መጀመርያ ብመንፈስ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ አምላኽ ርሒቖም አብ መንፈሳዊ ጸልማት ዝነብሩ አብ አምላኽ ክምለሱ እሞ ዕርቂ ምስ ሰማያዊ አብኦም ክገብሩ መገዲ እንሕግዞም ንሓቂ እነፍልጦም ንሕና ኢና። ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ንሰባት አብ አምላክ ክምለሱ ፍጹም ተሓድሶ ክገብሩ ይሰብኽ ኒሩ። ስብከቱ ንሰባት ከም ዝምለሱ ገርዎም። ሎሚ ስብከትና ንሓውናን ሓፍትናን አብ ቤተ አምላኽ ክአትዉ ክንዕወተሎም ይግባእ።
ንዋታዊ ሓገዝ ንወድሰብ አድላዪ እዩ። እዋናት ልደት ብፍላይ አብ ምዕራባዊ ዓለም ህያባት ምልውዋጥ ልምዶም እዩ። ንጽጉም ጥራሕ ዘይኮነ አብ ነነድሕዶም እውን ይወሃሃቡ። ዝዓበየ ዝንአሰ ንዝመጾ ህያብ ብሃንቀውታ ይጸበ። እዚ ንዋታዊ ህያባት አብቲ ክርስቶስ ህያብ ሰመያዊ አምላኽ ኮይኑ ዝመጸና እዩ ዝምስረት። ክርስቶስ ዝበለጸ ህያብ ኮይኑ አብ መንጎና ሓዲሩ ምእንታና ተሰዊዑ ዝዓበየ ህያብ ሂቡ አድሒኑና። ነዚ አብነት ገርና አብ ነነድሕድና ህያባት ጸጋ ህያባት ሰላምን ፍቕርን ዘንግሱ ክንለዋወጥ ይግባእ። ሓውና/ሓፍትና ኩሉ ሓሲምዎም እና ረኤና ሱቅ እንተበልና ልደትና ጾምና ጸሎትና ቀንዲ መሰረታዊ ነገር ይጎድሎ ስለ ዘሎ ትርጉሙ ይስሕት እዩ ስለዚ ዓቢ ምስትውዓል የድልየና። ከምቲ ክርስቶስ ህያብ ኮይኑ ዝመጸኒ ንሓዋይ ንሓፍተይ ህያብ ሰምላምን ፍቕሪን ኮይነ አብ አምላኽ ክምለሱ ክልአኽ እየ ኢልና ልብና ንአምላኽ ንኽፈተሉ።
አብዚ ቅዱስን ተስፋ ዝመልኦ እዋን እምብአር መጀመርያ ንርእስና አብ አምላኽ ክነቕርብ ክንዛረቦ ክንሕደስ ድለትና ክንገልጸሉ፥ ንኢየሱስ አብ ቃሉ አብ ምስቲራቱ ክንረኽቦን ክንቅበሎን። አብ አብረኻ ልብና አቲና ምስኡ ዘተ ክንገብር ክንሕደስን ብኃጢአትና ክንጥዓስን ይግባእ። ቀጺልና ድሕነት ሓውናን ሓፍትናን እውን አብ ቅድሚ አምላኽ ዘሕትተና ምዃኑ ፈሊጥና ንስብከት ክንወፍር። ደፊርና ፍቕሪ ክነግስ ክነግር። አብ ጸልማትን አብ ዓለም ተዋሒቶም ንአምላኽ ምርአይ ስኢኖም ንዘለዉ ክንመልሶም ናታትና ሓግዝ የድሊ አሎ። ኩልና አብቲ ዝዓበየ ዳግማይ ምጽአት ኢየሱስ ክርስቶስ ገጽና ኢና እንጉዓዝ ዘሎና ስለዚ መብራህትና ወሊዕና ክንጽበ። ኦ አምላኽ አብ ሕግኻን ፍቕርኻን ጸኒዐ ክነብር ሓግዘኒ ንበሎ ነዚ ኸአ የኽእለና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.