2012-12-13 14:41:40

ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና (12/12/2012 ዓ.ም.)
እምነት ኣብ ናይ ሰብ ታሪኽ ንተግባር እግዚኣብሔር ሕያው ተዘክሮ ምፍጻም ማለት እዩ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. “ናይ እስራኤል ታሪኽ፣ ዝኣምን ኣብቲ ናይ ምድሓን ታሪኽ ዘቖመ ኩነት ሕያው ተዘክሮ ምፍጻም ዝብል ኣቃልቦ ዝሓትት ትእዛዝ ምዃኑ የዘስተምህርና” ኣብ ዝብል ቅውም ሓሳብ ኣማእኪሎም እቲ ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርቲ ክርስቶስ ከምዘቕረቡ ነቲ ጉባኤ ዝተኸታተሉ ናይ ራዲዮ ቫቲካን ልኡኽ ጋዜጠይና ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ እንከመልክቱ፣ ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ “ንክርስትያን ብጋሴ እምኒ ኩርናዕ ናይቲ ሕያው ተዘክሮ ኣብ ትስብእቲ ኢየሱስ ዝቐውም ምዃኑ” ብሰፊሕ ከምዝተንተኑ ገሊጾም።
እቲ ዘለኣለማውነት እግዚኣብሔር ኣብ ሓደ እዋን ምስቲ ናይታ ምድሪ ሕዝቢ ካብ ባርነት መንዚዑ ናብታ ቃል ዝተኣተወላ መሬት ናጽነት ዘሰጋግር ቃል ኪዳን ክኣስር ይውስን፣ እቲ ዘለዓለማውነት ኣብ ካልእ ሓንቲ መዓልቲ ሰዓቱ ምስ በጽሔ ኣብ ምልኣት ጊዜ ብቐጥታ ኣብ ታሪኽ ነፍሲ ወከፍ ሕዝቢ ገዛእ ርእሱ ብትስብእቲ ወዱ ኢየሱስ ኣቢሉ ይኣትው። ካብታ እዋን እቲኣ ንነጀው ድማ ታሪኽ እቲ እግዚኣብሔር በመንጎይናንትን ቀዳማይ ተዋሳኢነት ዝረጋገጸሉን እግዚኣብሔር ዝዝከረሉን ታሪኽ ናብ ናይ ድሕነት ታሪኽ ዝተለወጠሉ ናይ ሓደ ስሩዕ ኩነት ተዘክሮ ዝፍጸመሉ ብቐዳምነት ንሕዝበ እስራኤል ዘጠቓለለ ስፍራ ከምዝኾነ ቅዱስ ኣቦና እንከስተምህሩ፦ “ንሕዝበ እስራኤል ተግባር እግዚኣብሔር ምዝካር ሓደ ቀዋምን ቀጻልን ትእዛዛዊ ተግባር ይኸውን ስለምታይሲ እቲ ዝምባለ ከይዲኣዊ ግዜ በቢ ዕለቱ ናይ ሓድሽ ታሪኽ ቅዋመ እናኾነ ኣብ ህልው ኩነት ዝተርፍ ናይ ዝሓለፈ ሕያው ኩነት ተዘክሮ ኰነ። እምነት በቲ ንታሪኽ ዝመርሕን ዘቕውምን ውሑስን ጽኑዕ ቀዋሚ ሕይወት ዝድገፈሉ መሠረት ወትሩ ተኣማኒ ዝኾነ እግዚኣብሔር ርኽበትን ተዘክሮን ዝዕንገል እዩ” ኢሎም።
ስለዚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ፍልማዊ ዘፍጥረት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ናይ ሓደ ውሑድን ድኹምን ሕዝቢ ታሪኽ ገዛእ ርእሱ ዘእትው ከምዝኾነን ግልጸት ካብዚ ሓሊፉ ካልእ ዓቢ ፍጻሜ ብምርግጋጽ ድማ እቲ ናይ ክርስትና ቀዳማይ ናይ ሕያው ተዘክሮ ሥፍራ ዝኾነ ኣብ ጸላም ለይቲ ቤተ ልሔም ገዛእ ርእሱ ከምዝገለጸ፦ “እቲ ናይ ዓለምን ሰብን ታሪኽ ዝሕቢ ዝኹልዕን ትርጉም ዝህብ ኣብ መብልዕ ማል ቤተ ልሔም የንጸባረቕ። እቲ ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲ ኣብ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ እነስትንትኖ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፈጸመ ድሕነት ዓቢይ ምስጢር፣ እግዚኣብሔር ኣብ ታሪኽ ብምእታው ምስ ሰብ ፍቕራዊ ርክብን ዘተን ክፍጽም ገዛእ ርእሱ ዝገለጸሉ ንመላእ ጉዕዞ ሰብ ሓድሽ ትርጉም ይህብ። በዚ መሠረት’ዚ ድማ ታሪኽ ናይ ዘመናትን ዓመታትን መዓልታትን ፍጻሜ ዘይኮነስ ንታሪኽ ምሉእ ትርጉም ዝህብን ንሓደ ጽኑዕ ተስፋ ክፉት ዝገብር ናይ ሓደ ህላዌ ግዜ ይኸውን” ብዝብል ዓሚዩቕ ቲዮሎጊያዊ ትንታኔ ኣረዲኦም።
ጥንቲ ምጽኣት ምብጻሕ ናደ ሓደ ንጉስ ወይ ድማ ገዛኢ ሃበር ናብ ሓንቲ እውራጃ ምብጻሕ ዘመልክት ትርጉም ከምዝነበሮን፣ ስለዚህ ዘርኢ ሰብ እታ እግዚኣብሔር ሕጻን ዝበጽሖ ኣውራጃ ማለት ከምዝኾነ ቅዱስ ኣቦና ትርጉም ምጽኣት እንከረድኡ፦ “ናብታ ድኻ ዝኾነት ኣውራጃ መሬት እቲ ንጉስ ወሪዱን ስጋና ልቢሱን ብጽሖቱ ይዕድል። ምጽኣት ናይቲ ህላዌ ከይዲ ዳግማይ ንኽንበሮ ዝዕድምን እግዚእብሔር ገዛእ ርእሱ ካብ ዓለም ከምዘይግዓዘ ወይ ድማ ከምዘየውጽአን ብኹር ከምዘይኮነን ንገዛ ርእስና ዘይሓድገና ከምዝኾነን ብዝተፈላለየ ከነተኵረሎምን ከነለልዮም ብዝግብኣና መገድታት ኣቢሉ ምሳና ክራኸብ ይመጽእ” ኢሎም።
ቅዱስ መጽሓፍ፣ ካብ ብሉይ ክሳብ ሓድሽ ኪዳን ትርጉም ምጽኣትን ናይ ምጽኣት ሓለፋ ቦታ ከምዝኾነን ፈልይናን ከይድታቱን ንኸነለለይን ዘብቅዓና ከምዝኾነን ቅዱስ ኣቦና ግልጸት ብመጽሓፍ ቅዱስን ሕቍፎታቱ እናጠቐሱ” ኣብዚ ዓመት እምነት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድና ኣንቢርና ከነንብቦን ከነስተንትኖን ኣብ እዋን ሰናብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ እቲ ንእምነትና መግቢ ዝኾነ ኩሉ ዝቖመሉ ብምዃኑ ንዝቕርቡ ንንባባት ቅዱስ መጽሓፍ ጽን ክንብልን ኣተኵሮ ክንገብርን ኮታ ንኹሉ እቲ እምነትና ኣብ ምዕባይ ንዝድግፍ ከነስተውዕለሉ” ቅዱስ ኣቦና ዓዲሞም ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣጠቓሊሎም በቶም ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ ቋንቋታት ድግማ ናይቲ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ ኣስሚዖም ርሑስ ዘመነ ምጽኣት ተመንዮም ንኹሎም ካብ ውሽጥን ወጻእን ብውልቅን ብማኅበርን ንዝተረኽቡ ምእመናን ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.