2012-12-11 14:30:16

ምስጓግ ኣባ ዳሎሊዮ ካብ ሶሪያ


ኣብ ሶሪያ ደይር ማር ሙሳ ናይ ገዳማውያም ማኅበርሰብ መስራቲ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኢጣሊያዊ ዜጋ ኣባ ፓውሎ ዳሎሊዮ ብውሳኔ መንግስቲ ሶሪያ ካብታ ሃገር ክወጹ ከማተገደዱን ኣብ ኢራቓዊ ኩርድሳትን ናብ ዝርከብ ከተማ ሱለማንያ ኣብ ዝተኸፍተ ናይቲ ብኣኦም ዝተመስረተ ገዳማውያን ማሕበረሰብ ደይር ማርያም ኤል ኣድሕራ ኣቀባብላ ከምእተገብረሎም ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት፣ ኣባ ዳሎሊዮ ናይ ስነ ምስልምና ሃይማኖት ሊቅ ኣብ ሶሪያ ንልዕሊ 30 ዓመት ዘገልገሉ በቲ ኣብ ሶሪያ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ምኽንያት ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ብቐጥታ ንመንግስቲ ኣሳድ ብምውቃሶም ዕለት 30 መስከረም 2012 ዓ.ም. ብናይ ደማስቆ መንስግቲ ደጋፊ ኣልቃይዳ ብዝብል መሠረተ ኣልቦ ክሲ ተወቒሶም መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ከምዝነበረ ሓቢሩ።
ኣብ ኪርኩክ ናይ ከልዳውያን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ሳኮ ኣብ ሱለይማንያ ዝርከብ ገዳም ክጸንሑ ከምዘፍቀዱን ነቲ ብኣባ ዳሎሊዮ ዝተመስረተ ማሕበረሰብ ገዳማውያን ዓቢ ኣድናቖት ከምዘለዎም ዝንገር ኮይኑ፣ ዕለት 23 ሕዳር 2012 ዓ.ም. ብፁዕነቶን ንሓደ ናይቲ ገዳም ኣባል ሓው ጀንስ ማዕርገ ክህነት ከምዝሃቡ ዝገለጸ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ ወዲ 28 ዓመት ኣርመናዊ ክርስትያን ሙዚቐይናን ደራሲ ግጥምን ሳም ጋኑም ኣብ ኣሌፖ ካብ ዝርከብ ቤቱ ነቲ ኣብ ሶሪያ ተባሪዑ ዘሎ ሶውራ ደጊፍካን ኣተባቢዕካን ብዝብል ክሲ ብናይታ ሃገር ሓይሊ ጸጥታ ዕለት 15 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ቤት ማእስርቲ ምስ ዝነበሩ ኣቡኡ ናጻ ከምእተቁን ንብዙሓት ናይታ ሃገር ዜጋታት እውን ናይ ሓጎስ ምኽንያት ከምዝኾ ገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.