2012-12-08 14:56:39

ናይ ዘመነ ምጽኣት ቀዳማይ ስብከት
ኣባ ካንታላሜሳ፦ ዳግማይ ስብከት ዘድልዮ ድሕረ ክርስትያን (ጥንታዊ ክርስትያን) ዓለም


RealAudioMP3 ብምኽንያት ዘመነ ምጽኣት ናይ ቤተ ጳጳስ ሰባኬ ኣባ ራኒየሮ ካንታላሜሳ ትማሊ ንጎሆ ኣብ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት እመ መድሃኔ ዓለም ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ዘመነ ምጽኣት ቀዳማይ ስብከት ማለት ናብ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ዘሰጋግር እዋን ኣብ ዓመት እምነትን ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምጅማር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ከምኡ እውን እቲ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንምስፋሕ እምነት ክርስትና ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝተኻየደ ናይ መላእ ካቶሊካውያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ፍጻሜ ዘማእከለ ስብከት ከምዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣባል ማኅበር ንኡሳን ኣሓው ካፑቺን ኣባ ካንታላሜሳ ትርጉም እምነት (ናይ እምነት ትርጉም) ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣተኲይሮም ናይ እምነትን ኣግባብን ትሕዝቶኡን ትግባሬኡን ኣብ ናይ ፍቕሪ ስራሕን” ዝብል ዘቕርብዎ ስብከት፣ “ዓመት እምነት መጽናዕትን ዳግማይ ርኽበት መዝገበ ሃይማኖት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ትምህርተ ክርስቶስን ነቲ ናይ ክልተ ሺሕ ዘመን ትምህርቲ ሃይማኖት (እምነት) ብብቕዓት ዘአንገደን፣ ዝዓቀበን ታሪኹ ዘነጸረን ናብቲ ሃብታም ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ እምነት ዘእትውን እዩ” ቢሎም፣ ናይ ማኅበረ ክርስትያን መሠረታዊ ሓላፍነት “እቲ ቅድሚ 20 ዓመት ተሓቲሙ ወግዓዊ ዝኾነ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ሃይማኖቶ ትምህርቲ ክርስቶስ ትሕዝቶ ብዕምቆት ፈሊጥካን ኣጽኒዕካን እስተንቲንካን ብእምነት ብምንባር ሰብኣዊ መንፈስ ዘወዓውዕ ህያውነቱ ምምስካር” ዝብል ምዃኑ ሓቢሮም፣ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ቅዱስ ኣቦና ናይ እምነት ዓመት ዝኣወጁሉ፦ እምነት ብቓልን ተግባርን ክንበር ከምዘለዎ ዘነጽር “Porta fidei-በሪ እምነት” ብዝብል እርእስቲ ደሪሶም ዝለገስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ብሰፍሒ ተወኪሶም፣ “ምስ ክርስቶስ ካብ ምርኻብን ካብቲ ብኢየሱስ ዝተረጋገጸ ነቲ didachè በቶም ቅዱሳት 12 ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተመሓላለፈ ናይ ኣመንቲ ምሉእ ሕንጸት ዝኾነ ትምህርቲ እምነት ናይ እግዚኣብሔር ሥራሕን ምስጢረ ፋሲካ ሞትን ትንሳኤ kerygma (κήρυγμα) - ምእዋጅ’ ዝብል ዓንቀጸ እምነት ዘመልክት ሓዋርያዊ መልእኽቲ እዩ። ናይ እዋናዊ እምነትና ዝተፈልየ ዘይኮነስ ናይ ቅዱሳት ሓዋርያት እምነት መሠረት ዝገበረን ዝስዕብን ጥራሕ ዘይኮነስ ዝቕጽልን እዩ። እዚ ቅድመ ክርስትና ንዝነበረ ዓለም ዝተሰብከ እምነት ኣብዚ እዋን’ዚ ነቲ ቅድም ቢሉ እምነት ክርስትና ዝተቐበለ ኣብ እምነት ምድካም ዘርኢ ድሕረ ክርስትና ዘሎ ዓለም ዳግማይ ወይ ከኣ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል የድልዮ። ምእንቲ’ዚ ናብቲ ናይ ሓዋርያት ሜላ ስብከተ ወንጌል ምምላስን ልክዕ ከምቲ መልኽቲ እብራውያን ዝገልጾ ስብከት (ብስራተ ወንጌል) ብመንፈስን ሓይልን ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ምእንታና ሞይቱን ተንሲኡን ዝብል ቃል ዘቃልሕ ክኸውን ኣለዎ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣባ ካንታላሜሳ ቀጺሎም ዘይካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስትያን ኣብቲ ኢየሱስ ጎይታ ኢዩ ዝብል ቲዮሎጊያ ዝረጋገጽ ብስራት ዝድምዓ ከምዝኾነን ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ግን ንኽርስቶስ ምስዓብ ናብቲ ዕብየትን ምልኣትን ክርስትያናዊ ሕይወት ዝመረሕን ማለት ብቕዱሳት ምስጢራትን ብስልጣነ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያንን (ብስልጣን ተከታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ) ናይ ቅዱሳት ኣብነትን ገይሩ ብዝምራሕ እምነት እዩ ዝብሰር ቢሎም ትርጉም እምነትን ምብሳር እምነትን ተንቲኖም ምስ ኣብቅዑ፦ “ከመይ ብዝበለ መገዲ እዩ እቲ ኢተኣላው ዘለዓለማዊ ናብ ግዜ ዝኣተወ” ንዝብል ምስጢር ክትንትኑ፣ “… ቃል፣ ኣቦ ነቲ ቃል ናብ ማርያም የብጽሖ ማርያም ድማ ትቕበሎ በዚ ቃል’ዚ ድማ ብመንፈስን ብኣካልን ተመሊኣ። ኣብ ማሕጸና ኣንበረቶ፣ ንዓለም ድማ ሃበቶ፣ ነቲ ስጋ ዝኾነ ቃል ብምግልጋል ኣቃሊሓቶ። ማርያም ናይ ኵሉ ልኡካነ ወንጌልን መምህር ትምህርቲ ክርስቶስን ኣርኣያን ኣብነትን ኣያ፣ ኣብ ውሽጥኻ ዝሓደረ ብኵለመናኻ እተእንግዶን ኣሜን እትብሎን እትነብሮን ቃል ጥራሕ ኢኻ ዝእምን ኮይኑ ከተበስሮ እትኽእል” ምስ በሉ “ማርያም ክርስቶስ ናብ ካልኦት ንምብጻሕ ክንክእል መታን ገዛእ ርእስና ብኽርስቶስ ዝተመልአ ክኸውን ከምዘለዎ ተስተምህረና” ቢሎም ዘስምዕዎ ቀዳማይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.