2012-12-06 14:59:48

ናይ ክብሪ ስልማት“Encomienda de la Orden de Isabel la Catolica”


RealAudioMP3 ኣብ ስፐይን ብሓልዮት ንጉስ ፈርዲናንዶ ሻብዓይ ዕለት 14 መጋቢት 1815 ዓ.ም. ዘበገስዎ ምእንቲ ሓልዮ ሃገረ ስፐይን ዓቢ ኣስተዋጽዖ ነዘበርከቱ ብሉጻት ዜጋታት ዝወሃብ “Encomienda de la Orden de Isabel la Catolica - ኢዛቤል ካቶሊካዊ ናይ ናእዳ ማኅበር እተሰምየ ናይ ክብሪ ስልማት ናይ 2012 ዓ.ም. ብሉጻት ንዝተብሃሉ ትማሊ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ስፐይን ልኡከ መንግስቲ ኤድዋርዶ ጉቴረዝ ሳኤንዝ ደ ቡሩዋጋ ንናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፍን ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳርን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርድን፣ ናይ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ተባሂሉ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣመሓዳሪ ጃኒ ማሪያ ቪያንን ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 መደብ ሓዋርያዊ ዑደታት ዋና ኣሰናዳኢ ኣልበርቶ ጋስባሪን ንናይ ሃገረ ቫቲካን ሓለዋ ጸጥታ ዋና ኣዛዚ ዶመኒኮ ጃኒን ከምዝሸለሙ ናይ ቅድቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ስልማት ኣብ ምርካብ፣ ነቲ ስልማት ዘብቅዐ ምኽንያት ከምእተገልጸን፣ እቲ ቀንዲ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ስፐይን ሰለስተ ጊዜ ዝፈጸምዎ ሓዋያዊ ምብጻሕን እቲ ሓዋርያዊ ዑደት ዘንበሮ ታሪኽን ውጽኢቱን ጠቒሶም ብስም ንጉስ ኽዋን ካርሎስን ዝቐረበ ስልማት ምዃኑ ክምእተገልጸ፣ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ብወገኖም ምስ ራድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስፐይን እቲ ዕዉትን ዝኾነን ዝተግበረሎም ኣቀባብላን ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ስፐይን ዘሎ ሰናይ ምሕዝነት ዝመስከረን ዘረጋገጸን እዩ ቢሎም፣ ኣብ 2010 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሳንቲያጎ ደ ኮምፖስተላ ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ዑደት ብዝተፈላለዩ ዓበይቲ ኣጋጣምታት ናይ ስድራ ቤትን ኣብ ማድሪድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያትን ከምኡ እውን ቅዱስ ዓመት ሳንቲያጎ ደ ኮምፖስተላን ምኽንያት ብዝቐረበሎም ዕድመ መሰረት ዝፈጸምዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ገሊጾም፣ ኣብ ስፐይን ዝንበርን ዝምስከርን እምንት ዝነኣድ ምዃኑ ዘረጋገጸ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት እዩ ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ፦ ብኹሉ መዳይ እቲ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ዕዉት ንኽኸውን ዝተፈጸመ ዕዮን ምንቅስቓሳትን እቲ ዑደት ውሑስ ንኽኸውን ብቅድስቲ መንበርም ሃገረ ስፐይንን ብምትሕብባር ዝፍጸመ ኣገልግሎት ዝነኣድ እዩ ምስ በሉ ብሓቂ እቲ ኣብ ስፐይን ዝተፈጸመ ሓዋርያዊ ዑደት ንናይ ስፐይን ሕዝቢ እምነትን መንሰያትን ናይ መላእ ዓለም ሕዝቢ እምነት ዘጽንዕ ኵላውነት ባህርይ ዘለዎ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.