2012-12-06 15:03:50

ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ትምህርተ ክርስቶስ መዝገብ


RealAudioMP3 ናይ ስነ ቅዱሳት ጉባኤታት ኣቢያተ ክርስትያንን ናይ ቲዮሎጊያን ሊቅ ኣባል ማኅበር ኢየሱሳውያን ኣባ ዳሪዩዝች ኮዋልዝይክ ንዝኽሪ መበል 20 ዓመት ሕትመት መዝገበ ሃይማኖት “ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን” ምኽንያት ኣብዚ መዝገብ ሃይማኖት ዝተደገፈ ሰሙናዊ ዕለተ ሰሉስ ተኸታታሊ ኣስተምህሮ የቕርቡ ከምዘለዎ እክዝከር፣ ቅድሚ ትማሊ ኣብ “ግለጸተ ክርስቶስን ውልቃዊ ግልጸትን” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ተኸታታሊ ኣስተምህሮ፦ “ድሕሪ እቲ ብኢየሱስ ዝተፈጸመ ግልጸትን ድሕሪ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላይ ናይ መወዳእታ ደቀ መዝሙር ሓድሽ ግልጸት ዝበሃል የሎን” ዝብል ናይ ‘እምነት ሓቂ’ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መዝገበ ሃይማኖት ትምህርተ ክርስቶስ ብሰፊሕን ዓሚዩቕን ምስቲ ‘ውልቃዊ ግልጸት’ ዝብል ትምህርቲ ብምትሕሓዝ ይገልጾ” ኢሎም።
ግልጸተ እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምልኣት ተረጋጊጹ እዩ። ነዚ ድማ ብመዝገብ ሃይማኖት ትምህርቲ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ፍቕዲ 66 ኣደጊፎም፦ “ክርስትያናዊ መደብ ሓዲስን እቲ ዝለዓለን ናይ መወዳእታን ኪዳን ብምዃኑ ነባሪ ኮይኑ ይግመት ስለ’ዚ ኣይኪሓልፍን እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኽብሪ ቅድሚ ምግላጹ ካልእ ሓዲሽ ወግዓዊ ግልጸት ኣይኪህሉን እዩ። ግልጸት ኣብ ፍጻሜ በጺሑ’ኳ እትነኾነ ብምሉኡ ገና ግሉጽ (ቅሉዕ) ኣይኮነን። ምስ ብዝሒ ዘመናት በብቝሩብ ንምልኣት ትርጓሜኡ ምርዳእ ናይ እምነት ክርስትና እጃም እዩ።” ዝብል ጠቒሶም ቅዱስ ዮሓንስ ዘመስቀል፦ “እቲ ኡንኮን ናይ መወዳእታን ዝኾነ ቃሉ፣ ወዱ ነኣና ምስሃበና በዚ ቓልዚ ብሓደ ጊዜ ኩሉ ነጊሩና፣ ከመይሲ ቀደም ብነቢያት ኣቢሉ ገሊኡ ዝነገረና ሕጂ ብወዱ ኩሉ ገሊጹልና። … ስለዚ ካብ እግዚኣብሔር ራእይ ወይ ግልጸት ኪረክብ ዚልምን እንተ’ሎ እዚ ዕሽነት የርኢ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣምላኽ ይብድል እዩ ዘሎ። ከመይ ሓሳቡ ናብ ክርስቶስ ክንዲዘብል ናብ ካልእ ሓዲስ ዚመስልን ነገራት ዚዝንብል ስለዝኾነ እዩ” ቢሎም ስለዚህ ካልእ ግልጸት ከምዘየሎ ቤተ ክርስትያን ተስተምህር ኢሎም።
“እቲ ናይ መወዳእታ ንኽርስቶስ ኣብ ምድራዊ ሕይወቱ ካብ ዝፈለፈጥዎ ደቀ መዝሙር ሓደ ካብዚ ዓለም ብሞት ድሕሪ ምፍላይ ግልጸት ተደምዲሙ እዩ” ክትብል ቤተ ክርስትያን ተስተምህር፣ ኮይኑ ግን ንኣብነት ፍልሰታ ለማርያም ቤተ ክርስትያን ኣብ ወንጌል ከምቲ ዘለዎ ብንጹር እውን እንተዘይተገልጸ ክፍሊ ናይ እምነት ዓንቀጽ (ዶግማ) ክትብል ኣዊጃ እያ። ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሓ. ምዕ. 16 ፍቕዲ 13 ዝብሎ “እቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ዅሉ ናተይ እዩ፣ ስለዚ እየ ካባይ ወሲዱ ክነግረኩም እዩ ዝበልኩ” እዚ ድማ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ፍቕዲ 66፦ “ምስ ብዝሒ እዋናት በብቑሩብ ንምልኣት-ትርጓሜኡ ምርዳእ ናይ እምነት-ክርስትና እጃም እዩ” እንክብል የነጽሮ ኢሎም።
በዚ መሰረት ነቶም “ውልቃዊ ግልጸታት” ዝብሉ ንምርዳእ ይከኣል፣ ካብቶም ውልቃዊ ግልጸታት ንኣብነት ግልጸተ ማርያም ዘ ሉርድን ፋጢማን ቤተ ክርስትያን ኣፍልጦ ንዝሃበትሎም ጠቒሶም፣ ነዚ ድማ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ፍቕዲ 67፦ “ኣብ ዝሓለፈ ኣዋናት ብሕታዊ ወይ ድማ ውልቃዊ ዝተባህሉ ገለ ግልጸታት ነይሩ እዩ። እንካብ’ዚ ገሊኡ ቤተ ክርስትያን በቲ ዘለዋ ስልጣን ተቐቢላቶ፣ እንተኾነ ግን እዚታት ናይ መዝገበ-እምነት ክፍሊ ኣይኮነን” ዝብል ጠቒሶም ኣረዲኦም።
ምእመናን ገለ ገለ ውልቃውያን ግልጸታት ብውዕዉዕ ስምዒት ክስዕብዎን ከቃልሕዎን ይርአይ፣ ብርግጽ እዞም ግልጸታት ዝሕግዙና እውን እንተኾነ፦ “እግዚኣብሔር ብቅዱስ መጽሓፍ ብትውፊትን ብቤተ ክርስትያንን ስልጣንን (ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን) ኣቢሉ ገዛእ ርእሱ ክፍለጥ ይገብር” ቢሎም ኣብዚ ናይ እምነት ዓመት ሓደስቲ ግልጸታት ካብ ምጽባይ ብዝተቖጥበ መንፈስ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንኸነንብቦ ዓዲሞም ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.