2012-12-06 15:49:20

ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16፡ ሀገራት ሐቆፍ ማሕበረ ሰብ ግጭት ሰሜናዊ ኪቩ ክገትእ ተማሕጺኖም፣


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ወትሩ ትማሊ ሮቡዕ ድሕሪ ፍጻሜ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ አብ ሰሜናዊ ምብራቅ ረፓብሊክ ኮንጎ ዚካየድ ዘሎ ህውከትን ግጭትን ዘኪሮም አብዚ ክሊ’ዚ ሰላም ክሰፍን ተማሕጺኖም፣
ብጠንቅ’ቲ አብዚ ክሊ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ህውከትን ግጭትን በሽሐት ዝቁጸሩ ሰባት አደዳ ስቃይን ስደተን ይኾኑ ከም ዘለዉ ጠቂሶም እዚ ጉዳይ’ዚ ከም ዘሕዘኖምን ዘተሐሳሰቦምን አፍሊጦም፣
ቅዱስነቶም አተሐሒዞም፡ እቲ ቅድሚ አዋርሕ አብ ረፓብሊክ ኮንጎ አብ ሰሜናዊ ኪቩ ዝተጀመረ ህውከትን ግጭቲን ይቅጽል ከም ዘሎን እዚ ክሊ’ዚ ዓውደ ህውከትን ግጭትን ይኸውን አሎ ብጠንቂ’ዚ ክአ ሰብአዊ ቅልውላው ከም ዝተኸሰተን ህዝቢ ካብብዚ ግጭት’ዚ ክድሐን ይዘነበልን ይስደድን አሎ፣
ነዚ ህውከት’ዚ ንምግታእ ሰላማዊ ዘተ ክካየድ ዕርቂ ክፍጠር ሐደራ ሃገራት ሐቆፍ ማሕበረ ሰብ ክአ ነቲ አብ ሽግር ዝወደቀ ህዝቢ ሰብአዊ ረዲኤት ከቅርበሉ ይምሕጸን ኢሎም በነዲክቶስ መበል 16 ።
አብቲ ከባቢ ዝርከብ ማእከል ዶን ቦስኮ ን15 ሺሕ ሰባት ዑቅባ ሂቡ ይናብዮም ከም ዘሎ ክምልከት ከሎ አብ ሽግር ዝርከብ ህዝቢ ግን ብዓሰርተ አሽሐት ዝቁጸር ከም ዝኾነ ይምልከት፣ ዘይመንግሥታውያን ተቅዋማት ናይ ብሕቲ ሰብአዊ ትካላት ነቲ ህዝቢ ረዲኤት የቅርባ ከም ዘለዋ ክምልከት ከሎ ጸጥታ ናብቲ ረዲኤት ዘድልዮ ህዝቢ ከብጽሐ ከም ዝተሸገራ ኩፒ ዝተባህለ ተቅዋም ረዲኤት አፍሊጡ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ንመንግስቲ ረፓብሊክ ኮንጎ ብምቅዋም አብ ምብራቃዊ ኮንጎ ዝዋጋእ ዘሎ ኤም 23 ዝተባህለ ጉጅለን አብዚ ቀረባ ግዜ ብሽምግልና አብ ከባቢ ዓበይቲ ቀላያት ዝርከባ ሀገራት አብ ኡጋንዳ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ንዘተ ከም ዝራኸቡ ተገሊጹ፣ እቲ ኤም 23 ተባህሉ ዝጽዋዕ ንመንግስቲ ረፓብሊክ ኮንጎ ብምቅዋም አብ ሰሜናዊ ምብራቅ ኮንጎ ዝዋጋእ ዘሎ ጉጀለ ናይቲ ክሊ አውራ ከተማ ጎማ አብ ትሕቲ ቅጽጽሩ አእትይዋ ከም ዝነበረ ክዝከር ከሎ ካብታ ከተማ ወጺኡ ሐሙሽተ ኪሎሜትር ርሒቁ ዓሪዱ ከም ዝርከብ ተነጊሩ፣
ናይ ረፓብሊ ኮንጎ ኡጋንዳ ሩዋንድ መራሕቲ አብ ካምፓላ ኡጋንዳ ተራኺቦም ኩነታት ሰሜናው ምብራቅ ኮንጎ ዝተኮረ ዘተ ከም ዘካየዱ ክዝከር ከሎ፡ መንግስቲ ሩዋንዳ ነቲ ኤም 23 እትህቦ ሐገዝ ክትገትእ መራሕ መንግስቲ ረፓብሊክ ኮንጎ ፕረሲዳንት ጆሰፍ ካቢላ ከም ዝሐተቱ ተገሊጹ ኔሩ። አብ አፍሪቃ ክፍለ ዓለም ብስፍሐት መሬትን ትሕዝቶ ማዕድናትን እትፍለጥ ረፓብሊክ ኮንጎ ፖሊቲካዊ ምርግጋእ ካብ ትስእን ነዊሕ ግዜ ከም ዝሐለፈ ይምልከት፣ ካልእ ማይ ማይ ዝተባህለ ዓማጺ ጉጅለ ብውገን ምዕራብ ረፓብሊክ ኮንጎ ጸረ መንግስቲ ይቃለስ ከም ዘሎ ተገሊጹ፣







All the contents on this site are copyrighted ©.