2012-12-06 14:56:06

ረቡዓዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. (05/12/2012)
“እግዚኣብሔር ናብ መላእ ዓለም መደብ ፍቕሪ ከነብጽሕ ይጽውዓና”


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ዕለት 5 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም. እቲ ልሙድ ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዘቕረቡ እንክፍለጥ፣ ኣብ ደሞክራሲያዊት ኮንጎ ሰላምን ምርግጋእን ክሰፍን ጻውዒት ቅድሚ ምቕራቦም “እቲ ብምልኣት ብክርስቶስ ዝተገልጸን ምሉእ ብምሉእ ሕይወትና ዝለወጠ ናይ እግዚኣብሔር መደም ፍቕሪ ንመላእ ዘርኢ ሰብ” ኣማእኪሎም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፦ “ሕጂ እውን ኣብ መንጎ ዓበይቲ ሽግራት እውን እንርከብ እንተለና ኣብዚ ናይ ምጽኣት ዘመን እቲ ምሉእ ፍቕሩ ኣብ ምልኣተ ፍጻሜ ንምብጻሕ ናብ ዓለም ገዛእ ርእሱ ንዝሰብኤ እግዚኣብሔር ኅልው ምዃኑ ዘሎና ርግጽነት ክንሕድስ” ኣተሓሳሲቦም፣ “ብእንነብሮ እምነትን ተስፋን ፍቕርን እግዚኣብሔር ኣብ ዓለም ናይቲ ናቱ ተግባር ምልከት ክንከውን ይሓትተና፣ እግዚኣብሔር ወትሩ ናብ ዓለም ከም ብሓድሽ ክኣቱን ብርሃኑ ኣብቲ ጸላም ለይትና እንደገና ክኹላዕ ድላዩ እዩ” ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. እቲ “መደብ እግዚኣብሔር ንዘርኢ ሰብ” ብዑምቀት ንምትንታን ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ “ነቲ መደብ እግዚኣብሔር መደብ ልግስን (ርህራሀን) ምሕረትን ናይ ፍቕርን” ቢሎም ድሕሪ ምግላጽ ኣተሓሒዞም፦ “ሰብኣይን ሰበይትን ውጽኢት ወይ ድማ ፍረ ኣጋጣሚ ዘይኮኑስ ንናይ እግዚኣብሔር ዘለዓለማዊ ኣመክንዮ ርህራሀ ምላሽ እዩ” ኢሎም። ስለዚህ ኣብዚ ዓቢይ ብርቱዕ ዘመነ ምጽኣት እቲ መደብ ፍቕሪ ሕቡእ ዘይኮነስ ብስብእናን ተግባርን ክርስቶስ ዝተገልጸ ምዃኑ እንክትንትኑ፦ “እቲ ‘መደብ ርህራሀ’ ኣብቲ ሰማየ ሰማይ ልዑል ስፍራ ዘሎ ሱቕታ እግዚኣብሔር ዝተርፈ ዘይኮነስ ምስ ሰብ ብምርኻብ ኣፋሊጡን፣ ነዚ ሰብ’ዚ ሓደ ነገር ዘይኮነ ገዛእ ርእሱ ኣዩ ዝገለጸ” ምስ በሉ ኣስዒቦም ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ጠቒሶም፦ “ዝተኣኻኸበ ሓቅታት ዘይኮነስ ተሰቢኡን ሓደ ከማና ኰይኑን እዩ። እግዚኣብሔር መደብ ፍቕሪ በዚ መገዲ’ዚ ገሊጹ ምስ ሰብን ንሰብ ክሳብ ከምኡ ሰብ ብምዃን ቀረባኡ ኮይኑ እዩ። ሰብ ብብልሓቱን ክእለቱን ነቲ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ብሩህ ግልጸት ኣይምበጽሖን ኔሩ፣ እግዚኣብሔር ንሰብ ኣብቲ ደልሃመት ብፍቕሪ ንኽመርሖ ገዛእ ርእሱ ኣትሒቱ ባዕሉ እዩ ሰማየ ሰማያቱ ዘርሃወሉ” ኢሎም።
እዚ ሱታፌ ምስ ክርስቶስ ብእግዚኣብሔር ንኹሉ ሰብ ዝተዓደለ ጸጋ ምዃኑን፣ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነትና ክመሳቐልን ተደራቢ ጸቕጢ ዘይኮነስ ናይቲ ኣብ ወዲ ሰብ ብኑባሬ ማለት ኣብ ሰብ ምዃኑ ውሳጠ ንዘሎ ሃረርታ ኢታእላውን ምልኣትን ፍጻሜ ከምዝኾነን። በዚ መንጽር’ዚ ግብረ ትኣምኖ እንታይ ማለት እዩ? ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም፣ እምነት ሰብ ንእግዚኣብሔር ዝህቦ መልሲ ከምዝኾነን፣ እተሓሒዞም ድማ ተኣዝዞ ንእግዚኣብሔር ግዳደ ዘይኮነስ ነቲ ውቅያኖስ ለውሃት እግዚኣብሔር ገዛእ ርእስኻ እነዅልካ ቢልካ ምሕዳግ ማለት ምዃኑ እንከረድኡ፦ “እዚ ዅሉ’ዚ ምስቲ ምልኡ ጭቡጥ ኩነት ንዝግበር ርክብ ናብ ዓሚዩቕ መሠረታዊ ለውጢ ዘሳግርን ኩሉ ሓድሽ ኮይኑ ክርኤ ዝገብርን እዩ። እዚ ድማ ሓቀይና ምልዋጥ ይበሃል። ስለዚህ እምነት ሓደ ናይ ኣመለኻኽታ ምልዋጥ ማለት ምዃኑን ስለምታይሲ ብክርስቶስ ገዛእ ርእሱ ዝገለጸን መደብ ፍቕሩ ዘላለየን ናብ ሑቕፎኡ ዘእትውን ዝማርኽን እግዚኣብሔር፣ ናይቲ ሕይወት ዘጽንዕ ትርጉምን ምኽንያትን ናይ ሕይወት ምርግጋእን ጽንዓት ዝረኽበሉ ከውሒ ይኸውን። እምነት ማለት ነዚ ኣሜን ምባል ማለት እዩ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርቲ ክርስቶስ ኣጠቓሊሎም፣ ነቲ ብቋንቋ ጣልያን ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ በቶም ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ ቋንቋታት ድግማ ኣስሚዖም ነቶም ቃሎም ንኽሰምዑ ኣብቲ ኣዳራሽ ብውልቅን ብማኅበርን ንዝተረኽቡ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ኩሎም ናይ እግዚኣብሔር ልግሲ ሕያዋን መሰኻኽር ንኽኾኑ ኣተባቢዖም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.