2012-12-04 13:10:34

ጀነቭ፣ መበል 12 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ጸረ ሰብ ነታጒ


RealAudioMP3 ጸረ ሰብ ነታጒ ስምምዕ ውሳኔ ኦታዋ ከተምቲ ሃገራት ዘሳተፈ መበል 12 ዓለም ሓቆፋዊ ዋዕላ ጸረ ሰብ ተታጕ ኣብ ጀነቭ ትማሊ ከምእተጀመረ ክምልከት እንከሎ፣ ናይ ኢጣሊያ ጸረ ነታጒ ጎስጓስ ዋና ኣመሓዳሪ ጁዘፐ ስኪያቨሎ ምስ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ናይ ኦታዋ ጸረ ሰብ ነታጒ ስምምዕ ውሳኔ ነተን ክታመን ዘንበራ ሃገራት ዝምልከት ጥራሕ ኮይኑ ከይተርፍ፣ ብሓቂ እቲ ውሳኔ ኵላዊ ክኸውን ኢዩ እቲ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ። እቲ ናይ ኦታዋ ውሳኔ ምጥቃምን ምህርትን ጸረ ሰብ ነታጒ ክውገድ ዝብል ምዃኑ እውን ገሊጾም፣ ነቲ ውሳኔ ኦታዋ ተቐቢለን ክታመን ዘንበራ ሃገራት ብጠቕላላ 160 ከምዝኾናን፣ እቲ ስምምዕ እተን ከተምቲ ሃገራት ካብ ምጥቃሙን ኣብ ንግድ ኣጽዋር ውግእ ካብ ምውፋር ከምዝቑጠባ እዩ ዘነጽር። ኢጣልያ ክሳብ 1994 ዓ.ም. ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ኣምረትቲ ጸረ ሰብ ነታጒ እያ ኔራ፣ ኰይኑ ግን ኣብ 1994 ዓ.ም. ብዝተብጽሔ ብሔራዊ ውሳኔ መሰረት ካብ ምምራቱ ኮነ ምጥቓሙ ተቖጢባ እያ። ድሕሪ ናይ ኦታዋ ስምምዕ ድማ ነተን መሬተን ብጸረ ሰብ ነታጒ ዝተመልኤ ሃገራት ካብቲ ዝተቐብሮ ጸረ ሰብ ነታጒ ናጻ ንምግባር ዝተሓንጸጸ መደብ ንምትግባር ብዝተፈላለየ መዳይ ብምትሕብባር ዓቢይ ኣስዋጽዖ ተበርክትን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ኣብዚ መዳይ እውን ከም ኣብነት ትጥቀስ።
ገለ ገለ ሃገራት ነቲ ስምምዕ ኦታዋ ዘይተቐበልኦ ጸረ ሰብ ነታጒ ኣብ ምምራትን ኣብ ዕዳጋ ውግእ ኣጽዋር ምውፋሩ እውን ከምዝርከባን ነቲ ናይ ኦታዋ ስምምዕ 160 ሃገራት ዝከተማሉ ስለ ዝኾነ ድማ ጸረ ሰብ ነታጒ ኣብ ዕዳጋ ክውዕልን ኣብ ምጥቓሙ እውን ዘይከኣል ክኸውን ኢዩ ዝግብኦ። ጸረ ሰብ ነታጒ ተጠቀምትን ኣምረትን ሃገራት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘየኽብራ ተባሂለን እየን ዝግለጻ። ስለዚህ ሕጋዊ ንግድ ጸረ ሰብ ነታጒ ዝብሃል የሎን። ብሓፈሻኡ ክልኩል እውን እዩ። ኮይኑ ግን ነቲ ናይ ኦታዋ ስምምዕ ዘይፈረማሉ ከም ቻይና ዝኣመሰላ ሃገራት፣ ዘለወን ብዝሒ ጸረ ሰብ ነታጒ ሓበሬታ ዘይሃባ ክነሰን ከምዘይጥቀማሉ እየን ዝሕብራ። ግብጽን ሲንጋፑር ነቲ ስምምዕ ኦታዋ ካብ ዘይተቐበልኦ ሃገራት እየን። ኣብዚ ሕዝናዮ ዘሎና 2012 ዓ.ም. ናይ ሶሪያ ሓይሊ ምክልኻልን ደባይ ተዋግእቲ ሶሪያ እውን ነቲ ነታጒ ይጥቀሙሉ ከምዘለው ሓቢሮም፣ ኣብ ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ካብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ምርጋፍ ውግእ ኣጽዋርን ድሕነትን ሓልዮ ድርገትን ካብ ገለ ገለ ሃገራት እውን መንግስቲ ሶሪያ ጸረ ሰብ ነታጒ ተጠቂሙ ዝብል ክሲ ከምዘቕረበ ሓቢሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.