2012-12-04 12:57:01

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ጽኑዕ እምነት ውሑዳት ንዓለም ቃል ቃል ከብል ይኽእል እዩ


RealAudioMP3 “ወንጌል ንምስፋሕ ልክዕ ከም ሓደ ንጣብ ዘይቲ ንዅሉ ዝለክይ ናይ ውሑዳት ጽኑዕ እምነት እዅል እዩ” እንክብሉ ቅዱስ አቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ንጎሆ ናይቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ዓብይን ታሪኻውን ናይ እንግልጣር ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት (ኮሌጅ) 70 ተመሃሮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ቀለመንጦስ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ገሊጾም፣ ቅድም ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ጎርጎሪዮስ ዓብይን ደሓር እውን እቲ ናይ ጀርመን ሰባኬ ወንጌል ቅዱስ ቦኒፋዚዩስ ኣቡን ኣብቲ Anglo-Saxon - ናይ ጀርመናዊ ባህልን ቋንቋን ዝሰፍሓሉ ከባቢ ኤውሮጳ ወንጌል ንምስፋሕ ንኣጎስቲኖስ በዓል ካተርበርይ ልኢዅን ዘርኢ እምነት ዘንበረን እቲ ናይ እምነትን ሰማዕትነት ታሪኽ ጠቒሶም፣ እዚ ድማ ነቲ ሓቂ ብቓልን ሕይወትን ዘነጸረ ጸጋ እምነት ምዃኑ እንከብርሁ፦ “ብሓቂ እቶም ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕይወቶም ዝተራኸብዎ ኣብ ውሽጦም ዓቘይሮም ትም ከብልዎ ዝክኣሎም ኣይኮነን…ቅዱስ ቦኒፋዚዮስን ቅዱስ ኣጐስጢኖስ በዓል ካንተርበርይን ከምኡ እውን ነቲ ዕለት 3 ታሕሳስ ዓመታዊ በዓሉ ዝክረሉ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ሳቨሪዮን ካልኦት ቅዱሳት ልኡካነ ወንጌልን እቲ ዝንበር ዓሚዩቕ ፍቕሪ ንጎይታ ካልኦት ንኣኡ ክፈልጥዎ ዝድርኽ ዓሚዩቕ ድላይ ዘሕድር እዩ” ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና ካብ ቀደም ሎሚ ብዝያዳ ከመይ ጌርካ ኢዩ ክርስቶስ ዝምስከር? ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም ናይዚ ሕቶ መልሲ እቲ ኣብነት ቀዳማይ ሰማዕት ናይ ቤት ምህርቲ ዘርኣ ክህነት ቅዱስ ራልፍ ሸርዊን ጠቒሶም ብሓቂ እቶም 44 ናይዚ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ተመሃሮን ዝነበሩ ምእንቲ ፍቕሪ ክርስቶስ ደሞም ዘፍሰሱ ሰማዕታት ከነኽብርን ክንዝክርን ቅኑዕን ግቡእን ምዃኑ እንከመልክቱ፦ “ነቲ ንሳቶም ዝነበርዎ ፍቕሪ ንጎይታን ውዕዉዕ ክርስቶሳዊ ቅንኣቶም ክምቲ ቅዱስ ራልፍ ሸርዊን ዝበሎ ‘potius hodie quam cras-ካብ ቀደም ሎሚ ብዝያዳ’ ክትነብሩን ክትመስሉን ዝተጸዋዕኩም ኢኻትኩም፣ ፍሬኡ ድማ ንፍቓድ እግዚኣብሔር ብእምነት ከተረክብ ዝብል እወታዊ ሳዕቤን ዘለዎ እዩ። ቀዳማይ ሓላፍነትኩም ንኽርስቶስ ኣብ ሕይወትኩም ክትራኸብዎን ክትፈልጥዎን እዩ፣ ስለዚህ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ነዚ ተመክሮ’ዚ ንምንባር ዘኽእል ሓለፋ ዘለዎ እዩ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብናይ ክርስቶስ ሕይወት ንኽንማረኽ ፍቓደይናታት ኰይና ክንርከብን፣ ብፍላይ ድማ ምሳኡ ብጸሎትን ብቕዱሳት ምስጢራትን ከምቲ ብፁዕ ጆን ሄንርይ ነውማን (ቅዱስነቶም ኣብ 2010 ዓ.ም. ኣብ እንግልጣር ኣብ ዝፈጸምዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዕደት ብፅዕና ዝኣወጅሉ) ዝብሎ ምስ ኢየሱስ ልቢ ንልቢ ምርኻብ ወሳኒ ከምዝኾነን፣ ኣብቲ ወንጌል ዝተሰብኮን እምነት ዝደኸመሉ ዝመስል ክፍሊ ዓለም ሓድሽ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘለዎ ኣገዳስነት እንከመልክቱ፦ “ልክዕ ከምቲ ንእሽቶይ ሓዊ ንሓደ ዓቢይ ዱር ዘባርዕ ከማኡ እሙን ናይ ውሑዳት ምስክርነት እምነት ድማ ኣንጻሕን ዝልውጥን ሓይሊ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ልክዕ ከምቲ ንጣብ ዘይቲ ናብ ኩሉ ዝሰፍሕ ናይ ምስፋሕ ተእኽሎ ዘለዎ እዩ” ቢሎም ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ኣጠቓሊሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእንተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.