2012-12-01 16:02:22

ጸረ ኤይድስ ጥንኩር ቃልሲ ክካየድ ር ሊ ጳ በነዲክቶስ አተሐሳሲቦም ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ወትሩ ትማሊ ሮቡዕ አብ አዳራሻ
ጳውሎስ ሻዱሻይ ንምእመናን ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝሐቡ ክፍለጥ ከሎ ፡ አብ መወዳእታ ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ”ቲ ምሕረት ዘይብሉ ኤች አይ ቪ ኤይድስ አልዒሎም ፡ ነቶም በሽሐት ዝቁጸሩ በዚ ሕማም”ዚ”ዚ ዝሳቀዩ ዘለዉ ሕፃናት ክንክን ክግበረሎም ንዓለም ማሕበረ ሰብ ተማሕጺኖም ።
ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ብዘተሐስዳሰቦ መሠረት ድሕሪ ጽባሕ ባሕቲ ታሕሳስ ዓለም ለኸ ዕለተ ኤይድስ ተሐሲቡ ከም ዝውዕል ክለጥ ከሎ በነዲክቶስ መበል 16 ነዚ ዕለት”ዚ ዘኪሮም ፡ ኤች አይ ቪ ኤይድስ ናይ ብሚልዮን ዝቁጸር ህዝቢ ሕይወት ከም ዘጥፍኤን ንክንድኦም ዝኾኑ ሰባት ከም ዝሳቅን ዘኪሮም ነዚ አሉታዊ ተርእዮ”ዚ ንምግታእ ማሕበረ ሰብ ክተሐባበር ጸዊዖም ።
ነዚ ምሕረት ዘይህብ ሕማም”ዚ ዘህድእ ፈውሲ ከም ዘሎ ጠቂሶም ክአ አብ ሕጽናት ድኻታት ሀገራት እዚ ፈውሲ”ዚ ተሐሪምዎም ይሳቀዩ ከም ዘለዉ ገሊጾም።
ብሕማም ኤይድስ ዝተጠቅዓ አደታታ ንሕጽናት ከየተሐላልፋሎም ዝግትእ ፈውሲ ስለዘይረኽባ ክአ ሕጻናት ናይዚ ቀዛፊ ሕማም”ዚ ግዳያት ይኾኑ ከም ዘለዉ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አተሐሳሲቦም።
ተቅዋማት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አብ ዓውደ አገልግሎት ሕክምና ጸረ ኤይድስ ተጸሚደን ከም ዘለዋ ጠቂሶም ንሕሙማት ኤይድስ ኩለንትናዊ ክንክን ክህባ ተላብዮም ።አተሐሒዞም ክአ ብዙሐት ዘይፈልጥዎ አብ ዙርያ ዓለም ንሕሙማት ኤይድስ ዝከናኸና ተቅዋማት ዕስራን ሐሙሽተን ካብ ሚእቲ ካቶሊካውያን ተዋማት ከም ዝኾና አዘኻኺሮም ።ክንክን ሕሙማት ኤይድስ ብዚምልከት ካብ ኩለን ተቅዋማት ሕክምና ዓለም ዝበዝሔ ስራሕ ብቤተክርስትያን ከም ዝሽፈን ክአ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አመልኪቶም።
አብ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሀገራት ብሕማም ኤይድስ ዝተታሕዙ ሰባት ነቲ ሕማም ብቀሊሉ ዘህድእ ከምኡ ክአ ዝፍውስ ፈውሲ ክረኽቡ ከለዉ አብ ምምዕባል ዝርከባ ወይ ክአ ድሕሪት ዝተረፋ ዝብሀላ ሀገራት ዝርከቡ ሕሙማት ኤይድስ እዚ ዕድል”ዚ ተነፊግዎም ከም ዘሎ ዘኪሮም ዋጋ ፈውሲ ከጐድል እሞ ፈውሲ ክረኽቡ ዝክአል ኩሉ ክግበር በነዲክቶስ መበል 16 አተሐሳሲቦም።
ልዕሊ ኹሉ ግን እዚ ሕማም”ዚ ፈጺሙ ዝግትአሉ አገባብ ምኽታል ከም ዘድሊ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ነዚ ሕማም”ዚ ንምግታእ እንኮ ፈውሲ አብ ቃል ኪዳን ምጽናዕ ንገዛእ ርእስካ ካብ ዘይሐላፍነታውን ሞራል አልቦን ተግባራት ምቁጣብ ከም ዝኾነ ከም ተአምን ክአ አገንዚቦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.